ኣብ ናይጀርያ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 200 ቀቲሉ፤ ኣብ እዋን ውሕጅ እንታይ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ?

ምንጪ ስእሊ, BBC / Gift Ufuoma
ኣብ ናይጀርያ ብሓሙስ ድሕሪ ዘጋጠመ ቀታሊ ውሕጅ ቍጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 200 ከምዝበጽሐ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ኣብ ሰሜናዊ ማእከላይ ግዝኣት ኒጀር ኣብ እትርከብ ከተማ ሞክዋ ንዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ስዒቡ ካልኦት 500 ሰባት እውን ደሃዮም ተሳኢኑ ኣሎ።
ምክትል ኣቦ መንበር ምምሕዳር ሞክዋ ዝዀነ ሙሳ ኪምቦኩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ብህይወት ክህሉ ከምዘይክእል ሰበስልጣን ብምእማኖም፡ ጻዕርታት ምድሓን ሰባት ደው ከምዝበለ ገሊጹ።
እዚ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ውሽጢ 60 ዓመታት ካብ ዝተረኣዩ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተገለጸ ሓደጋ ውሕጅ ድሕሪ ብርቱዕ ዝናብ ከምዝሰዓበ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ከባቢ ክስዕቡ ዝኽእሉ ሕማማት ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ነቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐብሩ ሬሳታት ንምውጻእ ኣብ ቀረባ እዋን ምዅዓት ክጅምሩ ምዃኖም ሰብመዚ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, BBC / Gift Ufuoma
ነበርቲ እቲ ከባቢ ንዝተራእየ ዕንወት ክገልጹ ከለዉ፡ ገዛኦምን ኣባላት ስድራቤቶምን በቲ ውሕጅ ተጓሒፎም ክውሰዱ ከለዉ ከምዝረኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣዳሙ ዩሱፍ፡ በዓልቲ ቤቱን ሓድሽ ዝተወልደ ህጻኑን ዝሰኣነ ነባሪ እቲ ከባቢ እዩ።
"ማይ ንስድራይ ጸሪጉ ክወስዶም ከሎ ረዳኢ ዘይበለይ ብዓይነይ ሪኤ። ክሕንብስ ስለ ዝኽእል እየ ብህይወት ተሪፈ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሳሊዩ ሱሌማን ዝተበሃለ ካልእ ነባሪ ድማ እቲ ውሕጅ ብዘይገዛ ከምዘትረፎን ዝነበሮ ሃብቲ ከምዘዕነዎን ገሊጹ።
ብሰንበት ሃገራዊ ኤጀንሲ ምሕደራ ህጹጽ እዋን እታ ሃገር ንዝተጎድኡ ሰባት ረድኤት ናይ ምሃብ መስርሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ጽርግያታትን ድልድላትን እውን በቲ ውሕጅ ስለዝተሃሰዩ ኣብ ቍጠባን ምንቅስቓስን ጽልዋ ከምዘሕደረ ገሊጹ።
ቀይሕ መስቀል ናይጀርያ'ውን ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሕጅ "ዓቢ ክሳራ ህይወትን ሰፊሕ ጭንቀትን" ከምዘስዓበ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ጥቅምቲ ዝጸንሕ ወቕቲ ዝናብ ናይጀርያ ውሕጅ ዘይልሙድ ኣይኰነን።
ናይጀርያ ኣብ 2024 ንዘጋጠማ ብርቱዕ ዝናብ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዕልቕልቕ ሞትን ምምዝባልን ነበርቲ ኣጋጢሙ ነይሩ።
ኣብ 2022 እውን ከቢድ ዕልቕልቕ ኣጋጢሙ ልዕሊ 600 ሰባት ሞይቶም፤ 1.3 ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም።
ኣብ እዋን ውሕጅ ክውሰዱ ዝግበኦም ጥንቃቐታት
ክሻታት ሑጻ መሊእካ ኣብ ኣፍደገ ምድርዳር።
መዓጹን መሳኹትን ምዕጻው ዘምርሳዕ።
ኵነታት ሕድሕድ ኣባል ቤተሰብ ብኣጋ ምፍላጥ።
ሕድሕድ ኣባላት ስድራኻ ኣበይ ከምዘለዉ ምፍላጥ ዝሓሸ ጥንቃቐ ክትገብር ሓጋዚ እዩ፤ እንስሳት ምፍታሕ ኣድላዪ እዩ።
ዝዀኑ ዓይነት ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ናውቲ ምእላይ፡ መትረባት ማይ እውን ምዕጻው።
ኣብ ደገ እንተዄንኩም ዝወደቐ ናይ ኤለክትሪክ ዕንጸይቲ ከይህሉ ተጠንቀቑ።
ረሳሕ ፈሳሲ ንከይወጽእ ሽቓቕ ብግቡእ ምዕጻው።
ድዅዒ [መዳበርያ] ከምኡ ድማ ጸረ-ባልዕ ዝኣመሰሉ መርዛም ባህሪ ዘለዎም ነገራት ካብቲ ዕልቅልቕ ኣርሒቕካ ምስቃል።
ናብ በሪኽ ቦታ ደይቡ፡ ወይ ከኣ ተጠንቂቕኩም ናብ ናሕሲ ደይቡ።
ኣብ ውሕጅ ምኻድ ግቡእ ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ፡ ዋላ 15 ሴንቲ ሜትር ጥራይ ዕምቆት ዘለዎ ውሕጅ ሰብ ክወስድ ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







