ብዛዕባ እቲ ሩስያ ትኽሰሰሉ ንዓለም ዘዘራረበ 'ሰላሊ ዓሳ' ዝወፀ ምስጢር

ምስጢር እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ልጓም ዓጢቑ ዝተቐልቐለ ቤሉጋ ዝተብሃለ ዓሌት ዓሳ-ነባሪ፡ ኣብ መወዳእታ ዝተፈትሐ ይመስል።

እዚ ደቂ'ቲ ዓዲ 'ህቫልዲሚር' ኢሎም ዝሰየምዎ ንወተሃደራዊ ዕላማ ዝሰልጠነ ነባሪ ዓሳ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ሩስያ ሰላሊ እዩ ተባሂሉ፡ ቀንዲ ኣርእስተ ዜና መራኸብቲ ሓፋሽ ኰይኑ ነይሩ።

ሕዚ ግና፡ ተማራማሪት ዓሌት ቤሉጋ ዝኾነት ዶክተር ኦልጋ ሽፓክ፡ እቲ ነባሪ ዓሳ ብወተሃደራት ሩስያ ከም ዝሰልጠነን ካብቲ ሓይሊ ባሕሪ ከም ዝሃደመን ከም ትኣምን ንቢቢሲ ገሊፃ።

እንተኾነ ዶክተር ኦልጋ ሽፓክ፡ እዚ ነባሪ ዓሳ ሰላሊ እዩ ኢላ ኣይትኣምንን። የግዳስ ቤሉጋ፡ ነቲ መደብር ወተሃደራዊ ሓይሊ ባሕሪ ንክሕልው ይስልጥን ከም ዝነበረን ፈንጣሒ (ስርዓት ዘይብሉ) ብምዃኑ፡ ከም ዝሃደመን እያ ትኣምን።

ሩስያ፡ ቤሉጋ ብወተሃደራታ ከም ዝሰልጠነ ንምርግጋፅ ኰነ ንምክሓድ ብተደጋጋሚ ክትሕሰም እያ ፀኒሓ።

ካብ 1990ታት ጀሚራ ክሳብ 2022 ናብ መበቆል ዓዳ ዩክረይን ዝተመለሰትሉ እዋን፡ ኣብ ጉዳይ መጥበውቲ ባሕሪ እንስሳት ኣብ ሩስያ ክትመራመር ዝፀንሐት ዶክተር ሽፓክ፡ “ንዓይ 100 ሚእታዊት (ርጉፅ) እዩ” ብምባል፡ ንቢበሲ ገሊፃ።

ምልከታ ዶክተር ሽፓክ፡ ኣብ ሩስያ ምስ ናይ ቀደም መሳርሕታን የዕሩኻን ዝገበረቶም ዝርርባት ዝተደረኸ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ‘ምሽጥራት እቲ ሰላሊ ነባሪ ዓሳ’ ብዝብል ሰነዳዊ ፊልም ኣዳልይዎ ኣሎ።

ሕዚ ኣብ ቢቢሲ ኣይ ፕለየር ዝተዘርገሐ እንትኾን፡ ኣብ ቢቢሲ 2 ድማ ኣብ ዝቕፅል ረቡዕ ሰዓት 21፡00 ክፍነው እዩ።

እዚ ምሽጥራዊ ነባሪ ዓሳ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ናብ ዝርከቡ ገፈፍቲ ዓሳ ምስ ተቐልቀለ እዩ ንፈለማ እዋን ኣቓልቦ ህዝቢ ስሒቡ።

ጆኣር ሄስተን ዝተብሃለ ገፋፊ ዓሳ፡ “ኣብታ ጃልባ ክሰሓሳሕ ጀሚሩ። ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ እንስሳት ካብ ደቂ ሰባት ሓገዝ ከም ዘድልዮም ብባህርያዊ መንገዲ (ደመ-ነፍሳዊ) ከም ዝፈልጡ ሰሚዐ ነይረ። እዚ በሊሕ ነባሪ ዓሳ እዩ ኢለ ድማ እሓስብ ነይረ” ይብል።

ብፍላይ ከኣ ዓሌት ቤሉጋ ነበርቲ ዓሳ ምስ ሰባት ዝተላመዱ ዘይምዃኖምን ኣብ ደቡባዊ ከባቢ ሳሕቲ ዝረኣዩ ብምዃኖምን፡ እዚ ክስተት ዘይተለመደ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ፃት ናብ ገፈፍቲ ዓሳ ብምቕልቃል፡ ኣብ ጃልባ ክሰሓሳሕ ዝተርኣየ እዚ ቤሉጋ፡ ኣዝዩ ህዱእን ተቐራራብን እዩ ነይሩ።

