እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጻምእ ወሲብ ዝዀነ ዶልፊን ብቝጥዐ መጥቃዕታት ይፍፅም
ኣብ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ኣብ እትርከብ ከተማ ሓደ መጻምድቲ ብምስኣንን ብጾታዊ ረስኒ ዝተፀገመን ዶልፊን ኣብ ልዕሊ ሓምበስቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ክኢላታት ገሊጾም።
እቲ ዶልፊን ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣብ ጥቓ ከተማ ሚሃማ ኣስታት 18 መጥቃዕትታት ከምዝፈጸመ ይግመት።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ቆሲሎም እዮም።
ዶልፊናት "ብበሊሕ ኣስናኖም ነኺሶም መድመይቲ ከስዕቡ" ጥራይ ዘይኰነስ "ናብ ባሕሪ ክጎትቱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ተኽእሎ ኣሎ" ክብሉ ሰበስልጣን የጠንቅቑ።
ዋላ'ኳ ፈተውቲ ሰባት ብምዃን ዝና እንተሃለዎም፡ መጥቃዕቲ ዶልፊን ግን ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ 1994 ኣብ ብራዚል ሓደ ዶልፊን ኣብ ልዕሊ ክልተ ክጋልብዎ ዝፈተኑ ደቂ ተባዕትዮ ሓምበስቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ እቲ ሓደ ክመውት እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ከም ዝቘሰለ ይዝከር።
ቅድሚኡ'ውን ብሰንኪ ቲያኦ ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ዶልፊን፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝቘሰሉ ይዝረብ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጃፓን ሚየ ፕሮፌሰር ስነ-ህይወት ዝዀነ ታዳሚቺ ሞሪሳካ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ትሱሩጋ ኣጻብዕቲ ሰብኣይ ክነክስ ዝተራእየ ዶልፊን፡ ምስቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፉኩይ ዝተራእየ 2.5 ሜትሮ ዝንውሓቱ ዶልፊን ዝሰመሳሰል ምዃኑ ገሊጹ።
"ስለዝዀነ፡ ሓደ ዶልፊን እዩ ኢልካ ምግማት ምኽንያታዊ'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ሞሪሳካ።
ንሱ ወሲኹ፡ ተባዕትዮ ቦትልኖዝ ዶልፊን "ንሓድሕዶም ብጸወታ ብምንካስ" ከምዝረዳድኡ ገሊጹ።
"ንሰባት ክጐድኡ ኣይኰኑን ዝፍትኑ ዘለዉ፡ እንታይ ደኣ ምስ ሰባት ዝረዳድኣሉ ኣገባብ ዶልፊን እዮም ዝጥቀሙ ዘለው" ኢሉ።
ካልኦት ድማ ንምንታይ ሓደ ዶልፊን ድሕሪ እዞም መጥቃዕትታት ክህሉ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ክልስ-ሓሳባት ኣቕሪቦም፣ ሓደ ካብዚኦም ባህጊ ጾታዊ ርክብ ዝብል እዩ።
"እዞም ቦትልኖዝ ዝበሃሉ ዓይነት ዶልፊን ኣዝዮም ማሕበራዊ እንስሳታት እዮም፣ እዚ ማሕበራዊ ርክብ ድማ ብኣዝዩ ኣካላዊ መንገዲ ክግለጽ ይኽእል'ዩ" ይብል ዶክተር ሳይሞን ኣለን፡ ተመራማሪ ስነ ህይወትን ቀንዲ መርማሪ ፕሮጀክት ምርምር ዶልፊንን።
"ልክዕ ከምቲ ኣብ ደቂ ሰባትን ካልኦት ማሕበራዊ እንስሳታትን ዝግበር፡ ምልውዋጥ ሆርሞናት፡ ጾታዊ ብስጭት ወይ ናይ ምዕብላል ድሌት፡ እቲ ዶልፊን ንሰባት ናብ ምጕዳእ ክድርኾም ይኽእል'ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ከቢድ መጕዳእቲ ከስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ።"
ዶክተር ኣለን ወሲኹ፡ እቲ ዶልፊን "ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕበረሰብ ተገሊሉ፡ ኣማራጺ መጻምድቲ ይደሊ ኣሎ" ይብል።
ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሲንጋፖር ክኢላ መጥበውቲ ባሕሪ ዶክተር ማትያስ ሆፍማን-ኩንት ብወገኑ፡ እቲ ዶልፊን ንባዕሉ ንምክልኻል እውን ክዋሳእ ከምዝኽእል ይገልጽ።
"በዚ ኸምዚ እቶም እንስሳታት ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ልዕሊ ሓንበስቲ ተጻባኢ ባህሪ ምርኣዮም ዘገርም ኣይኰነን" ይብል።
እቲ ዶልፊን ቅድሚ ሕጂ ምስ ሓደ ሰብ ሕማቕ ርክብ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ደቂ ሰባት ስምዒቱ ከንጸባርቕ ተኽእሎ ከምዘሎ ዶክተር ሆፍማን-ኩንት ይገልጽ
"ጽቡቕ ዝኽሪ ኣለዎም፡ ቅድሚ ሕጂ ዝበደሎም ይዝክሩ’ዮም" ይብል።