ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ፍተሻ፡ ማእሰርትን ምግፋዕን ይፍጸም ከምዘሎ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘይሕጋዊ ፍተሻ፡ ማእሰርቲ፡ ምግፋዕን ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ኣፍሊጡ።
ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን እታ ሃገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸታታሊ ዝተዋደደ ስርሒታት ከም ዘካይድ ምግላጹ ስዒቡ'ዩ ኢሰመጉ 7 ሰነ 2015 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ሓባራዊ ኣካል ጸጥታ፡ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ "ዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ጸገማት ንምፍጣር ዝተዳለዉ ሓይልታት ከም ዘለዉ” ገሊጹ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ነዞም ብንጹር ዘይገለጾም ሓይልታት ንምምካት ዝተዋደደ ስርሒታት ከም ዝወስድን’ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብተወሳኺ እቲ ሕብረተሰብ "ጸጉረ-ልውጥ ክርኢ ከሎ ሓበሬታ ክህብ" ጻውዒት ከም ዘቕረበ ይዝከር።
እንተዀነ ኢሰመጉ፡ እቲ ሓሙሽተ ትካላት ዝሓቘፈ ሓባራዊ ሓይሊ ኣብ ገለ ከባቢታት ስልጣኑ ብዘይግቡእ መንገዲ ክጥቀመሉ ከም ዝተዓዘበ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ’ሎ።
ወሲኹ’ውን” እቲ ሓባራዊ ሓይሊ "ካብቲ ንቡር ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ብምሕሳብ" ዘይግቡእ ስጉምቲታት ይወስድ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
ከምዚኦም ዝበሉ ንፈጸምቲ ሕጊ ዝለዓለ ስልጣን ዝህቡ ተግባራት ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ሕጊ ወፃኢ ክፍፀሙ እንከለዉ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝሳተፉ ወገናት ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክኽተሉን ዘይሕጋዊን ዘይተመጣጠነን ስጉምቲታት ክወስዱን ተራእዮም እዮም ይብል ኢሰመጉ ኣብ መግለጺኡ።
ኣብ መስርሕ ምዕቃብ ሰላምን ድሕንነትን ተሓታትነት ንምዕባይ ