ዩክረይን ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ሩስያ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመት ገሊጻ

ዩክረይን፡ ብውሑዱ 121 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ብምውፋር ንመጻረዪ ነዳዲ ሩስያ ከም ዝደብደበት ተገሊጹ። እዚ፡ መጥቃዕቲ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝውላዕ ንደሓር ካብ ዝተኻየዱ በይናዊ ስርሒታት እቲ ዝዓበየ እዩ።

ብቢቢሲ ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሞስኮ ዞባ ርያዛን ኣብ ዝርከብ መጻረዪን መቕድሕን ነዳዲ፡ ሃልሃልታ ሓዊ እንክዓርግ የርእይ። ሰብመዚ ዩክረይን ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ድማ ገሊፆም።

ሩስያ፡ ንርያዛን ሞስኮን ሓዊሱ ን13 ዞባታት ዒላማ ዝገበራ 121 ድሮናት ወቒዓ ከም ዘውደቐት ኣፍሊጣ። ዝወረደ ጕድኣት ከም ዘየሎ ድማ ገሊጻ።

ብኻልእ ወገን፡ ሩስያ ኣብ ዞባ ኪየቭ ኣብ ሓደ መንበሪ ህንጻ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ሓደ ከም ዝቘሰለን ሰብመዚ ዩክረይን ገሊጾም።

ሓላፊ ማእከል ምክልኻል ስኑዕ ሓበሬታ ኣንድሪ ኮቫለንኮ፡ ኣብ ርያዛን ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ከምኡ'ውን ኣብ ብርያንስክ ዝርከብ ፋብሪካ ክረምኒ (ስሊኮን) ከም ዝተወቕዐ ብመንገዲ ተሌግራም ገሊጹ። ኪየቭ፡ ፋብሪካ ክረምኒ ክፍልታት ሚሳይላትን ካልኦት ኣጽዋራትን ከም ዘፍርይ እያ ትገልጽ።

ብሎገራት'ውን፡ ኣብቲ ሽድሽተ ትርብዒት ሜትሮ ዝሽፍን ትካል ርያዛን ዘጋጠመ ባርዕ ዘርእዩ ኣሳእልን ተንቀሳቓስቲ ምስልታትን ብመንገዲ ተሌግራም ዘርጊሖም። ዝተረጋጋጹ ምስልታት ከኣ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ህሞት፡ ሰባት ካብቲ ቦታ ብመኻይንን ብእግሮምን እንክሃድሙ የርእዩ።

ኣሃዱ ምርግጋጽ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ኣብቲ መጻረዪ ነዳዲ ዘጋጠመ ባርዕ ብልክዕ ንምፍላጥ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ተጠቒሙ። እቲ ሓደ ቪድዮ፡ ኣብ ጥቓ ሰሜናዊ መእተዊ ዘጋጠመ ባርዕ ዘርእይ ክኸውን ከሎ፡ ኣቀማምጥኡ ድማ ምስ ጽርግያ፣ ሓጹራትን ምልክትን ሓደ ዓይነት (ዝገጠመ) እዩ።

ካልኦት ክልተ ቪድዮታት ድማ ብምብራቓዊ ክፋል እቲ መጻረዪ ካብቲ ቀዳማይ ኣስታት ሰለስተ ኪሎሜትሮ ርሕቕ ኢሉ ገዚፍ ሃልሃልታ ባርዕ የርእዩ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ፡ ካብቲ ኣብ ብራያንስክ ዝርከብ ፋብሪካ ስሊኮን ዝተዋህበ መግለጺ ብምጽራሕ፡ ብሽድሽተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ስራሕ ደው ከም ዝበለ ጸብጺቡ። ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ፓቨል ማልኮቭ፡ ኣገልግሎታት ህጹጽ ሓደጋ ግብረ መልሲ ይህቡ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ክረምሊን እዞም መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸሙ ዋላ እኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ ብዛዕባ ዝወረደ ዕንወት ኰነ ኣብ ሰባት ዝበጽሐ ጕድኣት ኣይጠቐሰን።

ሩስያ፡ ኣብ ዞባ ሞስኮ ሽድሽተ፡ ኣብ ዞባ ርያዛን ድማ 20 ድሮናት ሓዊሱ፡ ብጠቕላላ 120 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝወቕዐት ገሊጻ። ኣብ ዶባት ብራያንስክ'ውን ብዙሓት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዒላማ ከም ዝዀና ሓቢራ።

ከንቲባ ሞስኮ ሰርጂ ሶብያኒን፡ ምክልኻል ኣየር እታ ከተማ፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ብድሮናት ዩክረይን ዝተፈነዉ መጥቃዕትታት ከም ዘምከኑን ዝወረደ ጕድኣት ከም ዘየሎን ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ሩስያ፡ ንወኪል ኣቪየሽን ሮዛቪያሽያ ብምጽራሕ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም ዝነበሩ ክልተ መዓርፎ ነፈርቲ ቭኑኮቮን ዶሞዴዶቮን በረራ ከም ዝጀመሩ ጸብጺበን።

ከንቲባ ከተማ ኩርስክ ኢጎር ኩትሳክ ድማ ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መስመራት ኤለክትሪክ ብምጕድኡ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ መብራህቲ ከም ዝተቛረጸ ሓቢሩ።

ሰብመዚ ዩክረይን፡ ሓይሊ ኣየር ኪየቭ ኣብ ሓደ ለይቲ ሩስያ ካብ ዘወንጨፈተን 58 ድሮናት፡ ነተን 25 ከም ዝሓምሸሸን ገሊጾም።

ምኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ካብ መንጎ እተን ዝተወንጨፋ ድሮናት እታ ሓንቲ ኣብ ዞባ ኪየቭ ህሌቫክሃ ናይ ዝወቕዐቶ ህንጻ ፍርስራስ፡ ክልተ ደቂ-ተባዕትዮን ሓንቲ ሰበይትን ከም ዝቐተለን፡ ካልእ ሓደ ሰብ ድማ ከም ዝቘሰለን ሓቢሩ።