ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ‘ህርፋነ ስልጣንን ሃብትን ደቂሰብ’ ኰኒኖም

ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዋዜማ ጽንብል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ቅዳሴ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን፡ ንህርፋነ ስልጣንን ሃብትን ደቂሰብ ብትሪ ኰኒኖም።

ኣቡነ ፍራንሲስ እዚ ንምእመናን ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮስ ቫቲካን እዩ።

እቶም ሊቀ ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ እንከለዉ እቶም ንህዝቢ ዓለም ንሕሰምን መከራን ዘቃልዑ ውግኣትን ግርጭታትን ኣመልኪቶም እዮም።

"ክንደይ ኲናት ርኢና ኢና፡" ዝበሉ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዞም ግጭታት ሰላማዊ ህዝቢ ብፍላይ ድማ እቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ድኹማትን ምዃኖም ገሊጾም።

ኣተሓሒዞም ሊቀ ጳጳስ፡ "ብዓቢኡ እቶም ብኲናትን ድኽነትን ተበዲሎም ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናት የሕዝኑኒ" ክብሉ ኢሎም።

እቶም ወዲ 86 ዓመት ርእሰ ጳጳሳት፡ ናብ ጽንብል እቲ ኣጋጣሚ ዝኣተዉ ብዊልቸር ኰይኖም፡ ክሳብ ፍጻመ እቲ ቅዳሴ ኮፍ ኢሎም እዮም ተራእዮም።

"እንስሳታት ኣብ መጋሃጫኦም ተመጊቦም እናነበሩ፡ ደቂ ሰብ ግን - ደቂተባዕዮን ደቀንስትዮን - ዓለምግን ንሃብትን ስልጣንን ተገዚኦም፡ ንጐረባብቶም፡ ኣደታቶምን ደቈምን ከይተረፈ ንሕሰም ኣቃሊዖም" ኢሎም።

ኣብዚቤተ ክርስቲያናዊ ጽንብል ዋዜማ፡ እቶም ጳጳስ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ይዅን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ግጭታት ኣይጠቐሱን።

ኣብ ፈለማ መድረኽ ኲናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ንሩስያ ብቐጥታ ኣይኰነኑን ተባሂሎም፡ እቶም ርእሰ ጳጳሳት ክውቀሱ ምንባሮም ይዝከር።

ዋላ'ኳ ፈለማ "እቲ ኲናት ብምትዅታዅ እዩ ተበጊሱ፣ ምውጋዱ ኸኣ ይከኣል ነይሩ እዩ" ዝብል ርእይቶኦም እንተገለጹ፡ ድሒሮም ግን ነቲ ብወተሃደራት ሩስያ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ኰኒኖምዎ እዮም።

ጳጳስ ፍራኒስስ፡ ብኣጋጣሚ ልደትኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ዝካየድ፡ ኣብ ባልኮኒ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ቀሪቦም መልእኽቶም ናብ ዓለም ከሕልፉ እዮም።

ኣብዓባይ ብሪጣንያ ሊቀ ጳጳስ ካንተርበሪ ጃስቲን ወልቢ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣትን ግጭታትን ከምኡ'ውን ክብሪ መነባብሮ ንደቂ ሰባት ይፍትኖም'ኳ እንተሎ፡ ልደት እየሱስ ክርስቶስ ግን "ዳግማይ ተስፋ የበራብር" ኢሎም።