እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይቶ ዩጋንዳ ሕጊ ገበናዊ መቕጻዕቲ ሕደጾታውነት ኣጽዲቝ
ባይቶ ዩጋንዳ ሕደጾታውያን ዝዀኑ ሰባት ብገበን ዝቐጽዕ እማመ ኣጽዲቝ።
እቲ እማመ ብፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ እንተ ተፈሪሙን ሕጊ ኰይኑ እንተጸዲቝን እቶም ውልቀሰባት ነዊሕ ማእሰርቲ ክጽበዮም ከምዝኽእል ይግመት።
ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣዕሩኽ፡ ቤተሰብን ኣባላት ሕብረተሰብን ፍትወት ሕደጾታውነት ዘለዎም ውልቀሰባት ናብ ሰበስልጣን ናይ ምሕባር ግዴታ ክህልዎም እዩ።
ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሕደጾታውነት ኣቐዲሙ’ውን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ እማመ ግን ልዕሊኡ ብምኻድ ንሰባት ብመሰረት ጾታዊ መንነቶም ገበነኛታት ንምግባር ዝዓለመ እዩ።
ኣብ መእተዊ እዚ ወርሒ ንመጀመርያ ግዜ ዝቐረበ እቲ እማመ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ፓርላማ ዩጋንዳ ብሰፊሕ ደገፍ’ዩ ጸዲቝ።
ኣብ ፓርላማ ድሕሪ ምጽዳቝ ድማ ቀጺሉ ናብቲ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ዓቕሚ ዘለዎ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ክኸይድ እዩ።
ንሱ ምስ ምዕራባውያን ለገስትን ኣውፈርትን ንዘሎ ዝምድና ንምጽጋን ክብል ክነጽጐ እዩ፤ ወይ ድማ ከጽድቘ ይኽእል።
እቲ እማመ ብተወሳኺ፡ ንህጻናት ኣብ ንጥፈታት ሕደጾታውነት ዘዋፈረ ወይ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተፈርደ ሰብ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከም ዝኽእል ይድንግግ።
ንንጥፈታት ወይ ትካላት መሰላት ሕደጾታውያን ዝድግፉ ወይ ዝምውሉ ወይ ድማ ንዓታቶም ዝድግፉ ጽሑፋትን ዝፍንዉን ዘሕትሙን መራኸቢ ብዙሃን፡ ጽሑፋት ዘዳልዉ ውልቀሰባት ወይ ትካላት እውን ክኽሰሱን ክእሰሩን እዮም።
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ተጣበቕቲን መሰል ሕደጾታውያን ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸረ-ሕደጾታውነት ኣመለኻኽታ፡ ብኣካልን ብኢንተርነትን ንዝፍጸም ዓመጽ የቃልዖም ከምዘሎን፡ እቲ እማመ ብሓፈሻ ንዩጋንዳውያን ኣዝዩ ሰፊሕ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእልን ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ 2014፡ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ‘ኤልጂቢቲ’ ዝወጹ ተረርቲ ሕጊታት ክነጽግ ጸኒሑ እዩ።
ንጕጅለታትን ንጥፈታትን ‘ኤልጂቢቲ’ ምልላይ ኮነ ምምዋል ዘይሕጋዊ ምግባርን ከምኡ'ውን ግብረሰዶማውያን ተግባራት ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጽዑ ምግባር ዘጠቓለለ እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ሕጊ ብዘይቲ ክማላእ ዝግባኦ ዓብላሊ ድምጺ ብባይቶ ስለዝጸደቐ እዩ ክስረዝ ወሲኑ። ኣብቲ እዋን እቲ ሕጊ ብምዕራባውያን ሃገራት ብሰፊሑ ተዀኒኑ ነይሩ።
ጾታዊ ርክባት ሕደጾታውያን ኣብተን ዓቃባዊ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ክብርታት ዝድግፉ ብዙሓት ሰባት ዝርከቡለን ኣስታት 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኣገደ ምዃኑ ይፍለጥ።