ሄንሪ ኪሲንጀር፡ 'ኢዱ ዘየእተወላ ሃገር የላን' ዝብሃል ረዚን ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ

ኣብ መበል 100 ዓመቱ ሎሚ ዝዓረፈ ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ኣብ ሃገሩ እንከይተረፈ ግን፡ ኣብ ጉዳይ ዝህንድሶ ዝነበረ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተመቓቐለ ርእይቶታት’ዩ ዘሎ።

ኣብ 1973 ኵናት ቬትናምን ኣመሪካን ንኸብቅዕ ብዝተጻወቶ ተራ ሽልማት ኖቤለ ሰላም ክዕወት እንከሎ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ገበን ኵናት ፈጺሙ’ዩ ተባሂሉ ብብዙሓት ይኽሰስ።

ኣማኻሪ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካን ካልኦት ጽፍሕታትን ብምሓዝ ዝሰርሓ ሄንሪ ኪሲንጀር ፖሊሲ ብምሕንጻጽ ኣመሪካ ምስ ሕብረት ሶቭየት ነበርን ምስ ቻይናን ልኡም ርክባት ንኽህልዋ ብዝገበሮ ጻዕሪ ክዕወት ክኢሉ’ዩ።

እቲ ንሱ ዝሓንጸጾ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ 1973 ተወሊዑ ዝነበረ ኵናት እስራኤልን ሃገራት ዓረብን ደው ንኽብል ሰሪሑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ፖሪስ ብዝተኸየደ ዘተ ሰላም ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ቬትናም ንኸተውጽእ ብዝገበሮ ጻዕሪ ካብ ብዙሓት ተናኢዱ።

ገጻትን ሄንሪ ኪሲንጀር ግን ኩሉ ጻዕዳ ኣይነበረን፤ ኣብ ቺለን ኣርጀንቲናን ዝተፈጸሙ ዕልዋ መንግስታት ቀዳማይ ሃንዳሲኡ ንሱ’ዩ ተባሂሉ’ዩ ዝሕመ።

ኣብ 1973 ሽልማት ኖቤል ሰላም ምስ ተውሃበ፡ ብብዙሓት ሰባት ተባጭየሉ’ዩ፡ ኣብቲ እዋን ፍሉጥ ኮመድያን ዝነበረ ቶም ለህረር፡ “ከም ፖሎቲካ ዘስሕቕ ባጫ የለን” ብምባል እቲ ሽልማት ፈጺሙ ንዘይግበኦ ሰብ ከምዝተውሃበ ተዛሪቡ።

ህድማ ካብ ናዚ

ሄንሪ ኪሲንጀር ካብ ማእከላይ ናብራ ዝነበሮም ኣይሁድ ብ27 ግንቦት 1923 ኣብ ባቨርያ ተወሊዱ።

ወዲ 15 ዓመት እንከሎ’ዩ ስድርኡ ካብ ናዚ ሃዲሞም ንሄንሪ ኪሲንጀር ሒዞም ኣብ 1938 ናብ ኒው ዮርክ ኣትዮም።

ሄንሪ ብንእሽትኡ እንከሎ ሓፋር’ዩ ነይሩ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ከኣ ክቱር ዝኾነ ፍቕሪ ነይሩዎ።

ቀትሪ ቀትሪ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ይሰርሕ ስለዝነበረ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ናይ ምሸት’ዩ ዝምሃር ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ‘ኣካውንቲንግ’ ከጽንዕ’ኳ ድሌት እንተነበሮ፡ ድሒሩ ግን ናብ ውትህድርና ኣዘንቢሉ።

ብልሑ፡ ክእለት ቋንቁኡን ዝርኣዩ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ቀልጢፎም’ዮም ዓይኖም ኣውዲቖሙሉ።

ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም፡ ኣብ ኵናት ቡልጂ ንጀርመናዊት ከተማ ንምሓዝ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ኵናት ተራ ወተሃደር ኮይኑ ተሳቲፉ።

ኣብ ምውዳእ እቲ ኵናት ከኣ ናብ ክፍሊ ስለያ ተሳሒቡ፡ ኣብቲ እዋን ወዲ 23 ዓመት ዝነበረ ሄንሪ ኪሲንጀር ነቶም ኣባላት ጌስታቦ ዝነበሩ ለቊምካ ኣብ ምሓዝ ዝግበር ዝነበረ ምቅራም ቀንዲ ኣባል እታ ኣሃዱ ስለይ ኮይኑ ስሪሑ።

ንኡስ ንኩለራዊ ውግእ

ሄንሪ ኪሲንጀር ካብ ጀርመን ናብ ኣመሪካ ምስ ተመለሰ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ፖሎቲካዊ ስነፍልጠት ብምጽናዕ ኣካዳምያዊ ዓቕሙ ክብ ኣቢሉ።

