ትራምፕ ዳግም ናብ ስልጣን ምምጽኡ ንዓለም እንታይ ማለት'ዩ?

ኣብ ሕዳር 2024 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ዝተዓወተ ዶናልድ ትራምፕ፡ ጽባሕ ሰኑይ 20 ጥሪ 2025 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዳግም ናብ ዋይት ሃውስ ክኣቱ'ዩ።

ኣብዚ ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ዝመርሓሉ እዋን፡ ነቲ "ቀዳምነት ንኣመሪካ" ኢሉ ዝጽውዖ ኣጀንዳ ኣብ ግብሪ እንከውዕሎ፡ ምናልባት ህይወት ኪኖ ዶባት ኣመሪካ ዘለዎ ሚልዮናት ሰባት ክጸሉ ዝኽእል ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ዳግም ክቐርጾ ተኽእሎ ኣሎ።

ካብ 2017 ክሳብ 2021 ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ትራምፕ፡ ንገለ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ጉዳያት ብኸመይ ክኣልዮም ከም ዝኽእል ንርአ።

ዩክረይን

ትራምፕ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ፡ ዝርዝር ሓበሬታ እንከይሃበ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ኣብ ሓደ መዓልቲ" ከብቅዕ ከም ዝኽእል ብተደጋጋሚ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ እቲ ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምሉእ ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር ናብ ዩክሬይን ዝውሕዝ ዘሎ ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣመሪካ ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ዩክሬይን፡ እቲ ኲናት ደው ንምባል ዩክሬይን ኣብ ዙርያ ግዝኣታዊ ሓድነታ ሕድገት ክትገብር ክደፍኣ እዩ ዝብል ስክፍታታት ፈጢሩ ኣሎ።

ትራምፕ ፍሉይ ልኡኽ ዩክረይንን ሩስያን ገይሩ ዝሓጸዮ ኪት ኬሎግ፡ ኣብ መጀመርታ ጥሪ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ፍታሕ ንምምጻእ ዕላማ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኬሎግ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ድማ ዩክሬይን ምስ ሞስኮ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ክትሳተፍ ምስ እትሰማማዕ ጥራይ ተወሳኺ ሓገዝ ኣመሪካ ክትረክብ ከም ዘለዋ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ትራምፕ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክረኽቦ ከም ዝደልን ጕጅልኡ "ምድላዋት የጻፍፍ" ከም ዘሎን'ውን ገሊጹ'ዩ።

ኔቶ

ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመንን ፈረንሳን ሓዊሱ ብ32 ሃገራት ዝቘመ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ሓደ ካብቶም ትራምፕ ከም እንስሳ ዘቤት ዝጸልኦ እዩ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ትራምፕ፡ ካልኦት ኣባላት እቲ ኪዳን ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያተን (GDP) ክልተ ሚእታዊት ኣብ ምክልኻል ክውዕል እንተ ዘይገይረን፡ ኣመሪካ ካብ ኔቶ ክትወጽእ እያ ክብል ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ብጽሒታ ንዘይትኸፍል ኣባል፡ መጥቃዕቲ እንክበጽሓ ኣይትከላኸለላን ኢሉ።

መርበብ ሓበሬታ ጐስጓስ ትራምፕ፡ ዕላማ ትራምፕ፡ ዕላማን ተልእኾን ኔቶ "ብመሰረቱ ዳግማይ ክኽለስ" ምዃኑ ገሊጹ።

ንኣመሪካ ካብቲ ኪዳን ክስሕባ ድዩ ዝብል ዝተፈላለየ ርእይቶታት እዩ ዝቐርብ።

ተንተንቲ ግን፡ እታ ሃገር ካብቲ ኪዳን እንከይኣውጽአ ነቲ ልፍንቲ ከዳኽሞ ዝኽእለሉ መንገዲታት ከም ዘሎ ይዛረቡ - ንኣብነት ብዝሒ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳ ብምንካይ።

ማእከላይ ምብራቕ

ትራምፕ፡ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም'ዩ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ።

ኣማኸርቱ፡ ምስ ጋንታ ካብ ስልጣኑ ዝሰናበት ዘሎ ፕረዚደንት ባይደን ከምኡ'ውን ተደራደርቲ ቀጠርን ግብጽን – ኣብቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ዝርርብ ተሳቲፎም'ዮም።

