ዓሰርተ ንምንባር ምቹኣት ዝዀና ከተማታት ዓለም 2025

ቪየና ንዓመታት ኣብ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ምንባር ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ፡ 2025 ግን ደረጃኣ ናብ ካልኣይ ወሪዱ ኣሎ።

ካብ ኮፐንሃገን ክሳብ መልበርን ኣብ ዘለዋ ንኽትነብረለን ምቹኣት ዝዀና ከተማታት ምንባር ብሓቂ ከመይ ከም ዝመስል ነበርቲ ዝተፈላለየ ርእይቶ ኣለዎም።

ኣሃዱ ስለያ ኢኮኖሚስት (EIU) ንነዊሕ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ከተማታት ደረጃ ብምሃብ፡ ህይወት ኣበይ ዝያዳ ምቹእን ውሑስን ምዃኑ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ስእሊ ክህበና ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዓለም ዝለዓለ ደረጃ ዘለወን ከተማታት ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ተመሳሰልቲ ኰይነን እየን ጸኒሐን።

ኣብ 2025 ግን ሓደ ዓቢ ለውጢ ተራእዩ ኣሎ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንፈለማ እዋን ቪየና ካብ ደረጃኣ ተኣልያ።

ኮፐንሃገን ኣብ ምርግጋእ፡ ትምህርትን ትሕተ ቅርጽን ብዘርኣየቶ ፍሉይነት ናብ ቀዳማይ ደረጃ ደይባ ኣላ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ 2025 ዝተራእየ ለውጢ ደረጃ ሃገራት፡ ብዛዕባ ምውሳኽ ወይ ምንቁልቋል ነጥቢ ጥራይ ኣይነበረን - ብዛዕባ ድሕነት እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ እናወሰኸ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ብፍላይ ቪየና ኣብ 2024 ዝተኻየደ ምርኢት ሙዚቃ ቴይለር ስዊፍት ንኽስረዝ ምኽንያት ዝዀነ ናይ ቦምባ ምፍርራሕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መደበር ባቡር ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ንኵነታት እታ ሃገር ሃስይዎ እዩ።

ሕጂ'ውን ከተማታት ምዕራብ ኤውሮጳ፡ ኣውስትራልያ፡ ኒውዚላንድን ካናዳን ኣብቲ ንምቹእነት ምንባር ዝወሃብ ደረጃታት ጽቡቕ ውጽኢት ዓቂበን ኣለዋ።

ኦሳካ እታ እንኮ ኣብ ዓሰርተ ቀዳሞት ሃገራት ዝተሰርሐት ኤሽያዊት ሃገር እያ።

ስለዚ፡ ኣብ ሓንቲ ካብዘን ከተማታት ምንባር እንታይ ይመስል?

ነዚ ንምፍላጥ ኣብተን ሓሙሽተ ኣብዚ ደረጃ ዝኣተዋ ከተማታት ዝነብሩ ሰባት ሓቲትናዮም ኣለና።

ኮፐንሃገን

ብመሰረት እቲ ዓለማዊ መዐቀኒ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘት ደኒማርካዊት ከተማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እውን ኣብ ዓለምና ሕጕስቲ ከተማ ተባሂላ ተሰሪዓ እያ።

ምቹእነትን ሓጐስን ማዕረ-ማዕረ ዝኸዱ ጕዳያት ኰይኖም፡ ኣብ ኮፐን ሃገር ዘሎ ልዑል ምርግጋእ፡ ትሕተ ቅርጽን ከባብን ነበርቲ ምቹእነት እታ ከተማ ዝትርጕምሉ ጸጋታት እዩ።