ሄንሪ ኪሲንጀር ኣብ 1957 ‘Nuclear War and Foreign Policy’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ መጽሓፍ ኣሕቲሙ፡ ኣብታ መጽሓፍ "ኣብ ኵናት ውሱን ኣቶሚካዊ ኣጽዋር ምጥቓም ንኽትዕወት ደራኺ’ዩ" ኢሉ።

እታ መጽሓፍ ንተፈላጥነቱ ሰማይ ኣዕሪጋቶ፡ ጽልውኡ’ውን እናዓበየ መጺኡ። እቲ ‘ንኡስ ንኩለራዊ ውግእ’ ዝብል ፖሊስኡ ከኣ ክሳብ ሕጂ ይስርሓሉ ኣሎ።

ብቅጽበት ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኒውዮርክ ከምኡ ከኣ ተሓጋጋዚ እቲ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዝነበረ ኔልሰን ሮክፈለር ኮይኑ።

ኣብ 1968 ሪቻርድ ኒክሰን ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ምስ ተመረጸ ከኣ ንሄንሪ ኪሲንጀር ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ገይሩ ናብ ዋይት ሃውስ ኣእትይዎ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዝተሓላለኸ ርክብ’ዩ ነይሩ።

ሪቻርድ ኒክሰ፤ ሄንሪ ኪሲንጀር ዝነድፎ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ምሉእ ንምሉእ እንተተቐበሎ'ኳ፡ ሄንሪ ኪሲንጀር ኣይሁዳዊ ስለዝነበረ፡ ኣብ ጉዳይ ኣመሪካውያን-ኣይሁድ በጺሑ ንኹሉ ብጥርርጣረ’የ ዝጥምቶ ነይሩ።

ዝሑል ኵናት ኣብ ዝልዓለ ጥርዚ ወጥሪ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ቨትናም’ዩ ነይሩ፡ ሩስያ’ውን ፕራግ ወሪራታ፡ እቲ ወጥረ ከምዘለዎ እንተዝቅጽል ዓለም ሕጂ ካልእ ቅርጺ ምሃለዋ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ዝተፈርሐ ስለዘይኮነ እታ ሰራዊት ሕብረት ሶቭየት ዓሪዶሙላ ዝነበሩ ኩባ ካብ ጥፍኣት ድሒና።

ካብ ወጥሪ ናብ ልዝብ

ዝሑል ኵናት ናብ ዝኸፈአ ብራኸ ምስ ዓረገ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰንን ሄንሪ ኪሲንጀርን ምስ ሕብረት ሶቭየት ዝነበሮም ወጥሪ ንምፍኳስ፡ ንዅለራዊ ኣጽዋር ንምጉዳል ዘኽእል ዘተ ክካየድ ኣብ ስምምዕ በጺሒም።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣመሪካ ምስ ቻይና’ውን ልዝብ ጀሚራ፡ ርክብ ቻይናን ኣመሪካን ዘስግኣ ሕብረት ሶቭየት፡ ነቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ መዛተዩ ሓሳብ ክትቕበሎ ተገደደት።

ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ናብ ቻይና እናተመላለሰ ምስ ቀዳማይ ሚኒሰትር ዛኦን ፕረዚደንት ማኦን ብዝገበሮ ዘተ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ቻይናን ን23 ዓመታት ተበቲኹ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ናብ ንኑር መሊስዎ፡ ከም መርኣይኡ ኣብ 1972 ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ናብ ቻይና ታሪኻዊ ተባሂሉ ዝግለጽ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ቬትናም

ኣብቲ እዋን ኣመሪካ ካብቲ ኣብ ቬትናም ተካይዶ ዝነበረት ኵናት ንኽትወጽእ መንገዲ’ያ ትደሊ ነይራ።

ሄንሪ ኪሲንጀር’ውን እቲ ኣብ ቬትናም ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ንኣመሪካ ፖሎቲካዊ ዓወት ዘጎናጽፍ ከምዘይኮነ ኣቐዲሙ ደምዲምዎ ነይሩ’ዩ።

ብዓቢኡ ድዓ፡ ሪቻርድ ኒክሰን ናብ ስልጣን ንክመጽእ ካብ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረ ቀንዲ ነጥብታት ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ቬትናም’ዩ።

ሄንሪ ኪሲንጀር ምስ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ብምርድዳእ ምስ ሰሜን ቬትናም ሰለማዊ ዘተ ጀሚሩ። እንተዀነ፡ ንመስመር ቀረብ ኮምኒስት ንምዕጋት ኣብ ልዕሊ እታ ገለልተኛ ኮይና ትኸይድ ዘነበረት ካምቦድያ ደብዳብ ከካይዱ ምስ ኒክሰን ወዲእዎ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ካምቦድያ ዘካድዎ ደብዳብ ብውሕዱ ሞት 50 ሽሕ ሰለማውን ሰባት ከስዕብ እንከሎ እታ ሃገር ናብ ምሉእ ቅልውላውን ኵናት ሓድሕድን ኣትያ፡ ከም ውጸኢቱ እቲ ሓራድን ጎማድን ዝኾነ ውልቀ መላኺ ፖሎ ፖት ናብ ስልጣን መጺኡ።

