‘ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዝፍጠር ስግኣት ኣይትፈቅድን እያ’- ፕረዚደንት ኣልሲሲ

ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ይዅን ጸጥታኣ ዝዀነ ዓይነት ስግኣት ድሕነት ክፍጠር ከምዘይትፈቅድ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ገሊጹ።

ኣልሲሲ ብሰንበት ምስ ሶማልያዊ መዘናኡ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ድሕሪ ምዝታዮም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ጣልቃ ክትኣቱ እንተ ተሓቲታ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ክትስለፍ እያ ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እተረኽበሉ ውዕል ምስ ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ድሕሪ ምፍርራማ ምስ ጐረቤታ ሶማልያ ድሕሪ ዝማዕበለ ወጥሪ እዩ ነዚ ተዛሪቡ ዘሎ።

ኣልሲሲ ናብ ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝኾነ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን እቲ ውዕል ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ናይ ድሕነት ስግኣት ዝፈጥር ዘይምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዞባ ናይ ዘለዉ ገለ ሓይልታት ድልየት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልውላው ምፍጣር እዩ ኢሉ።

ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ዝተፈረመ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፡ ኢትዮጵያ ኣብታ ሶማልያ ከም ሓንቲ ግዝኣታ እትርእያ ሶማሊላንድ ገምገም ባሕሪ እትረክብ ኰይና ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ክትህባ ምዃና ተሓቢሩ።

በቲ ውዕል ዝተቘጠዐት ሶማልያ ብግዲኣ፡ ኣብ ልኡላውነታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝዀነ ብምግላጽ ተቓዊማቶ።

ድሕሪ እቲ ውዕል ፕረዚደንት ሶማልያ ምስ መራሕቲ እቲ ጐደቦ ብስልኪ ካብ ምዝርራብ ብተወሳኺ፡ ናብ ኣስመራን ካይሮን ተጓዒዙ።

“ንግብጺ ከይትፍትንዋ . . . “

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ኣልሲሲ ብዝቐረበሉ መጸዋዕታ መሰረት፡ ናብ ግብጺ ኣቕኒዑ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዞባዊ ድሕነትን ከምዝተዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ “ግብጺ ዝዀነት ሃገር ንሶማልያ ይዅን ድሕነታ ኣብ ስግኣት ከተእቱ ኣይትፈቅድን” ድሕሪ ምባል “ንግብጺ ኣይትፈትንዋ፤ ብፍላይ ሓው ህዝቢ ጣልቃ ክንኣቱ እንተሓቲቱና” ክብል ተሰሚዑ።

ግብጺ ኣብ ጐድኒ እታ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ዘላ ሶማልያ ደው ክምእትብል ክትገልጽ ንፈለማ ግዜ እኳ እንተዘይኰነ፡ ብወገን ካይሮ ምፍርራሕ ዝሓወሰ ተሪር መልእኽቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክስማዕ ግን እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ምስ ኢትዮጵያ ሓርፋፍ ርክብ ዘለዋ ግብጺ፡ ቅድሚ ሰሙናት እቲ ውዕል ድሕሪ ምፍራሙ “ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ንምባል ዘለዋ መትከል” ገሊጻ ነይራ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝበጽሓቶ ስምምዕ “ግዝኣት ብሓይሊ ናይ ምቍጽጻር ፈተነ እዩ” ብምባል “ንኢትዮጵያ ዘለኒ መልእኽቲ . . . መሬት ንምቍጽጻር ምፍታን ዝዀነ ሰብ ኣይሰማምዓሉን” ኢሉ።

ኣልሲሲ፡ ሶማልያ ኣባል ሊግ ዓረብ ምዃና ብምዝኽኻር ድማ ብመሰረት ቻርተር እቲ ሊግ፡ ሶማሊያ ከጋጥማ ካብ ዝኽእል ስግኣት ድሕነት ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዋ ኢሉ።

“ዝዀነ ሃገር ኣብ ድሕነት ሶማልያ ስግኣት ክፈጥር ወይ ግዝኣታ ክጥሕስ ኣይንፈቅድን። ብግልጺ እንዛረቦ ነገር፡ ሓው ህዝቢ ግብጺ ንዝዀነ ሃገር ማንም ክደፍር የብሉን፤ ብፍላይ ድማ ኣሕዋትና ኣብ ጐኖም ክንስለፍ እንተሓቲቶምና” ኢሉ ፕረዚደንት ኣልሲሲ።

ርእይቶ ፕረዚደንት ግብጺ ስዒቡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ስግኣት ድሕነት እትፈጥር ዘይኰነስ ሶማልያ ንምሕላው ሰራዊታ ከምዘዋፈረት ሓቢሩ።

ክልቲኦም ሃገራት ካብ ጉርብትና ንላዕሊ ቋንቋን ባህልን ዝካፈሉ ህዝቢ ከምዘለዉዎም ብምጥቃስ ድማ “እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እናሃለወ፡ ንሶማልያ ኣብ ጸገማ ሓገዝ ዘይገበሩላ ገለ ሓይልታት ንባዕሎም ካም ሓቀኛ ፈታዊ ገይሮም ከርእዩ ይፍትኑ ኣለዉ” ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ “ዘለዓዕሎም ምስ ሶማልያ ዘለዎም ምሕዝነት ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ዘለዎም ጽልኣት ምዃኑ ግልጺ እዩ” ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ገለ ሓይልታት ኣጀንዳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልውላው ምፍጣር እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኢትዮጵያ ወጥሪ ዘጋድዱ መግለጺታትን ዘረባታትን ዘይኮነስ ቀጻልነት ዘለዎ ዘተ ጠቓሚ ከምዝዀነ ትኣምን ኢሉ።