ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተጨውዮም ዝተወስዱ ሰባት ከም ዘለው ተገሊጹ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቑጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ብዕጡቓት ከም ዝተወስዱ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ጣብያ ቆሌ ብዝሓለፈ ቐዳም ዕጡቓት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ፡ ቑጽሪ ምውታት ዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ክወጽኡ እንከለው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ኣሽሓት ከምዝተመዛበሉን ተገሊጹ እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ከም ዝፈጸሞ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ውጻእ መዓት ክገልጹ እንከለው፡ መንግስትን እቲ ዕጡቕ ጉጅለን ድማ ንሓድሕዶም ይካሰሱ። እቲ ሰራዊት’ውን ዘይሻራዊ ምጽራይ ክካየድ ሓቲቱ።

ኮምሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ነቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተቐትልሉ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ዙርያ እቲ መጥቃዕቲ ቅልጡፍን ዘይሻራውን መርመራ ክገብሩ ሓቲታ።

እቲ ኮሚሽን፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዘዘራረበ ብምግላጽ እቶም ዕጡቓት ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘቃጸሉን ብውሑድ ክልተ ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉን ሓቢሩ።

“ኣብ ቶሌ ብዝተፈጸመ ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለትን ነበርቲ ብኣስገዳድ ምምዝባል ሰንቢደ’የ” ዝበለት ባቸለት፡ “ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ መርመራ ገይሮም ግዳያት እቲ መጥቃዕትን ስድራቤትን ነቲ ሓቂ ክፈልጡ፣ ፍትሕን ካሕሳን ክረኽቡን ተሓታትነት ክረጋግጽን ይሓትት” ኢላ።በቶም ዕጡቓት ተዓጊቶም ዝተወስዱ ሰባት ምህላዎም ኣመልኪታ ድማ እቶም ሰብ መዚ “ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ እቶም ዝተዓገቱ ሰባት ናጽነቶም ክረኽቡ” ክገብሩ ጸዊዓ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ጋምቤላ “ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጻርዩ ንከቕርብ” ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።