ሄንሪ ኪሲንጀር ምስ መራሕቲ ቬትናም ብተደጋጋሚ ኣብ ዝዛተየሉ ዝነበረ ጽፍሑ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ’ዩ ነይሩ፡ ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከኣ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ደቡብ ቬትናም ወጺኡ።

ንሱ፡ ኣብ 1973 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻደ ዘተ ምስ መራሒ ሰሜን ቬትናም ሊ ዱች ቶ ውዕል ሰላም ከቲሙ ከም መርኣይኡ ክልቲኦም ስልማተ ኖቤል ሰላም ተበርኪትሎም።

ሄንሪ ኪሲንጀር ነቲ ካብ ሽልማት ኖበል ዝተበርከተሉ ሰልዲ ንደቂ እቶም ኣብ እዋን ኩናት ዝሞቱ ሰራዊት ኣመሪካ ክውዕል ለጊሱ።

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዴሳውያን ሓይልታት ሰሜን ቬትናም ንደቡብ ቬትናም ምስ ተቆጻጸርዎ ኣመሪካ ንኸተማልሳ ፈቲና ነይራ’ያ፡ እዚ’ውን ብዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ሄንሪ ኪሲንጀር’ዩ ዝካየድ ነይሩ።

ፖለቲካዊ ፍታሕ

ሄንሪ ኪሲንጀር ኣብ 1973 ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኵናት ብልዝብ ንኽዓርፍ ዝተጻወቶ መሪሕ ተራ ካብ ዘዘክርዎ ነጥብታት እቲ ካልእ’ዩ።

ከም መርኣይኡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እስራኤል ኮይና ካብ 1969 ክሳብ 1974 ዝሰርሐት ጎልዳ መይሪ፤ ሄንሪ ኪሲንጀር ሃገራ ካብ መከራ ከምዘድሓና ምስ ፕረዚደንት ኒክሰን ዝተዛረበቶ ካብ ዋይት ሃውስ ልሒዅ ዝወጽአ ዝተቀድሐ ድምጺ ሓደ መስክር’ዩ።

ጎልዳ መይሪ ካብ መሪሕነት ምስ ወረደት እቲ ሄንሪ ኪሰንጀር ዝሰርሖ ስራሕ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ሶቭየት ጸቅጢ ብምግባር ሩስያውያን ኣህይዳውያን ኣብ እስራኤል ሓዲሽ ህይወት ንኽጅምሩ ኣኽኢልዎም’ዩ።

ክሲንጀር፡ ኣብ ግዚኡ “ኣይህዳውያን ካብ ሕብረት ሶቭየት ወጺኦም ኣብ እስራኤል ክሰፍሩ ቀዳማይ ዕላማ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣይነበረን” ድሕሪ ምባል፡ “ሕብረት ሶቭየት ንኣይሁዳውያን ብጋዝ እንተዝቐትልዎም’ውን ንዓለምለካዊ ሰብኣዊ መሰላት’ምበር ብቀጥታ ንኣመሪካ ዝምልከት ኣይነበረን” ኢሉ።

ኮምኒስታዊ ስርዓት ዝክተል ሳልቫዶር ኣላንደ ፕረዚደንት ቺለ ኮይኑ ምስ ተመረፀ፡ ንኣመሪካ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩላ።

ሳልቫዶር ኣላንደ ደጋፊ ኩባ’ዩ ነይሩ፡ ኩባ ከኣ ቀንዲ መሓዛ ሕብረት ሶቭየት'ያ።

ነዚ ዝተረድአ ትካል ስለያ ኣመሪካ [ሲኣይኤ] ኣብ ልዕሊ ሳልቫዶር ኣላንደ ስርሒት ክካየድ ንድፊ እተውጽእ ሓንቲ ኮሜተ ኣዳልዩ።

እዛ ብሄንሪ ክሰንጀር እትምራሕ ኮሜተ ቀንዲ ዕላማኣ ነቲ ኣብ ቺለ ዝተመረጸ መንግስቲ ንምዕላው ነቶም ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተቓወምቲ ሓይልታት ምሕጋዝ’ዩ፡ ሄንሪ ክሲንጀር ከኣ ሃንዳሲ ኩሉ መስመራት ኮይኑ ዓቲቡ ክሰርሕ ጀመረ።

