መረጻ ማላዊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መምህር ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ሙታሪካ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ምርጫ ከምዝተሳዕረ ዝኣመነ ፕረዚደንት ማላዊ ላዛረስ ቻክዌራ ንዕዉት መቀናቕንቱ ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ፡ ፕረዚደንት ነበር ፒተር ሙታሪካ ኣስታት 66 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ይመርሕ ኣሎ።
ወዲ 70 ዓመት ቻክዌራን ሙታሪካን ንራብዓይ ግዚኦም'ዮም ኣንጻር ሓድሕዶም ተወዳዲሮም ዘለዉ።
እቲ ካብ ሰባኻይ ናብ ፕረዚደንት ዝመጸ ቻክዌራ ነቲ ሙታሪካ ዝተጓናጸፎ "ታሪኻዊ ዓወት" ዮሃና ንምባል ተለፎን ከምዝደወለሉ ተዛሪቡ።
"ንመብዛሕትኹም እቶም ዘድመጽኩም፡ እዚ ውጽኢት መንግስቲ ክቕየር ከምእትደልዩ ዘመልክት'ዩ፡ ስለዚ ከም ዜጋታት ንዓኹም ዘለኒ ክብረት ንምግላጽ፡ ስዕረተይ ክእመን ቅኑዕ እዩ" ኢሉ።
ዋላ'ኳ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ናይ መወዳእታ ወግዓዊ ውጽኢት እንተዘየፍለጠ፡ እቲ ዛጊት 24 ሚእታዊት ጥራይ ዝረኸበ ቻክዌራ ተስፋ ከምዘይብሉ ብምፍላጡ'ዩ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ክካየድ ወሲኑ።
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ደገፍቲ ሙታሪካ ሓጎሶም ክገልጹ ከምዝወዓሉ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ርእሰከተማ ሊለንጉወ ግን ብሰንኪ ስግኣት ግጭት ንግዳዊ ትካላት ተዓጽዮም ውዒሎም።
ማላዊ ኣብ 1964 ናጽነታ ካብ እትጓናጸፍ ንድሓር ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ትርከቦም ሽዱሽተ መራሕቲ ከምዝሸመት ይፍለጥ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ኣድመጽቲ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ (ፓርላማ) ዝኾኑ ወከልቶም'ውን ክመርጹ ዕድል ተዋሂብዎም'ዩ።
ወዲ 85 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ሙታሪካ ካብ 2014 ክሳብ 2020 ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ዘገልገለ ምዃኑ ይዝከር።
ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ምርጫ ሙታሪካ ንካልኣይ እብረ ከምዝተዓወተ'ኳ ተገሊጹ እንተነበረ፡ እቲ ውጽኢት ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምስራዙ፡ ኣብ 2020 ከም ብሓድሽ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ቻክዌራ ተዓዊቱ ስልጣን ተረኪቡ።
ካብ መምህራን ኣደን ኣቦን ዝተወለደ ሙታሪካ፡ ኣብ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ የል ብሕጊ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ታንዛንያ፡ ዩጋንዳን ኣመሪካን ከም ፕሮፌሰር ኣገልጊሉ።
እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ማላዊ ወጻኢ ዝነብረ ዝነበረ ፒተር ሙታሪካ፡ ካብ 2004 ክሳብ 2012 መራሒ ማላዊ እታ ሃገር ዝነበረ ሓዉ ቢንጉ ዋ ሙታሪካ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ'ዩ ናብ ፖለቲካ ክጥምት ጀሚሩ።
ኣብቲ ብሓዉ ዝምራሕ መንግስቲ ድማ ከም ሚኒስተር ትምህርትን ጉዳያት ወጻኢን ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ፕረዚደንት ቢንጉ ኣብ መበል 78 ዓመቱ ብሕማም ልቢ ምስ ዓረፈ፡ ምክትሉ ዝነበረት ጆይስ ባንዳ ድሕሪ ሓያል ቁርቁስ ስልጣን ፈላመይቲ ጓልኣንስተይቲ መራሒት እታ ሃገር ክትከውን ምብቅዓ ይዝከር።
ገለ ካብቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ብፒተር ሙታሪካ ዝምራሕ ደሞክራስያዊ ገስጋሲ ሰልፊ (DPP): ብቻክዌራ ዝምራሕ ማላዊ ኮንግረስ ፓርቲ (MCP)፡ ምንቅስቓስ ሕብረት ለውጢ (UTM)፡ ደሞክራስያዊ ሓድነት ግንባር (UDF)፡ ከምኡ'ውን ህዝባዊ ሰልፊ (PP) ይርከብዎም።
ልዕሊ 22 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ማላዊ፡ ካብ 1964 ብእንኮ ገዛኢ ሰልፊ ትምራሕ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብ 1994 ንፈለማ እዋን ብዙሓት ሰልፍታት ዝተሳተፍኦ ምርጫ ኣአንጊዳ።
እቲ 'ጸሊም መሲሕ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ዶ/ር ሃስቲንግስ ካሙዙ ባንዳ ካብ ናጽነት ክሳብ 1994 መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ'ዩ።
ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበረትሉ ዝነበራ 'ናያሳላንድ' ዝብል ስም ኣብ መዓልቲ ናጽነታ'ያ ናብ ማላዊ ቀዪራቶ።
እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር፡ መነባብሮ ናይቲ ልዕሊ 10 ቋንቋታት ዝዛረብ ህዝባ ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ቀንዲ ቁጠባዊ እቶታ ካብቲ ንወጻኢ እትሰዶ ትምባኾ፡ ቆጽሊ ሻሂ፡ ሽኮር፡ ጡጥን ጥረ-ሶያን ምዃኑ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