"ባቡራት ኣብ ሰዓተን እየን ዝመጽኣ፡ ሓንቲ ባቡር እትመጽኣሉ ሰዓት 12፡16 ተባሂሉ እንተተሰሪዑ፡ ሰዓት 12፡16 ኣብቲ መደብር ትርአ። ኣብ ሓደ ዓቢይ ሬስቶራንት ስኒከር ጫማ ጌርካ እንተኣተኻ'ውን፡ ዋላ ሓደ ሰብ መናዕ ኢሉ ኣይጠማመተካን፡" ይብል ነባሪ ኮፐንሃገን ቶማስ ፍራንክሊን።

ንሱ ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ፊንቴክ ስዋፕድ ዶት ኮም እዩ።

"ኮፐንሃገን ኣብ ዝዀነ ግዜ ብዘለዋ ህድኣት ትስዕረኒ። ጐደናታታ ገፊሕ'ዩ፣ ብሽክለታታት ካብ መካይን ይበዝሓ፡" ብምባል ምንቅስቓስ እታ ከተማ ዝዓናቕፉ ነገራት ከም ዘየለው ይሕብር።

ፍራንክሊን ብተወሳኺ ማሕበረሰባዊ መንፈስ ናይታ ከተማን ጸቕጢ ዘይምህላውን ይንእዶ።

እዚ ማለት ድማ ብዘይ መደብ ምስ መሓዛኻ ተራኺብካ ንኽልተ ሰዓታት ቡን ክትሰቲ ምኽኣል ዓቢይ ነገር እዩ ኢሉ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ክፉት ዕዳጋታት፡ ህዝባዊ ሳውናን ኣብ መናፈሻ ዝጐዩ ቈልዑን ምርኣይ፡ እታ ከተማ ተመራጺት ከም ዝገብራ ሓቢሩ።

ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ኦሊቭያ ሊቨን፡ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ናብታ ከተማ ከም ዝመጸት ትዛረብ።

ኮፐንሃገር፡ ንስድራቤት ዝምችእ ባህሪ ዘለዋ ብምዃና፡ ኣብዚ ቈልዓ ምዕባይ "ዘይትጽበዮ ድንቂ ተመኵሮ፡" እዩ ክትብል ትገልጽ።

"ወዲ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ወደይ ኣብ ልዑል ድጐማ ዘለዎ መዓልታዊ መዕበዪ ህጻናት ይመሃር። ነዚ ድማ ኣብ ወርሒ ኣስታት 600 ዶላር ኣመሪካ ጥራይ ኢና ንኸፍል። ብግብሪ እትኸፍሎ ገንዘብካ ብልክዕ ናበይ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ብግልጺ ኢኻ ትርእዮ፡" ኢላ።

እታ ከተማ፡ ጽቡቕ ሚዛን ስራሕን ህይወትን ከም ዝሃበታ'ውን ጠቒሳ። ብዙሓት ኩባንያታት ሰራሕተኛታት ኣብ ሓምለ ናይ ሰለስተ ሰሙን ዕረፍቲ ክወስዱ የተባብዓ።

ብተወሳኺ ሊቨን እቲ ትሕተ ቅርጺ መደበራት ሜትሮ፡ ጽርየትን ዘተኣማምንን ህዝባዊ መጓዓዝያን እታ ከተማ ተመራጺት ከም ዝገብራ ሓቢራ።

10 ንምንባር ምቹኣት ዝዀና ሃገራት 2025

1. ኮፐንሃገን፡ ደኒማርክ

2. ቪየና፡ ኦስትሪያ

2. ዙሪክ፡ ስዊዘርላንድ

4. መልበርን፡ ኣውስትራልያ

5. ጀኔቫ፡ ስዊዘርላንድ

6. ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ

7. ኦሳካ፡ ጃፓን

7. ኦክላንድ፡ ኒውዝላንድ

9. ኣደላይድ፡ ኣውስትራልያ

10. ቫንኮቨር፡ ካናዳ

ቪየና

ርእሰ ከተማ ኦስትርያ ኣብዚ መዐቀኒ ካብ ቀዳማይ ናብ ካልኣይ ደረጃ'ኳ እንተወረደት፡ ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ዘለዋ ደረጃ ግን ንዅለን ከተማታት በሊጻተን እያ።

