ቅልውላው ኮንጎ ብሰላም ንምፍታሕ ድልውነት ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ

ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምኻድ ምስቶም ብርዋንዳ ዝድገፉ ዕጡቓት ኤም-23 ፡ ኣብቲ ተቆጻጺረሞ ዘለዉ ከባቢ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ክሕለው ከም ዘለዎ ኣብ ዝምልከት ተዘራሪቦም።

ፍለይቲ ወኪል ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት በኒቱ ከይታ፡ እቶም ዕጡቓት ኤም-23 ቅልውላው ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ምሉእ ድልየት ከም ዘለዎ ምስኦም ድሕሪ ምዝርራባ ገሊጻ።

ኣብ ምብራቃዊ ሸነኽ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዘይምርግጋእ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከም ዝዓረገን፤ ዕጡቓት ኤም-23 ጎማ ትርከበን ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ከም ዝተቖጻጸርወንን ዝዝከር'ዩ።

እታ ላዕለወይቲ ሓላፊት ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ ኣብ ጎማ ምስ ወከልቲ ኤም-23 ድሕሪ ምርኻባ፡ እቲ ርክብ ጽቡቕ ሃዋሁን ሓሳባት ምውህሃብን ከም ዝነበሮ ብዕግበት ገሊጻ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ጎማ ምርኻቦም ኣብ ዝወጽአ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እቲ ርክብ ኣካል ናይቲ "ንረብሓ ህዝብን ንሰለማዊ ፍታሕን ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ሓባራዊ ጻዕሪ" ምዃኑ ይገልጽ።

ነቲ ርክቦም ኣመልኪቱ ዝተዘርገሐ ስእሊ፡ በኒቱ ከይ ናብቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ቦታ ብሄሊኮፕተር እናከደትን ንሳን ዘሰንየዋ ልኡኻትን ምስ ኣባላት ኤም-23 ከምኡ ከኣ ዕጡቓት ውህደት ኮንጎ ሪቨር ኮፍ ኢሎም እናተዛተዩ የርኢ።

ኤም-23 ንጎማ ካብ ዝሕዝዋ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት ምስቶም ዕጡቓት ክዘራረቡ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

እንተዀነ እዞም ሕጂ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም ምስ ኤም-23 ዝተዛተዩ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት ብደረጅ ጽፍሒ እቶም ዝልዓሉ'ዮም።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እቶም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተዋፊሮም ዘለዉ ሙኑስኮ [Monusco] ዝተሰመዩ ዓቐብቲ ሰላም ንኤም-23 ካብቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ደው ከብልዎም ኣይክኣሉን።

ብኣንጸሩ ዕጡቓት ኤም-23 ንገለ ኣባላት ዓቐብቲ ሰላም ኣጥቂዐሞም'ዮም።

እቲ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ጠንቂ ምፍንቃል ኣማኢት ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባትን ሞት ኣሽሓትን ኮይኑ ኣሎ።

መዓርፎ ነፈርቲ ጎማን ካቩሙን ክሳብ ሕጂ ተዓጽዩ'ዩ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ'ውን ክሳብ ሕጂ ደሞዞም ኣይተኸፈሉን ዘለዉ።

ካብቶም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተዋፊሮም ዝነበሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዓቐብቲ ሰላም እቶም 250 ብዓርቢ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።

20 ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዓቐብቲ ሰላም ኣብቲ እዋን ኵናት ብዕጡቓት ኤም-23 ድሕሪ ምቅታሎም፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰራዊታ ካብቲ ቦታ ከተውጽእ ከምዝተገደደት'ዩ ዝግለጽ።