ክልቲኦም ውልቀሰባት [ባይደንን ትራምፕን] እቲ ውዕል ብምፍራሙ፡ ሞሳ ንምውሳድ ይሻመዩ ኣለዉ።

ነቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ግን፡ ከምቲ ባይደን ዝበሎ "ቀዋሚ ዛዛሚ ኲናት" ዘጠቓልል ድሒሮም ዝመጽኡ መድረኻት ብድሆታት ክህልዉ እዮም።

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል እያ ኢሉ ብምጽዋዕ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ተልኣቪቭ ናብኡ ክግዕዝ ገይሩ።

ካብዚ ብዝሰገረ ብትሪ ንእስራኤል ዝድግፍ ፖሊሲታት ኣውጺኡ።

ምምሕዳሩ ኣብ ልዕሊ ኢራን እውን ተሪር መርገጺ ብምሓዝ፡ ኣመሪካ ካብ ስምምዕ ኒዩክሌር ክትወጽእ ገይሩ።

ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳታት ብምውሳኽ፡ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ - ዝሓየለ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን - ክቕተል ገይሩ።

ነቐፍቲ፡ ፖሊሲታት ትራምፕ ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ዘጥፍእ ጽልዋ ከም ዝነበሮን ንፍልስጤማውያን ከም ዝነጸለን ይምጕቱ።

ንሱ፡ 'ስምምዓት ኣብርሃም' - ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬን፡ ሱዳንን ሞሮኮን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ዝገበረ ታሪኻዊ ስምምዓት - ክፍረም ከም ዝገበረ ይዝከር።

እዚኦም ግን እስራኤል መጻኢ ናጻ ሃገር ፍልስጤም ክትቅበል ከይተኣመነት ዝተፈረሙ ስምምዓት'ዮም - ቅድሚ ሕጂ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስምምዓት ሃገራት ዓረብ ቅድመ ኵነት ነይሩ።

ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ ምስ ተኣወጀ፡ ትራምፕ ኣብቲ ዞባ "ብሓይሊ ሰላም" ከም ዘስፋሕፍሕን ስምምዓት ኣብርሃም ክሕይሉ ከም ዝገብርን ገሊጹ።

እዚ ማለት ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን እስራኤልን ዝተገብረ ስምምዕ ትዅረት ገይርካ ምስራሕ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቻይና

ኣመሪካ፡ ንቻይና እትሕዘሉ ኣገባብ ኣብ ዓለማዊ ጸጥታን ንግድን ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ።

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ምስ ቻይና ሓያል ንግዳዊ ኲናት ኣልዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቝሑ ክሳብ 60% ዝበጽሕ ቀረጽ ከኽፈል ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢን - ማርኮ ሩቢዮ- ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነትን - ማይክ ዋልትዝን ገይሩ ዝመረጾም ኣብ ልዕሊ ቻይና ተሪር መርገጺ ዘለዎም ኰይኖም፡ ንቤጂንግ ከም ዓባይ ስግኣት ከም ዝርእይዋ ብንጹር ገሊጾም ኣለዉ።

ታይዋን፡ ገና ኣገዳሲት ዛዕባ ኰይና ክትቅጽል እያ።

ኣመሪካ ነታ ርእሳ እተመሓድር ደሴት እትገብሮ ወተሃደራዊ ሓገዝ ዓቂባ ኣላ፣ ቻይና ከም ኣካል ግዝኣታ እያ ትወስዳ።

ኣመሪካ፡ ቻይና ንታይዋን እንተ ወሪራ እንታይ ዓይነት ምላሽ ከም እትህብ ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ፡ ትራምፕ ፕረዚደንት ሺ "ስለ ዘኽብረንን ጽሉል ምዃነይ ስለ ዝፈልጥን'ዩ" ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዝበጽሕ ነገር ንምክልኻል ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጥቀም ከም ዘይግደድ ገሊጹ።

ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንተ ኣጋጢሙ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣትዉ ኣቝሑ ታሪፋት ብምውሳኽ ከዳኽማ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ክሊማዊ ለውጢ

ትራምፕ፡ ሓምለዋይ ጸዓት ንምዕባይ ዝግበር ጻዕሪ "ምትላል'ዩ" ብምባል ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዝምልከቱ ጉዳያት ጥርጣረ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ይፍለጥ።