እዚ ጥራሕ ኣይኰነን፡ እዚ ቤሉጋ ነባሪ ዓሳ፡ ንካሜራ መቐመጢ ዝኸውን መቓን ዘለዎን ብኢንግሊዘኛ ‘መሳርሒ ሴንት ፒተርስበርግ’ ዝብል ፅሑፍ ዘለዎን፡ ሰብ ሰራሕ ልጓም (ማርሻ) ተኸዲኑ’ዩ ነይሩ።

ሄስተን፡ ነቲ ልጓም ካብቲ ነባሪ ዓሳ ኣብ ምእላይ ዝሓገዘ እንትኾን፡ ድሕሪ እዚ ቡሌጋ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ናብ ዝርከብ ወደብ ሃመርፌስት ብምኻድ ንብዙሓት ኣዋርሕ ነቢሩ።

ብህይወት ዘለዉ ዓሳታት ሒዙ ክምገብ ዘይኽእል ዝመስል እዚ ቤሉጋ፡ ንበፃሕቲ ምስ ካሜራታቶም ብምፅዋት ኣብ ሓደ ፍፃመ ድማ ሞባይል ስልኪ ብምምላስ ማሪኽዎም።

ኣብ ማእኸል መፅናዕቲ ኦርካ ኖርወይ ተማራማሪት ዝኾነት ኢቭ ጆርዲያን፡ “እዚ ፍሉይ ነባሪ ዓሳ፡ ኣብ ዝኾነ ዒላማ ዝመስል ነገር ኣፍንጭኡ ከቕምጥ ከም ዘለዎ ከም ዝሰልጠነ፡ ኣዝዩ ግልፂ እዩ ነይሩ” ትብል።

“ኣብ ምንታይ ዓይነት ኣገልግሎት (ማእኸል) ከም ዝነበረ ግና ኣይንፈልጥን፤ ስለዚ ንምንታይ ይስልጥን ከም ዝነበረ ኣይንፈልጥን።”

ብዛንታ እዚ ምሽጥራዊ ነባሪ ዓሳ ዝተማረኸት ኖርወይ፡ ነዚ ቤሉጋ ክትከታተሎን ክትምግቦን ምድላዋት ገይራ።

ህቫልዲሚር፡ ብቋንቋ ኖርወይ ህቫል ማለት’ውን ነባሪ ዓሳ ካብ ዝብል ቃልን፡ ካብ ሽም ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ተሓንፊፁ እዩ ነዚ ቤሉጋ ዝተውሃበ መፀውዒ ኰይኑ።

ዶክተር ሽፓክ፡ ናይቶም ኣብ ሩስያ ዝርከቡ ምንጭታታ ምእንተ ደሕንነቶም ሽሞም ክትፀርሕ ኣይደለየትን። እንተኾነ፡ ቤሉጋ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ምስ ተርኣየ፡ ማሕበረሰብ መጥበውቲ ባሕሪ ሩስያ፡ ብቀጥታ ካብ መንጎ እቶም ናህቶም ዝኾኑ ቤሉጋ ምዃኑ ከም ዘለለዩ ከም ዝተነገራ ንቢቢሲ ገሊፃ።

“ብኔትዎርክ ሓኻይም እንስሳትን ኣሰልጠንትን ኣቢሉ እቲ መልእኽቲ ተመሊሱ መፂኡ- ኣንድሩሃ ዝበሃል ቤሉጋ ከም ዝጠፍኦም ተፈሊጡ” ትብል።

ከም ሓበሬታ ዶክተር ሽፓክ፡ ኣንድሩሃ/ህቫልዲሚር ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ምብራቓዊ ርሑቕ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ኦክሆትስክ እዩ ንፈለማ እዋን ተታሒዙ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ሴንት ፒርስበርግ ካብ ዝርከብ ብዶልፊናሪየም (ሕዛእቲ መጥበውቲ እንስሳት ባሕሪ) ዝውነን ማእኸል፡ ናብቲ ኣብ ኣርክቲክ ሩስያ ዝርከብ ወተሃደራዊ ፕሮግራም ተወሲዱ፤ እቶም ኣቐዲሞም ይከታተልዎ ዝነበሩ ኣሰልጠንቱን ሓኻይሙን ድማ ርክቦም ቀፂሎም።

ዶክተር ሽፓክ፡ “ኣብ ቅሉዕ ማይ (ባሕሪ፣ ውቅያኖስ) ምስራሕ ምስ ጀመሩ፡ ነዚ እንስሳ ምእማኖም (ካብ መምርሕታቶም ወፃኢ ሓሚሱ ክኸይድ ኣይኽእልን ምባሎም)፡ እዚ እንስሳ ብኣሰልጠንቱ ተስፋ ቀቢፁ (ንኣሰልጠንቱ ምትሕብባር ኣቋሪፁ) ትብል።

