‘ጀጋኑ ኢኹም’ ፕረዚደንት ዘለንስኪ

ሩስያ፡ ትማሊ ድሕሪ ዝፈጸመቶ እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ንሓይሊ ኣየር ሃገሩ ንኢዱ።

ኮማንደራት ምክልኻል ሓይሊ ኣየር ዩክረይን፡ መብዛሕትአን እተን ካሚካዚ ዝተባህላ ሩስያ ዝሰደደተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተወቒዐን ከም ዝወደቓ ድሕሪ ምግላጾም "ጀጋኑ ኢኹም” ክብል ንኢዱ።

ይኹን’ምበር ብፍርስራስ እቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ብዙሓት ቈሲሎም’ዮም።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ኣሐይላቶ ትርከብ።

ኣብዚ ወርሒ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኪቭ መበል 14 መጥቃዕቲ ኣየር ክትፍጽም እንከላ፡ ትማሊ እታ ርእሰ ከተማ “መዓልቲ ኪቭ” ክትጽምብል ትዳሎ ኣብ ዝነበረትሉ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺማ።

እዚ ጽንብል፡ እታ ከተማ ቅድሚ 1500 ዓመታት ዝተመስረተትሉ ግዜ ንምዝካር ዝበዓል እዩ።

ከንቲባ ቪታሊቲ ክሊስቾክ እቲ መጥቃዕቲ “ከቢድ” ከም ዝነበረ ብምግላጽ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ “ብሓደ ግዜ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ይመጽኣ ነይረን” ክብል ኣብሪሁ።

ፋብሪካ ትምባኾ ሓዊሱ ገለ ብዝወድቕ ዝነበረ ፍርስራስ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ዝተሃረሙ ህንጻታት ሓዊ ተላዒሉ’ዩ።

ትማሊ ሰንበት ንጉሆ ኣብ 12 ዞባታት ዩክረይን መጠንቀቕታታት ደብዳብ ኣየር ተሰሚዑ ነይሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብቁርጽራጽ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሕሪ ዝተወቕዑ ብውሑዱ ክልተ ዓበይቲ ህንጻታት ብባርዕ ሓዊ ከም ዝተቓጸሉ ሓቢሩ።

ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ሆሎሲይቭስኪ ዝርከቡ መኽዘናት’ውን ከም ዝተቓጸሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ ምዕራብ ኪቭ ኣብ እትርከብ ከተማ ዚቶሚር እውን ፍንጀራ ከም ዝጋጠመ ይግለጽ።

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ዩክሬይን ከተማ ዚቶሚር ድማ ኣስታት 26 መንበሪ ኣባይቲ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርትን መሳለጥያታት ጥዕናን ዓንዮም እዮም ክብል፡ ዩክሬይንስካ ፕራቫዳ ጸብጺቡ።

ኮማንደራት ሰራዊት ግን ሓይልታት ምክልኻል ኣየር ዩክሬይን ካብ 59 ፍርያት ኢራን ዝዀና ድሮናት ሩስያ እተን 58 ወቒዖም ከም ኣውዲቘምወን ይብሉ።

ንሓይሊ ኣየሩ ዝንኣደ ዘለንስኪ፡ “ወትሩ ድሮናትን ሚሳይላትን ጸላኢ ወቒዕኹም ከተውድቑ እንከለኹም፡ ህይወት እዩ ዝድሕን ዘሎ . . . ጀጋኑ ኢኹም” ኢሉ።

ጸኒሑ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “መብዛሕትኡ ዕንወት ተኸላኺልናዮ ኢና፤ በተን ድሮናት ክጠፍእ ዝነበረ ህይወት እውን ድሒኑ’ዩ። ነዚ ንዝገበረ ኵሉ የመስግኖ” ክብል ተዛሪቡ።

ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ካሚካዘ ዝበሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ክሩዝን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ክትጥቀም ጸኒሓ’ያ።

እዚ መጥቃዕትታት ቅድሚ እቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸረ-መጥቃዕቲ ዩክረይን’ዩ ዝፍጸም ዘሎ።

ብቀዳም ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታ ዩክረይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር ስርሒት ጸረ-መጥቃዕቲ ክትጅምር ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ ነይሩ።

ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረይን ኦሌክሲ ዳኒሎቭ፡ እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ "ጽባሕ፡ ድሕሪ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ሓደ ሰሙን" ክጅምር ከም ዝኽእል’ዩ ገሊጹ።

ዩክረይን ንኣዋርሕ ጸረ መጥቃዕቲ ንምክያድ መደብ ክተውጽእ ጸኒሓ እያ።

እንተዀነ ብዝተኻእለ መጠን ሰራዊት ንምስልጣንን ካብ ምዕራባውያን መሓዙት ወተሃደራዊ ናውቲ ንምቕባልን ግዜ ከም ዘድለያ ይፍለጥ።

ሓይልታት ሩስያ ብወገኖም ኣብተን ዝቆጻጸርወን ዞባታት ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ምክልኻል ከዳልዉ ጸኒሖም እዮም።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣንድሬይ ኬሊን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ "ኣዝዩ ዓቢ ጸጋታት" ከም ዘለዋን፡ ገና "ኣዝያ ብዕቱብ" ስጉምቲ” ከም ዘይወሰደትን ገሊጹ።

ወሲኹ’ውን ንዩክረይን ዝወሃብ ቀረብ ኣጽዋር፡ ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ኲናት ክሳዕ ሕጂ ብዘይተራእየ መንገዲ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።