እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ዓቕሚ ሰብ ሰራዊቱ ናብ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ክብ ንምባል ይሰርሕ
ፕረዚደንት ሩስያ ቫዳሚር ፑቲን ዓቕሚ ሰራዊት ሩስያ ብ15 ሚእታዊት ክውስኽ ወሲኑ።
በዚ መሰረት ነቲ ሕጂ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከብ ዓቕሚ ሰራዊት ሩስያ 170 ሽሕ ሓደሽቲ ሰራዊት ምስ ተወሰኽዎ ብዝሒ ሰራዊት ሩስያ 1 ሚልዮንን 320 ሽሕን ክበጽሕ’ዩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ እዚ ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስፍሕፋሕ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ዝርከቦ ንሩስያ ዘጋጥምዋ ዘለዉ ብድሆታትን ስግኣታትን ንምምክታት ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።
ሩስያ ዋላ ድኣ ብዕሊ ኣይትንገር’ምበር ኣብዚ ኣንጻር ዩክረይን ንዝሓለፈ ዓመትን መንፈቅን ዘካየደቶን ገና ዝቅጽል ዘሎን ኵናት ብዙሓት ካብ ሰራዊታ ብሞትን መውጋእትን ከሲራ ክትከውን ከምእትኽእል’ዩ ዝግመት።
ሚኒሰትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክረምሊን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቶም ሓደሽቲ ናብ ዓቕሚ ሰራዊት ሩስያ ዝውሰኹ ወተሃደራት ግቡእ ወተሃደራዊ ተዓሊም እናወሰዱ ቀስ ብቀስ ክውሰኹ ምዃኖም ብምሕባር እቲ ወሰኽ ብፍሉይ ኣገባብ ኣከታትባ ከምዘይግበር ኣነጺሩ።
እቲ ሚኒሰትሪ “እቲ ምውሳኽ ዓቕሚ ሰራዊት ሩስያ መድረኽ ብመድረኽ’ዩ ክካየድ፡ እዚ ከኣ ነቶም ኣብ ዓቕሚ ሰራዊት ሩስያ ክጽንበሩ ድላይ ዘለዎምን ኣቐዲሞን ክሓቱ ዝጸንሑን ዜጋታት ሩስያ ቀዳምነት ክውሃቦም’ዩ፡ ኩሉ ክኣ ብኩንትራት’ዩ ክኸውን” ኢሉ።
እቲ ሚኒሰትሪ ብተወሳኺ ኣድላይነት ምኽታብ ሓደሽቲ ሰራዊት “ምስፍሕፋሕ ኔቶ ኣብ ዶባት ሩስያን ንፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት [ሩስያ ንኵናት ዩክረይ ዝሃበቶ ስም] ዘጋጥምዎ ዘለዉ መሰናኸላትን ዝተሓሓዝ’ዩ” ኢሉ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ነታ ምስ ሩሰያ ነዊሕ መሬታዊ ዶብ ዘለዋ ፊንላንድ ብወግዒ ኣባሉ ከምዝገበራ ዝዝከር’ዩ። ስዊድን’ውን ኣባል ኔቶ ክትከውን ሕቶ ኣቕሪባ መልሲ ኣብ ምጽባይ ትርከብ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ እታ ንልዕሊ ዓመትን መንቅን ምስ ሩስያ ኣብ ርሱን ኵናት ተጸሚዳ ዘላ ዩክረይን’ውን ዋላ ድኣ መቓን ናይ ግዜ ኣይሃብ’ምበር ‘ኩነታት ምስ ተረጋገአ’ ኣባል ክትከውን ምዃና ኣበሲርዋ ኣሎ።
ብመሰረት ቅዋም ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ሓንቲ ኣብ ኵናት ተጸሚዳ ዘላ ሃገር እቲ ተካይዶ ዘላ ኵናት ከይዓረፈ ኣባል ክትከውን ከምዘይትኽል’ዩ ዘነጽር፡ ዩክረይን’ውን እዚ ምስ ሩስያ ተካይዶ ዘላ ኵናት መዓልቦ ከይረኸበ ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ክትከውን ዘለዎ ዕድል ምህሙን’ዩ።
ብሓሙስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ ኩነታት ኣየር እታ ሃገር ትሕቲ ዜሮ ኣብ ዝኾነሉ፡ ኣብ ዶባት ሩስያ ዘሎ ሰራዊቱ ኣደልዲሉ ክኸላኸል ለበውኡ ምሕላፉ ይዝከር።