እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ብዕጡቓት ተጨውዮም
ኣብ ኢትዮጵያ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተሳፈርቲ ብኣውቶቡስ ካብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዕጡቓት ተጨውዮም።
እዚ ፍጻመ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዘጋጠመ ኰይኑ ዝርዝር ሓበሬታኡ ገና ሕጂ'ዩ ዝቕልቀል ዘሎ።
እቲ ጭውያ ኣብ ዓሊ ዶሮ ዝተባህለ ቦታ ዘጋጠመ እዩ። እዚ ከባቢ ጥቓ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣስታት 100 ተመሃሮ ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲኦም ናብ ገዝኦም እናተጓዕዙ እንከለዉ ዝተጨውዩሉ እዩ።
እቲ ጭውያ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባትን ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ይኸሱ።
እቲ ጉጅለ ግን ኣብቲ ፍጻመ ኢድ ከምዘይነበሮ እዩ ዝገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ'ቲ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ጭውያ ሓበሬታ ከምዝበጽሖን "መርመራ የካይድ ከምዘሎን" እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ገሊጹ ኣሎ።
እቶም ተሳፈርቲ ናብታ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ከተማ ደብረ ማርቆስ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ተዂሲ ብዝተለዋወጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ሓደ ናይቲ ከባቢ ማዕከን ዜና የመልክት።
ካልእ ጸብጻብ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኣውቶቡሳት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ኣብቲ እዋን እንተወሓደ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ይሕብር።
ቁጽሪ ናይቶም ዝተጨውዩ ሰባት ክሳብ 50 ክበጽሕ ከምዝኽእል'ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።
መንግስቲ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ጭውያታት ዝገለጾ ነገር የለን። ቢቢሲ ወግዓዊ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት እውን ኣይሰመረን።
ኣብቲ ከባቢ ተጓዓዝቲ ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ክጭወዩ ምስማዕ ልሙድ ይኸውን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ጅሆ ንዝሓዝዎም ሰባት ክፈትሑ በጃ ይጠልቡ ነይሮም።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ እቲ ዝዓበየ ብሄር ኢትዮጵያ ዝዀነ ህዝቢ ኦሮሞ ዓርሰ ውሳነ ንክረክብ ይቃለስ ከምዘሎ ይገልጽ። ኣብ ከም ዓሊ ዶሮ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ'ውን ይግለጽ።
ይኹን'ምበር ብባይቶ ፌደራል ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ዝተመዝገበ'ዩ።