ሄንሪ ኪሲንጀር ነዚ ኣምልኪቱ ክዛረብ እንከሎ “ኣነ ዘይርድኣኒ ሓንቲ ሃገር ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ህዝቢ ኮሚኒስት እናኾነት ከመይ ኢልና ኢና ኢድና ኣጣሚርና ስቕ ክንብል ትጽቢት ዝግበር፡ እዚ ከኣ ልዕሌና ንህዝቢ ቺለ ዘርብሕ’ዩ” ኢሉ።

በቲ ዝተለዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ ሳልቫዶር ኣላንደ ተቐቲሉ፡ ጀነራል ኣጎስቶ ፒኖቸ ከኣ ስልጣን ተቖጻጺሩ ንቺለ ክምርሓ ጀመሩ፡ ብዙሓት ወተሃደራት ጀነራል ፒኖቸ ብሲኣይኤ ይኽፈሉ ከምዝነበሩ ድሒሮም ክዛረቡ ጀሚሮም።

ኣብ ዝቀጸሉ ዓመታት ሄንሪ ኪሰንጀር ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ብቅትለት ኣብቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ቺለ ዝነበሩ ዜጋታት ወጻኢ ብተደጋጋሚ ክሲ ይቐርበሉ ነይሩ’ዩ።

ኣብ 1974 ሪቻርድ ኒክሰን ብጀራርድ ፎርድ ምስ ተተከአ ጀራርድ ፎርድ ንሄንሪ ኪሲጀር ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገይሩ ሸይምዎ።

ሄንሪ ኣብቲ እዋን ሮዶዥያ ትብሃል ዝነበረት ሕጂ ዙምባቤው ኣብ እትብሃል ዘላ ሃገር ዝነበሩ ውሑዳን ጸዓዱ ዝቀጻጸርዎ መሪሕነት ምዕሩዩነት ከምዝህልዎ ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ዝነበሩ ውሑዳት ዕጡቓት እናተጨፍለቑ ስቕ ኢሉ ምርኣዩ ግን ብዙሕ ነቐፌታታት ኣስዒብሉ’ዩ።

ደረት ኣልቦ ሓይልን ጽልዋን

ሄንሪ ኪሰሲንጀር ኣብ 1977 ካብ ጽፍሒ መንግስቲ ምስ ተሰናበተ፡ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ኮይኑ ንኽሰርሕ ተሓርየ፡ እንተኾነ ተማሃሮ ተቓውምኦም ስለዘስምዑ ቀልጢፉ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ሄንሪ ኪሲንጀር ብድሕሪ እዚ ቀንዲ ነቓፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ናይቶም ድሒሮም ኣከታቲሎም ፕረዚደንትታ ኣመሪካ ኮይኖም ዝተመረጹ ጂሚ ካርተርን ቢል ኪሊንተንን ኮነ።

ቀንዲ ነቀፌትኡ ከኣ ክልቲኦም ፕረዚደንታት ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ንምፍታሕ ዝወሰድዎ ኣገባብ ታህዋኽ ዝበዝሖ’ዩ ነይሩ ዝብል’ዩ።

ኣብ ኣመሪካ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ምስ ኣጋጠመ ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ ነቲ መጥቃዕቲ እትምርምር ኮሚተ ንኽመርሓሉ ንሄንሪ ኪሲንጀር ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪብሉ።

እንተኾነ ንጻውዒት ጆርጅ ቡሽ ተቐቢሉ ስራሕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ሓደ መግለጺ ከም መወከስን ምንጭን ዝተጠቐመሎም ዝርዝር ኣስማት ምሃብ ስለዝኣበየ ነዊሕ ከይሰርሐ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ብድሕሪ እዚ ምስ ፕረዚደንት ጂርጅ ቡሽን ምክትሉ ዲክ ቸኒኒን ኣኬባ ብምክያድ ካብታ ኣብ 2003 ወሪሮም ዝሓዝዋ ኢራቕ "ስርሒትና ብዓወት ዛዚምና ኣለና" ኢልካ ምውጻእ እቲ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ መኺርዎም።

እዚ ኣብ ፖሎቲካ ኣመሪካ ኣዝዩ ጸላዊ ዝኾነ ሰብ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2017 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ክክተሎ ዘለዎ ኣገባብ ኣድቂቑ መኺርዎ።

ሓደ ካብቲ ንዶናልድ ዝለገሰሉ ምኽሪ፡ ፑቲን ንክረምያ ምውራሩ ዶናልድ ክቕበሎ ከምዘለዎ’ዩ።

ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ኣብ 2023 መበል 100 ዓመት ምስ ረገጸ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈነወቶ ወራር ስዒቡ፡ ኣብ'ቲ ጉዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ብምቕያር፤ ዩክረይን እቲ ኵናት ምስ ዓረፈ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ከምዘለዋ ተላብዩ።