ንሱ ንኣመሪካ ካብቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ ዝተገብረ ስምምዕ ክሊማ ዳግማይ ክስሕባ ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ስጕምቲ፡ ጆ ባይደን ኣብ 2021 ናብ ንቡር ክምለስ ከም ዝገበሮ ይዝከር።

ትራምፕ፡ ሕሱር ጸዓት ንኽህሉ ነዳዲ "ክኵዕት" ከም ዝዀነ ተመባጺዑ ኣሎ።

ቅድሚ እቲ መረጻ፡ ትራምፕ ብተጣበቕቲ ከባቢ ዝካየድ "ዘይረብሕ ክትዕ" ደው ከብል፡ ንጸዓት ንፋስ ዝግበር ድጐማ ከብቅዕ፡ ኣፍረይቲ ነዳዲ፡ ጋዝን ከሰልን ዝኸፍሉዎ ግብሪ ክንክን ነቲ ባይደን ዘምጽኦ ደንቢ ልቀት ተሽከርከርቲ ንድሕሪት ክመልሶን ቃል ኣትዩ እዩ።

ክኢላታት ክሊማ፡ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻዊ ስጕምቲ ክሊማ ስግኣት ከም ዝዀነ ይገልጹ።

ስደት (ኢሚግሬሽን)

ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ብዘይ ፍቓድ ዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ክጥረዙ ምዃኖም ተመጻቢዑ ኣሎ።

ንሱ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝኣትወሉ ናይ መጀመርታ መዓልቲ "ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ጃምላዊ ስርሒት ምስጓግ" ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ኣመሪካ 11 ሚልዮን ዝግመቱ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣለዉ።

ብዙሓት ካብኣቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብኡ ዝነብሩን ዝሰርሑን እዮም።

ካብ "ገበነኛታት" ክጅምር ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

ትራምፕ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልደ ዝዀነ ሰብ ዝወሃቦ ዝነበረ ዜግነት ደው ንምባል መደብ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ፡ ጸጥታ ዶባት ከጽንዕ እየ ብምባልን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ካብ ገለ ሃገራት ዝመጽኡ ሰባት ዝነበረ ናይ መገሻ እገዳ ዳግማይ ክመልሶ ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ውጥናት ትራምፕ ርኡይ ሕጋዊ፡ ሎጂስቲካዊ፡ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ብድሆታት ከጋጥሞ ምዃኑ ክኢላታት ኢሚግረይሽን ይምጕቱ።

ግሪንላንድን መትረብ ፓናማን

ትራምፕ ንግሪንላንድ ክዕድጋ፡ ንመትረብ ፓናማ ድማ ክቈጻጸሮ ከም ዝደሊ ብምግላጽ ሓያሎ ክትዓት ኣልዒሉ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ጥሪ ነዞም ዕላማታት ወተሃደራዊ ወይ ቍጠባዊ ሓይሊ ክትጥቀም ዲኻ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ኣይፋልን፡ ካብ ክልቲኡ ነቲ ሓደ ከረጋግጽ ኣይክእልን እየ፡" ክብል መሊሱ።

ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ መሬት ዴንማርክ፡ ዓብዪ መሳለጥያ ህዋ ኣመሪካ ዝርከበሉ ኰይና፡ ገለ ካብቶም ዝዓበዩ ዕቝር መዓድናት ዘለዋ እያ።

ዴንማርክ፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ምኒስተር ግሪንላንድ፡ እቲ መሬት ንመሸጣ ከም ዘይኰነ ግልጺ ገይሮም ኣለዉ።

ኣመሪካ፡ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ሓላፍነት ህንጸት እዚ መትረብ ምስ ወሰደትን ንዓሰርተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተን ብ1999 ዓ.ም [ኣ.ኤ] እቲ መትረብ ምሉእ ንምሉእ ንፓናማ ኣረኪባታ።

ትራምፕ፡ ሕጂ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ብምግላጽ፡ እቲ መትረብ ክምለስ ከም ዝደሊ ይዛረብ።

"መትረብ ፓናማ፡ ንሃገርና ኣገዳሲ'ዩ፣ ኣብ ረብሓ ቻይና ይውዕል ኣሎ። መትረብ ፓናማ ንፓናማ እምበር ንቻይና ኣይሃብናን። እቲ ውህብቶና ብዘይ ኣገባብ'ዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ፡" ኢሉ።

ኣመሪካ ንሓደ ካብዞም ዞባታት ክትቈጻጸር እትኽእለሉ ተኽእሎ ከም ዘየሎ ይግለጽ።