ኮንጎን ርዋንዳን ነዊሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ ውዕል ሰላም ፈሪመን

ርዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፡ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ ውዕል ሰላም ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ተፈራሪመን።

እዚ ውዕል ሰላም፡ ነተን ዓሰርተታት ዓመታት ክተፋነና ዝጸንሓ ጎረባብቲ ሃገራት ዘቀራርብን፡ንኣመሪካ ከኣ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዕደና ከተካይድ ዘኽእላን'ዩ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ውዕል ነቶም ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ኮይኖም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ዕጡቓት "ከይተፋነኑ፡ ዕጥቖም ክፈትሑን ክውሃሃዱን'ውን" ዝጠልብ'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምስፋንን ውዕል ሰላም ንምፍርራርምን ክግብር ዝጸንሓ ፈተነታት ክፈሽል እዩ ጸኒሑ።

ፕረዚደንታት ኣመሪካን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፡ ነቲ ውዕል "ኣዝዩ ዓቢ ናይ ወለዶታት ዓወት" ክብሉ ገሊጸሙዎ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ዓርቢ "ሎሚ ዕንወትን ግጭትን መወዳእትኡ ኰይኑ ኣሎ፡ እቲ መላእ ዞባ ከኣ ሓዲሽ ምዕራፍ ተስፋን ዕድላትን ተፈጢርሉ ኣሎ" ኢሉ።

እቶም ወከልቲ ክልትኤን ሃገራት ብምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስን ሚኒሰትር ወጻኢ ጉዳያት ማርኪ ሩብዮን ተሰንዮም ንትራምፕ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝረኸብሉ፡ ትራምፕ ነቲ ውዕል "ክቡር ዓወት" ብምባል ገሊጽዎ።

ትራምፕ ኣብቲ ኣቐዲሙ በቶም ዝምልከቶም ልኡኻት ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ፌርማኡ ቅድሚ ምውሳኹ "እዚ ዓቢ ስርሒት'ዩ" ብምባል ናእዳኡ ገሊጽሎም።

እቲ ስምምዕ፡ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኮንጎን ሩዋንዳን ከምኡ ከኣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እዩ ተፈሪሙ።

ቅድሚ ምፍርራም፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈሊክስ ትሺሰከዲ "እዚ ካልእ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ፕረዚደንት ፈሊክስ ትሺሰከዲ'ዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢልካ ዝግለጽ ዓወት" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመን ፕረዚደንት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ትሺሰከዲ ፡ብሓባር ክረኽቦም ናብ ዋሺንግትን ዓዲምዎም ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ሞንጎ ርዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሓዲሽ ወጥሪ ኣብ ዝነገሰሉ ቀጠር ናይ ምሽምጋል ተበግሶ ወሲዳ ከምዝነበረት ይግለጽ።

ቀጠር ናብ ክልቲኤን ሃገራት ልኡኻት ሰዲዳ ፈተነታት ድሕሪ ምክያድ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተራኸብሉ ከኣ ብኣመሪካ ዝድገፍ ሓባራዊ ኮሜተ ከምዝተመስረተ ዝተረኸበ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ይሕብር።

ብርዋንዳ ከምዝድገፉ ዝግለጹ ዕጡቓት ኤም-23 ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ንዝዓበየት ከተማ ጎማን ከምኡ ከኣ ቡካቩ ብምቁጽጻር ኣብተን ከተማታት ዝርከባ ክልተ መዓርፎ ነፍርቲ ካብ ስራሕ ደው ኣቢሎመን።

በቲ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም።

ብድሕሪ እዚ መንግስቲ፡ ንኣመሪካ ኣብ መሬቱ ክትዕድን ከም ሓለፍ ክህባ ቃል ብምእታው ካብ ኣመሪካ ሓገዝ ክሓትት ጀሚሩ።

ምብራቕ ኮንጎ ብማዕድናት ኣዝዩ ሃብታም ዞባ'ዩ።

ርዋንዳ፡ ዋላ ድኣ ኣዝዩ ኣእማኒ መርትዖታት ይረኸቡ 'ምበር፡ ንዕጡቓት ኤም-23 ከምዘይትድግፎም ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

ርዋንዳ ብተወሳኺ ንነብሰ ምክልኻል ዝዓለመ ወፍርታት ጥራይ ከምእተካየድ'ያ ትገልጽ።

ብመሰረት ካብ ሮይተርስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝወከሉ ተዛተይቲ፡ ዝተፈናቐሉ ናብ ቤቶም ክምለሱን ርዋንዳ ኣብ ኮንጎ ኣዋፊራቶም ዘላ ኣስታት 7000 ሰራዊታ ከተውጽኦምን ብትሪ ሓቲቶም'ዮም፡ ርዋንዳ ግን ነዚ ጠለብ እዚ ኣይተቐበለቶን።

እቲ ዝተዛተይዎ ነጥብታት ቅድሚ ኣብ ሓደ ስምምዕ ምብጽሑ ኣብ ሚድያታት ምስ ወጽአ፡ ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ኦሊቨር ንዱሁነጊረህ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ምፍርራም ቅድሚ ምብጽሑ ሓበሬታት ኣብ ምዕቓብ ክስራሕ ጠሊቡ።

እቲ ሚኒስተር፡ "ኣብቲ ውዕል፡ ሰራዊት ርዋንዳ፡ ወይ ሰራዊት ምክልኻል ርዋንዳ፡ ክወጽኡ ዝብል ቃል የለን" ኢሉ።

ዋላ'ኳ ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ናይቲ ውዕል ሰላም ኣይዘርጋሕ'ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ወጺኡ ብዘሎ ሓበሬታት ብዙሓት መልሲ ዘድልዮም ጠልጠል ዝበሉ ሕቶታት ኣለዉ፡

  • ዕጡቓት ኤም-23 ካብቲ ሒዘሞ ዘለዉ ቦታታት ክወጽኡ ድዮም?
  • ርዋንዳ ሰራዊታ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምዘለዉ ብምእማን ከተውጽእ ተሰማሚዓ ድያ?
  • እቶም ኣብ ርዋንዳ ዘለዉ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድዮም?
  • እቲ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝብል ነጥቢ፡ ንዕጡቓት ኤም-23 ዝምልከት ድዩ?

እዝን ካልእን ሕቶታትን ገና መልሲ ዝጽበ ዘሎ ይመስል።