ብብዝሒ ‘መገሻ' ዝሕመዩ ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ

ኬንያዊ ዊልያም ሩቶን ናይጀርያዊ ቦላ ቲናቡን ፕረዚደንት ካብ ዝዀኑሉ እዋን ንደሓር፡ ብተደጋጋሚ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብዝገብርዎ መገሻታት ተመሳሳሊ ነቐፌታ ይወርዶም ኣሎ።

እዚ ኸኣ፡ ነቲ ጕዕዞ ዝተኣሳሰረ ወጻኢታትን፡ ምስቲ ኣብ ዓዶም ዘሎ ተሪር ቍጠባዊ ኵነታት ዝጻረር ብምዃኑ እዩ።

ስታንዳርድ ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ፡ ንሚስተር ሩቶ "በራሪ ፕረዚደንት" ዝብል ሳጓ ሂባቶ።

ከም ልዑል ዋጋ መነባብሮ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ውሽጣዊ ጸገማት እናሃለወ፡ "ንበረራ ዘለዎ ፍቕሪ ኣዝዩ ዓቢ ስለዝዀነ፡ ዝዀነ ዕድል ከምልጦ ዘይደሊ ይመስል" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሚስተር ቲናቡ ናብ ኣውሮጳ መገሻ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ መራሒ ተቓዋሚ ናይጀርያ ኣቲኩ ኣቡበከር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይጀርያ ‘በጻሕቲ’ ከምዘየድልያ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ "ናይጀርያ ኣብ ውቅያኖስ ኣብ እትጥሕለሉ ዘላ እዋን" ንውልቃዊ ዑደት እቲ ፕረዚደንት ነቒፉ።

ፕረዚደንታት ኣብ ኣኼባታት መራሕቲ ሃገራት ክሳተፉን ዝምድናታት ወጻኢ ከማዕብሉን ኣለዎም። እዚ ብዲፕሎማስያዊ ምኽንያታት ጥራይ ዘይኮነስ ብቝጠባዊ መገዲ እውን ኣገዳሲ እዩ፤ ምኽንያቱ ኣታዊ ዘለዎ ውዕላት ወፍሪ ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም።

ነቐፍቲ ግን፡ ነፍስሄር ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ኣብተን ሽዱሽተ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓለን ዓመታት ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ተጓዒዙ ከምዘይፈልጥ ኣመልኪቶም።

'ውልቃዊ ክብሪ'

ተንታኒ ፖሊሲ ወጻኢ ኬንያዊ ፕሮፌሰር ማካርያ ሙነነ፡ ገለ መገሻታት ኣድላዪ ምዃኑ'ኳ እንተኣመነ፡ ካልኦት ግን ብዘይጥርጥር "ብኽነት" ምዃኑ ይዛረብ።

"በረራ ዝፈትዉ ፕረዚደንት ኣለዉኻ... ገለ ካብዞም መገሻታት ውልቃዊ ክብሪ እምበር ንሃገር ዝረብሕ ኣይኮነን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሚስተር ሩቶን ሚስተር ቲናቡን ኣፈኛታቶምን፡ ነቲ ሸለል ኢሎሞ ተባሂሎም ዝኽሰሱሎም ጸገማት ንምፍታሕ፡ መገሻታቶም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይከላኸሉ።

ሚስተር ቲናቡ ካብ ዝምረጹ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ 14 መገሻታት ኣካይዱ።

ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ወርሒ ጥራይ ዳርጋ ክልተ ግዜ ማለት እዩ።

እዚ ግን በቲ ኣብ 2022 ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ንደሓር ኣስታት 50 መገሻታት ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገበረ ሚስተር ሩቶ ይዓዝዝ።

እዚ ናይ ሩቶ ብማእከላይ ገምጋም ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ኣብ ወርሒ እዩ።

ቅድሚ ሚስተር ሩቶ ፕረዚደንት ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ ዓመታት፡ ኣብ ወርሒ ብማእከላይ ገምጋም ልዕሊ ሓደ ናይ ወጻኢ መገሻ ኣካይዱ፤ እዚ ድማ ምስቲ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመድ ቡሃሪ ዝመሳሰል እዩ።

ካልኦት መራሕቲ ዓለም እውን በረራ ይፈትዉ እዮም፤ እንተዀነ “ሚስተር ሩቶን ሚስተር ቲናቡን ነፍሲ ወከፍ ዝገብርዎ መገሻ ኣድላዪ ድዩ?” ዝብል ቀጻሊ ሕቶታት ኣለዓል ኣሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ናይጀርያን ኬንያን፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣውሮጳ ነይሮም።

ሚስተር ሩቶ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዋዕላ ኢጣልያን-ኣፍሪቃን ተሳቲፉ። ሚስተር ቲናቡ ዕላማኡ ዘይተነፀረ፡ "ናይ ብሕቲ ዑደት" ናብ ፈረንሳ ኣብ ዝቕጽሉሉ ዝነበሩ እዋን እዩ።

ድሕሪኡ ኣብታ ሃገር ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ፡ ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ጀሚሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሚስተር ሩቶ ብወገኑ ኣብ ካልእ መገሻታት የካይድ ነይሩ።

ሚስተር ቲናቡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ኣብ ሰነ 2023፡ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ ክሊማ ናብ ፓሪስ ተጓዒዙ።

ካብ ፓሪስ ድማ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት፡ ድሕሪ መረጻ "ንዕረፍቲ" ናይ ብሕቲ ዝርርብ ንምግባር፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣምሪሑ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሚስተር ቲናቡ ንኣኼባ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ውድብ ኢኮዋስ ናብ ጊኒ-ቢሳው ከይዱ፡ ድሕሪኡ ናብ ናይሮቢ ቀጺሉ።

