'መሪሕነት ኣፍሪቃ' ዝነኣደ ብሊንከን፡ ሓገዝ ኣሜሪካ ‘ልዕሊ 780 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ’ ኣሚቱ

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን "ሓደ ካብ ኣገዳስነት መሪሕነት ኣፍሪቃ ዘረጋገጸ ሓያል ምስክር" ክብል ናእዳኡ ከም ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ትማሊ 15 መጋቢት ኣቃሊሑ።

ብሊንከን ነዚ ዝገለጸ ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደቱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ።

"ሓደ ካብቲ ኣገዳስነት መሪሕነት ኣፍሪቃ ዘርኣየ ሓያል ምስክርነት፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት እዩ" ኢሉ።

እቲ ስምምዕ ሰላም፡ "ህይወት ብዙሓት ንምድሓንን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምድንፋዕን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ" ክብል ከኣ ንኢዱ።

እቲ ጸሓፊ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ትግባረ ናይቲ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተፈረመ ቀዋሚ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት "ዓቢ ገስጋስ" ኣርእዩ ምህላዉ ጠቒሱ።

ሰብኣዊ ደገፍ ብዘይገደብ ክኣቱ ምኽኣሉን መሰረታውያን ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላሶምን መርኣያ ናይቲ ገስጋስ'ዩ ዝበለ ብሊንከን፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ንምቅላል ደገፋ ከምእትቕጽል ኣረጋጊጹ።

በዚ መሰረት ብሊንከን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቶም ብሰንኪ ግጭት፡ ድርቅን ስእነት መግብን ዝተመዛበሉ ሰባት ቀጥታዊ ደገፍ ንምቕራብ ዝሕግዝ፡ 331 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከም እትህብ ኣፍሊጡ ክብል ፋና ብሮድካስቲን ትማሊ ጸብጺቡ።

ኣሜሪካ፡ ብተወሳኺ ንኢትዮጵያ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣቢላ 12 ሚልዮን ዶላር፤ ብመገዲ ኣህጉራዊ ትካል ልምዓት 319 ሚልዮን ዶላር ብምሃብ፡ "ጠቕላላ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሜሪካ ነቲ ዞባ ንምሕዋይ ኣብ ፋይናንሳዊ ዓመት 2023 ልዕሊ 780 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ እዩ" ኢሉ።

ብሊንከን፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሻሕኪሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ናይ ፈለማ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ እዩ።

ካብ 14 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ዘካይድ ዘሎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዅሎም ወገናት ንዝተፈጸመ ግፍዕታት ተሓታትነት ክረጋገጽ ኣለዎ ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ይፍለጥ።

ዋሽንግተን ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ንዝተፈጸመ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ክረገገጽ ኣብ ዝብል መረገጺኣ ጸኒዓ እያ ዘላ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ክሳብ ዓርቢ 17 መጋቢት 2023 ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ድሕሪ ምዝዛም ናብ ኒጀር ከቕንዕ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።