ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግር ዝሞተ ስደተኛ መንነቱ ይጻረ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሓደ ስደተኛ ንመትረብ ኢንግሊዝ ቻነል ክሰግር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከም ዝሞተ ፖሊስ ሓቢሩ።
ኣብ ባሕርን ገማግምን ዝነጥፍ ትካል ምድሓን ነብሲ 'ሮያል ናሽናል ላይፍቦት' [RNLI, Royal National Lifeboat Institution,] ንኹሉ ኩነታት ኣየር እትሰርሕ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ከምዘዋፈረን ብዓርቢ ንግሆ ሓደ ጉጅለ ናብታ ኣብ ወሰን ባሕሪ ዘላ ንኢሽተይ እንግሊዛዊት ከተማ ዶቨር ከምዝኣተወን ገሊጹ።
ፖሊስ ኬንት፡ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ንዝተፈጥረ ህጹጽ ሕክምናዊ ኩነታት ምላሽ ዝሃበ ፓትሮል ሓይሊ ዶብ ናብቲ ቦታ ካብ ዝበጽሕ ድሕሪ 10 ደቒቓ ከምዝተደወለሉ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ስደተኛ ከምዝሞተ'ውን ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዶቨር ካብ ዝርከብ መደበር ህይወት ኣድሕን ጀላቡ ርሕቕ ኢሉ፡ ሰማያዊ ቴንዳ ምርመራ ኣስከሬን ተተኺሉ'ሎ።
ወሃቢ ቓል ፖሊስ "እቲ ሰብኣይ ዝሞተሉ ኩነታት ንምፍላጥ ኣባላት ፖሊስ መርመራ ጀሚሮም ኣለው" ኢሉ።
"ንስድርኡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንምሕባር ከኣ መንነት ናይቲ ሰብኣይ ምርግጋጽ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ምጽራይ ይቕጽል ኣሎ" ክብል ወሲኹ።
መንግስቲ፡ መርመራታት ይቕጽል ስለዘሎ ተወሳኺ ርእይቶ ምሃብ ግቡእ ከምዘይከውን ገሊጹ።
ጀላቡ ሓለዋ ዶብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ናይ 'ሮያል ናሽናል ላይፍቦት' ህይወት ኣድሕን ጀላቡ ከምኡ ድማ ሄሊኮፕተ ኣለሻን ምድሓንን "ንንጥፈታት ንኣሽቱ ጀላቡ ምላሽ ንምሃብ" ከምዝተዋፈራ ኤጀንሲ ባሕርን ሓለዋ ባሕርን ኣፍሊጡ'ሎ።
እቶም ኣብኡ ዝተረኸቡ ስደተኛታት ድማ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትዉ ከምዝተገበረ " ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኤጀንሲ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዝሰገሩ
ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ሰጊሮም።
እዚ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ብ42 ምኢታዊት ዝለዓለ ኮይኑ፡ ሽዑ ጠቕላላ 6,265 ሰጊሮም ነይሮም። ካብቲ ኣብ 2023 ዝተመዝገበ 4,899 ድማ ብ81 ምኢታዊት ይዛይድ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 1,871 ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ መትረብ ሰጊሮም። ብሰሉስ ከኣ ልዕሊ 705 ስደተኛታት ብ12 ጀላቡ ነቲ ጉዕዞ ገይሮም። እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዝለዓለ ቁጽሪ ዝኣተዉ ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ብሓሙስ 211 ሰባት ብሰለስተ ንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ሰጊሮም።
ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዘመልክትዎ፡ ኣብ መንጎ ጥሪን ሚያዝያን 2025 ዝኣተዉ፡ ካብቶም ካብ 2018 ንደሓር ኣብ ዝነበሩ ዓመታት - ተመሳሰልቲ ኣርባዕተ ኣዋርሕ - ብነኣሽቱ ጀላቡ ዝተሳገሩ ይበዝሑ።
እዚ ዝለዓለ ኣሃዛት ዝምዝገብ ዘሎ ከኣ፡ መንግስቲ ኣብ መላእ እቲ መትረብ ኣብ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ወፍሪ ከካይድ ምዃኑ ኣብ ዝተሓነየሉ እዋን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