ኣብ ትሕተ ቅርጽን ትምህርትን እትረኽቦ መምዘኒ ደረጃ'ውን ዓቂባ ኣላ።

ዩኒዶ ኣብ ዝተባህለ ትካል ኣማኻሪት ርክባት ናታሊ ኦኮነል፡ "ኣነ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ብኣነባብራ ቪየና ተገዚአ ዝመጻእኩ ተወላዲት ኒውዮርክ'የ። ናብ ኒውዮርክ ንምምላስ ድማ መደብ የብለይን። ኣብ ሓንቲ ዓባይ ርእሰ ከተማ ክህሉ ይኽእል'ዩ ኢለ ዘይገመትኩዎ ጽሩይ ህይወት'የ ረኺበ፡" ትብል።

ነገራት ብርትዓዊ ዋጋ ዝርከባ ከተማ ምዃና፡ ሰባት ንኽመርጽዋ ምኽንያት ከም ዝዀነ እያ ትጠቅስ።

እዚ ማለት፡ ክራይ ገዛ ርትዓዊ ምዃኑ፡ ሰፊሕ መርበብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቪየና እውን ጽሩይን ብተመጣጣኒ ዋጋን ዝርከብ ምዃኑ ትዛረብ።

"ሓደስቲ ኣብያተ መግቢ ይዅን፡ ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎም ምርኢታት ወይ ምርኢታት ስነ-ጥበብ፡ ንዅሉ እኹል ዝዀነ ነገር እተቕርብ ከተማ'ያ፤ ፍጹም ልዕሊ ዓቕምኻ ኰይኑ ዝስምዓካ ነገር የለን፡" ትብል።

ጀነቫ

ስዊዘርላንድ ብቐጻሊ ብኣዝዩ ብሉጽ ህይወት ልዑል ደረጃ ትሕዝ።

እዚ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ንጽቡቕ ህይወት ዝድግፍ ፖሊሲን ትሕተ ቅርጽን ዝመጽአ ዓወት እዩ።

ክልቲአን ከተማታት -ዙሪክን ጀነቫን - ኣብዚ ዓመት ኣብ ቅድሚት ሓሙሽተ ክስርዓ እንከለዋ፡ ነበርቲ ጀነቫ ግን ከተማኦም ዝተፈላለየ ስምዒት ከም ዘለዋ ይዛረቡ፤ ዝያዳ ጥርኑፍ፡ ዝያዳ ርጉእ ግን ከኣ ማእከል ኵሉ ዓለማዊ ረብሓታት እያ ይብሉ።

ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ካብ ፍሎሪዳ ናብዚ ዝገዓዘ ነባሪ ጀምስ ኤፍ ሮያል፡ "ጀነቫ ኣብ ጽቡቕ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ዘላ ብጽቡቕ እትመሓደር ከተማ እያ፡" ይብል።

ብዙሕ ካብ ረብሓታት እታ ዓባይ ከተማ - ሙዚቃ፡ ስነ-ጥበብ፡ ንግዲ - ኵሎም ከኣ ኣብ ቀረባኻ ኢኻ ትረኽቦም ብምባል፡ "እዚ ማለት ብዘይ እቲ ልሙድ ጕድለታት ብዙሕ ብልጫታት ናይ ከተማ ህይወት ትረክብ፡" ኢሉ።

ዕውት ኣገልግሎት ጥዕናን መሰረተ ልምዓትን፡ ጽሩይ፡ ውሑስን ንምጕዓዝ ቀሊልን ዝዀነ ኵነታት እውን ኣለዋ።

"ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ብእግሪ ክትከይድ እንተደሊኻ ይዅን ነቲ ጽዑቕ ስርዓተ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀም፡ መኪና ከየድለየካ ብቐሊሉ ክትንቀሳቐስ ትኽእል ኢኻ፡" ይብል ሮያል።

