ኣመሪካ፡ ኤፍ-35 ነፋሪት ኣልዒላ ንድሮን ኢራን ወቒዓ

መርከብ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, US Navy via Reuters

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብሰሉስ 03 ለካቲት፡ ሓንቲ ድሮን ኢራን ኣብ ባሕሪ ዓረብ ናብ እትርከብ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣመሪካ "ብፍጥነት" ኣብ እትቐርበሉ ዝነበረት እዋን ከምዝተወቕዐት ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ገሊጹ።

ካብ መርከብ ውግእ 'ዩኤስኤስ ኣብርሃም ሊንከን' ዝተበገሰት ኤፍ-35ሲ ነፋሪት ውግእ፡ ነታ መርከብ ንምክልኻል ነታ ድሮን ወቒዓ ከምዘውደቐት ወሃቢ ቃል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ካፕቴን ቲም ሆኪንስ ገሊጹ።

እታ መርከብ ካብ ገማግም ባሕሪ ኢራን ኣስታት 500 ማይልስ ርሒቓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ እታ ድሮን "ዘይንጹር ዕላማ" ሒዛ ናብኣ ቀሪባ።

ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ኣጽዋር ኣመሪካ ይዅን ኣባል ዝወረደ ጉድኣት የለን።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ ህላወኣ ኣብ እተሐይለሉ ዘላ እዋን ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ወጥሪ ሓይሉ ኣብ ዘለወሉ እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ንኒዩክለሳዊ መደባታ ንምድራት ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሓ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከምዝወስድ ኣፈራሪሑ።

ቅድሚ ሕጂ ቴህራን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጸረ-መንግስቲ ተሪር ስጕምቲ ኣብ ዝወሰደትሉ እዋን፡ ጣልቃ ንምእታው ተሓንዩ ነይሩ።

ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት፡ ድሕሪ ምውዳቕ እታ ድሮን ኢራን፡ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ክካየድ ዝተመደበ ዘተ ገና ኣብ መደቡ ከምዘሎ ገሊጻ።

ትራምፕ "ኵሉ ግዜ መጀመርያ ዲፕሎማሲ ንምቕዳም ድሌት ከምዘለዎ" እኳ እንተገለጸት፡ "ኣብ ኢዱ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ከምዘለዎን፡ እዚ ድማ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ዘጠቓልል" ምዃኑን ወሲኻ ገሊጻ።

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ "ዞባዊ ኲናት" ከምዘስዕብ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ቴህራን ብዛዕባ እቲ ብሰሉስ ዘጋጠመ ፍጻመ ድሮን ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን።

ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ወሲኻ፡ ኣመሪካ ዝዀነ ኣኼባ ወይ ርክብ ቅድሚ ምክያዱ "ስጕምቲ ክትወስድ ክትግደድ ትኽእል እያ፡" ኢላ።

ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምውሳድ ዝሕግዙ ኣማራጺታት ዝምልከት መብርሂ ከም ዝተዋህቦም ሓደ በዓል ስልጣን ንመሻርኽቲ ዜና ቢቢሲ ኣመሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

ካልኦት ኣገባባት ድማ ጸረ-መንግስቲ ዝዀኑ ምንጭታት ብኢንተርነት ምዕባይ፡ ኣንጻር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ሳይበራዊ-ኣጽዋር ምጥቃም ወይ ተወሳኺ እገዳ ምግባር ክኸውን ከም ዝኽእል ሰበስልጣን ንዎል ስትሪት ጆርናል ገሊጾም።

ኣፈ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ኢራን፡ ኣመሪካ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ እስራኤልን ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ማእከላትን ወተሃደራዊ መራኽብ ኣመሪካን ዒላማ ከም ዝዀኑ ኣጠንቂቑ።

ብሰንበት እታ ሃገር "ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝሓለፉ ሰማእታት ንምዝካር" ብዝብል ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ከም ዝተኣወጀ ኣፍሊጣ።

ካልእ ምዕባለታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝለዓለ ልኡኽ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ኣብቲ ዝርርብ ክሳተፍ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብሰሉስ ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን፡ "ምቹእ ሃዋህው እንተሃልዩ" ኢራን ምስ ኣመሪካ ክትደራደር ድልውቲ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።

ቅድሚ እቲ ዝተወጠነ ዝርርብ፡ ዋሽንግተን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ከተዘኻኽር ጸኒሓ እያ።

እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ድማ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰነ እስራኤል ምስ ኢራን ኣብ ዝገበረቶ ናይ 12 መዓልታት ኲናት ዝተገብረ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ዝኸፍአ" ክኸውን'ዩ ትብል።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ኣብቲ እዋን ንመሳለጥያታት ኒዩክለር ኢራንን ሳይንቲስትን ከምኡ'ውን ንወተሃደራዊ ኣዘዝታን ኣጽዋራት ሚሳይላትን'ውን ዒላማ ገይሩ ምንባሩ ይዝከር።

ቴህራን ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ብምሃብ ኣማኢት ሚሳይላትን ድሮናትን ናብ እስራኤል ምውፋራ ይዝከር። ብተወሳኺ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝርከብ ዓቢ መዓስከር ኣየር ኣመሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣካይዳ እያ።

ኢራን ኒዩክለሳዊ መደባ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተተንከፈን፡ እንተዀነ ነቲ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ትጽዕር ኣላ ዝብል ክሲ ትነጽግ።

እቲ ብሰንኪ ምውሳኽ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቝሑን ምውራድ ዋጋ ባጤራ ኢራንን ዝጀመረ ተቓውሞታት፡ ሕጂ ድማ ምሕደራ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ከብቅዕ ይጽውዕ ኣሎ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኢራን፡ ዝዀነ ተቓውሞ ዘስምዕ ሰብ ከም "ጸላኢ ኣምላኽ" ክቝጸር'ዩ፣ እዚ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ዝሓዘ ገበን'ዩ፡" ክብል እንከሎ፡ ኻሜኒ ድማ እቶም ሰልፈኛታት ንትራምፕ "ከሐጕሱ" ዝደልዩ "ዕስለ ዕንወት" ክብል ነቒፉዎም።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (HRANA)፡ ቅትለት 6,424 ሰልፈኛታት፡ 152 ህጻናት፡ 214 ምስ መንግስቲ ሰባትን 58 ሓለፍቲ መገዲን ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ፡ ካልኦት 11 ሽሕን 280 ሰባት ሞይቶም ዝብል ጸብጻባት'ውን ትምርምር ኣላ።

ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢራን፡ ብዝሒ ሞት ሰባት ልዕሊ 25 ሽሕ ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ሰብመዚ ኢራን ብውሕዱ 3,117 ሰባት ከምዝተቐትሉ እኳ እንተኣመኑ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ወይ ብ 'ናዕበኛታት' ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ምዃኖም ገሊጾም።

እቲ ናዕቢ ብሰንኪ ምንቍልቛል ባጤራ ኢራንን ከቢድ መነባብሮን ዝፈጠሮ ቍጥዐ ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ቀልጢፉ ግን ናብ ጠለባት ፖለቲካዊ ለውጢ ማዕቢሉ።

ኻሜኒ ነቲ ናዕቢ ብኣመሪካን እስራኤልን ዝተወደበ 'ውዲት' ክብል ገሊጽዎ።