ኣብ ነሓሰ ናብ በኒን፡ ኣብ መስከረም ድማ ኣብ ህንዲ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራትን።

ንምሉእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ገዛኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ፡ ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ናብ ጊኒ-ቢሳውን ጀርመንን ብምኻድ መገሻታቱ መሊሱ ጀሚሩ፤ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ ናብ ዱባይ ተጓዒዙ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ እቶም መገሻታት ንወጻኢ ወፍሪ ንምስሓብ ኣገደስቲ ምዃኖም እዩ ዝገልፅ።

ፕረዚደንት ቲናቡ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2024 ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝጀመርክዎ ናይ ወጻኢ ጕዕዞ፡ ንኣውፈርትን ካልኦት ነጋዶን ዝሃብክዎ መልእኽቲ ሓደ ዓይነት እዩ ነይሩ፤ ‘ናይጀርያ ንንግዲ ድልውቲን ክፉትን እያ’ " ኢሉ።

ሚስተር ሩቶ ኣብ 2022 ካብ ዝምረጽ ኣትሒዙ መደብ መገሻኡ ዝያዳ ዝገደደ ነይሩ።

ኣብ መንጐ መስከረም ዝሓለፈ ታሕሳስን እንተወሓደ ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ናብ ወጻኢ ሃገራት ተጓዒዙ ነይሩ።

ኣብ ግንቦት ጥራይ 2023 ሓሙሽተ መገሻታት ኣካይዱ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ብምኻድ ዓለማዊ ፍጻመታትን ክልተኣዊ ኣኼባታትን ተሳቲፉ።

ሎሚ ዓመት ኣብ ጥሪ ኣብ ዩጋንዳ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኢጣልያን በጺሑ።

ድሮ ኣብዚ ወርሒ ድማ ሚስተር ሩቶ ናብ ጃፓንን ኢማራትን ከይዱ ኣሎ።

ብድሕሪት'ዚ መገሻታት ዘሎ ስክፋት

ናይ ምድግጋም ሕቶ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ወጻኢታት ሕቶ እውን ኣሎ።

ሚስተር ቲናቡ፡ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፕረዚደንትነቱ ብውሑዱ 3.4 ቢልዮን ናይራ (2.2 ሚልዮን ዶላር፤ 1.8 ሚልዮን ፓውንድ) ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወቫኢ መገሻታት ከምዘውጽኡ ይንገር ።

እዚ ድማ ካብቲ ን2023 ዝተመደበ ገንዘብ ብ36% ከምዝዛይድ ናይጀርያዊት ጋዜጣ ፓንች ጸብጺባ፤ ንወጻኢታት መንግስቲ ዝከታተል ፕላትፎርም ብምጥቃስ።

ኣብ ኬንያ፡ ወጻኢታት መንግስቲ ዝከታተል ናጻ ቤት ጽሕፈት ተቘጻጻሪ ባጀት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ ዓመት ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢታት መገሻ እቲ ፕረዚደንት ርኡይ ወሰኽ ከምዘርኣየ ይሕብር።

እዚ ድማ ን9 ኣዋርሕ ፕረዚደንትነት ሚስተር ሩቶ ዘጠቓለለ እዩ።

ሓፈሻዊ ወጻኢታት ንውሽጣውን ወጻእን መገሻታት ናይዚ ዓመት ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ሽልን ኬንያ (9.2m ሚልዮን ዶላር) ኰይኑ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ናይ መገሻ ባጀት ብልዕሊ 30% ዝሓለፈ እዩ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኬንያ ብዛዕባ መገሻታት ሚስተር ሩቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ቢቢሲ መልሲ ኣይሃበን፤ ዋላ እኳ እቲ ፕረዚደንትን ወሃቢ ቃልን ብዙሕ ግዜ ክከላኸሉ እንተፈተኑ።

ሚስተር ሩቶ ንባዕሉ "ከም በጻሒ ቱሪስት" ከምዘይጓዓዝን እቶም መገሻታት ወጻኢ፡ ወፍሪ ንምርካብን ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኬንያውያን ስራሕ ንምፍጣርን ከምዘድልዩን ገሊፁ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብድርድር ልዕሊ 300 ሽሕ ዕድላት ስራሕ ከምዘረጋገጸ ገሊጹ።

ሚስተር ሩቶ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጃፓን ድሕሪ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ልዕሊ 2.3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ውዕላት ከምዘምፀአ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ኬንያን ናይጀርያን ጥራይ ኣይኮናን ዋጋ መገሻ ስክፍታ ዘለዎን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዜጋታት ኮንጎ ናብ መረጻ ኣብ ዝዳለዉሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓደ ካብቲ ንፕረዚደንት ፈሊክስ ትሺሰከዲ ዝቐረቡ ነቐፌታታት፡ ብዝሒ መገሻታት ዝምልከት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራ ንባዕሉን ንሚኒስተራትን ዝኸውን ኵሉ ኣህጉራዊ መገሻታት ደው ኣቢሉ፤ ኵሎም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ድማ ብሰንኪ እታ ሃገር ዘጋጥማ ዝነበረ ቍጠባዊ ጸገማት ክምለሱ ኣዚዙ።

ገለ ካልኦት ሃገራት'ውን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚረን ብሰበስልጣን መንግስቲ ዝወጽእ ወጻኢታት መገሻታት ክድርታ ዝተገደዳ፡ ዩጋንዳ፡ ጋምብያ፣ ናሚብያን ሴራሊዮንን ይርከበአን።

መራሕቲ ናይዘን ዳሕረዎት ክልተ ብጋዜጣታት ውሽጢ ዓዲ "ዝበሩ ፕረዚደንታት" ዝብል ስያመ ተዋሂዎም - ልክዕ ከምቲ ንሚስተር ሩቶ ዝተበሃሎ።