ብተወሳኺ፡ ዘተኣማምን መርበብ ባቡር ስዊዘርላንድን ዳርጋ ናብ ዝዀነ ከባቢ ኤውሮጳ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ንኽትጕዓዝ ቀሊል ይገብሮ።

ጀነቫ'ውን ሓንቲ ካብተን ብዙሕነት ዘለወን ከተማታት ስዊዘርላንድ ኰይና፡ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ነበርቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ'ዮም።

"ነበርቲ፡ ተጠቀምቲ ረብሓታት ናይቲ ብዙሕነት እዮም፤ እዚ ድማ ዝተፈላለየ ዓይነታት መግቢ፡ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ክትረክብ ይሕግዘካ።"

መልበርን

"ኣብ ስራሕ ውዒለ ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ናብ ዝደለኹዎ ብእግረይ ክኸይድ እኽእል። ጽዑቕ ክሰርሕ ውዒለ ድማ፡ ንጓለይ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣውጺአ ብእግረይ ክጕዓዝ እኽእል። ንዓይ ምንባር ማለት እዚ'ዩ፡" ይብል ነባሪ እታ ከተማ ጠበቓ ኦሊቨር ሞሪሰይ።

ካብ ማእከል ከተማ ወጻኢ ዝርከቡ እውን እንተዀነ፡ መርበብ መጓዓዝያ መልበርን ኣዝዩ ቀሊል ከም ዝዀነ ይገልጹ።

"እቲ ስርዓት መጓዓዝያ ንውሽጣውን ግዳማውን ከባቢታት መልበርን ኣብ ውሽጢ 50 ደቓይቕ ብቐሊሉ ክራኸቡ ዝገበረ እዩ፡" ትብል ካትሪን ቱኦሚነን።

ኦሳካ

ኣብ ቅድሚት ዓሰርተ ምቹኣት ከተማታት እዚ ዓመት ዝኣተወት እንኮ ከተማ ኤስያ (ብሓፈሻ መበል ሻብዓይ ደረጃ ዝሓዘት) ኦሳካ፡ ኣብ ምርግጋእ፡ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ልዑል ነጥቢ ረኺባ።

"ኦሳካ ኣዝያ ጽቡቕ ዝማዕበለት፡ ምችእቲ ከተማ እያ፡" ይብል ንነዊሕ እዋን ነባሪ ዝዀነ ግራሃም ሂል።

ንሱ 'ኦሳካ ረቪው' ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዘለዎ ኰይኑ፡ "ንእሽቶ፡ ግን ከኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ መኣዛ ዘለዋ፡" ከተማ እያ ብምባል ይገልጻ።

ዘተኣማምን ትሕተ ቅርጺ እታ ከተማ - ጽሩይ፡ ሰዓቱ ዝሓለወን ሰፊሕን ስርዓተ መተሓላለፊ ባቡር ሓዊሱ - ንኦሳካ ክትነብረላ ቀሊል ይገብሮ።

ዳይረክተር ሚክስሎጂ ዶሚኒክ ዳይክስትራ ጽቡቕ ኵነታት ኣየር ዘለዋ ምዃና ይዛረብ።

"ሰባት ብባህሎም ዝሕበኑን ንኻልኦት ንምክፋል ወትሩ ድሉዋት ዝዀኑን'ዮም። ኦሳካ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ካብ ምቹእነት ንላዕሊ ክትነብረሉ ዝኽእል ኰይኑ ዝስምዓካ ኵነታት ኣለዋ። ሰባት ኣብ ድኳናት ምስ ዝረኽቡኻ የዕልሉኻ፡ ኣብ ባር ምሳኻ ይዋዘዩን ነታ ከተማ ከም ዓድኻ ኰይና ክትስምዓካ ይገብሩን፡" ኢሉ።