እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ግፍዕታት ተሓታትነት ክረጋገጽ ኣለዎ- ኣንቶኒ ብሊንከን
ኣብ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ብኹሎም ወገናት ንዝተፈጸመ ግፍዕታት ተሓታትነት ክረጋገጽ ኣለዎ ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጸዊዑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ትግባረ ናይቲ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተፈረመ ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት "ዓቢ ገስጋስ" ኣርእዩ ምህላዉ ጠቒሱ።
ሰብኣዊ ደገፍ ብዘይገደብ ክኣቱ ምኽኣሉን መሰረታውያን ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላሶምን መርኣያ ናይቲ ገስጋስ'ዩ ዝበለ ብሊንከን፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ንምቅላል ደገፋ ከምእትቕጽል ኣረጋጊጹ።
"እቲ ጸሓፊን ቀዳማይ ሚኒስተርን ነቲ ኣብቲ ግጭት [ሰሜን ኢትዮጵያ] ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብዝምልከት ተሓታትነት ክረጋገጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ተላዚብና" ኣብቲ ብመንገዲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ።
ኣሳታፊ ዝኾነ መሰጋገሪ ፍትሒ'ውን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘነጸረ እቲ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ኩነታት ከምዘሰከፎን ልዝብ ከምዘድልን ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ ድሕሪ'ቲ ርክብ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳትን ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።
"ኣብ መንጎ ሃገራትና ንነዊሕ ዝጸንሐ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሽርክነትን ንምሕያል ተሰማሚዕና ኣለና" ኢሉ።
ብሊንከን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ዝርከቦም ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን'ውን ተዘራሪቡ።
ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ብምርኻብ ኣብ ዓለማውን ዞባውን ጉዳያት ከምኡ ድማ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካ ብዛዕባ ዝተልዓሉ ጉዳያት ክዘራረቡ ትፅቢት ይግበር።
ምስ ዋና-ጸሓፊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ብዛዕባ ጸጥታ ናይቲ ዞባ ዘትዩ ነይሩ።
"ብዛዕባ ኣገዳስነት ኢጋድ ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታዊ ቅርጺን ተዘራሪብና" ዝበለ ዶ/ር ወርቅነህ፡ "ስትራተጂካዊ ሽርክነት ኢጋድን ኣመሪካን ንምሕያል" ከምዝተሰማምዑ ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።
ብሊንከን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ርክባት፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ናይቲ ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ንምቍራጽ ዝበፅሕዎ ስምምዕ ሰላም ከምኡ እውን ጉዳይ መሰጋገሪ ፍትሒ ብዝምልከት ተዘራሪቡ ክኸወን ክምዝኽእል ይግመት።
ብዘይካ'ዚ፡ ምስ ለገስቲ ሰብኣዊ ረድኤትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ብምርኻብ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ውሕስነት መግብን ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝዝቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰሉ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሊንከን ኣብ እዋን ኲናት ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ምርግጋጽ ኣብ ኣጀንዳኡ ከእትዎም ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝምድና መንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ተዳኺሙ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣሜሪካ ብሰንኪ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ስጕምትታት ወሲዳ ኣላ።
ካብቶም ስጕምቲታት እቲ ሓደ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ካብ ቀረጽ ነጻ ብዝዀነ ዕድል ፍርያታ ናብ ኣሜሪካ ከተእቱ ዝፈቅድ ፕሮግራም ኣጎዋ ምእላያ እዩ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ክሳብ ዓርቢ 17 መጋቢት 2023 ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሕ ኰይኑ ድሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ኒጀር ክኸይድ እዩ።
ኣብ ኒጀር ብምኻድ ኣብ ዞባ ሳሕል ብዛዕባ ዝረኣይ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ጅሃዳውያን ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን ከምዝዘራረብ ተፈሊጡ’ሎ።