“ኣብ ንግዳዊ ዶልፊናርየም (ሕዛእቲ መጥበውቲ እንስሳት ባሕሪ) ካብ ዘለዉ ሰባት ከም ዝሰማዕኽዎ፡ ኣንድሩሃ በሊሕ ብምንባሩ ንምስልጣን ፅቡቕ ምርጫ ኰይኑ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዘ ድማ ከም ስርዓት ዘይብሉ (ፈንጣሒ) ንጡፍ ቤሉጋ እዩ ነይሩ። ስለዚ ነታ ጃልባ ምስዓብ ገዲፉ ናብ ቃሕትኡ ብምኻዱ ኣይተደነቑን” ትብል፡ ተመራማሪት ዶክተር ሽፓክ።

ካብ ጥቓ መደብር ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ሙርማንስክ ዝተወሰዱ ምስልታት ሳትላይት፡ ናይ መጀመርታ መንበሪ ህቫልዲሚር/ኣንድሩሃ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል የርእዩ። እዞም ምስልታት ፀዓዱ ነበርቲ ዓሳ ዝሓዙ ዝመስሉ ጋብያታት (Pens) ብንፁር የርእዩ።

ካብ ኦንላይን ጋዜጣ ዘ ባረንትስ፡ ኦብሰርቨር ቶማስ ኒልሰን፡ “ኣቀማምጣ ነበርቲ ዓሳ ቤሉጋ ኣብ ውሽጣዊ ማያት ባሕሪ ናብ ዝንቀሳቐሳ መራኽብን ኣብ ላዕለዋይ ማያዊ ክፋል ዝንቀሳቐሳ መራኽብን ዝቐረበ ምዃኑ፡ ብትኽክል ኣካል ስርዓተ ሓለዋ ምዃኖም ክሕብረና ዝኽእል እዩ” ይብል።

ህቫልዲሚር/ኣንድሩሃ ብወተሃደራት ሩስያ ከም ዝሰልጠነ ዝግለፅ እኳ እንተኾነ፡ ሞስኮ ነዚ ብወግዒ ምላሽ ሂባትሉ ኣይትፈልጥን። ግና መጥበውቲ እንስሳት ባሕሪ፡ ንወተሃደራዊ ዕላማታታት ናይ ምስልጣን ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ።

ኣብ 2019 ቪክቶር ባራንተስ ዝተብሃለ ሓደ ሩስያዊ ዕቑር ኮሎኔል፡ “እዚ እንስሳ ንስለላ ንጥቀመሉ እንተነይርና፡ ብሓቂ ‘በይዛኻ በዚ ቁፅሪ ደውል' ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ ቁፅሪ ሞባይል ነተሓሕዝ ዶ ይመስለካ?” ኢሉ ነይሩ።

እቲ ዘሕዝን፡ ዘደንቕ ታሪኽ ህቫልዲሚር/ኣንድሩሃ ፅቡቕ መወዳእታ የብሉን።

ቡሌጋ፡ ንርእሱ ብኸመይ ክምግብ ከም ዘለዎ ተማሂሩ፣ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ እናተጓዓዘ ዓመታት ኣሕሊፉ፡ ኣብ ጉንበት 2023 ኣብ ገማግም ባሕሪ ስዊድን’ውን እንከይተረፈ ተራእዩ።

ባሕቲ መስከረም 2024 ግና፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ሪሳቪካ ኣብ ዝርከብ ገማግም ደቡባዊ ምዕራብ ኖርወይ፡ ሬስኡ ኣብ ባሕሪ ኣንሳፊፉ ተረኺቡ።

ነዊሕ ኢዱ ፑቲን ነቲ እምቢተኛ ቡሌጋ፡ ረኺብዎ ዶ ይኸውን?

ኣይመስልን። ገለ ነጠፍቲ ጉጅለታት እዚ ነባሪ ዓሳ ተተኵሱ ከም ዝተቐተለ እኳ እንተገለፁ፡ ፖሊስ ኖርወይ ግና ነዚ ነፂገምዎ።

ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ንሞት ቡሌጋ ብቐጥታ ከም ዘስዓበ ዝሕብር መረዳእታ የለን ይብሉ።

ድሕሪ ሞቱ ዝተገበረ ምርመራ ሬሳ፡ ህቫልዲሚር/ኣንድሩሃ ኣብ ኣፉ ዝተላገበ ዕንፀይቲ ጠንቂ ሞቱ ከም ዝኾነ እዩ ዝሕብር።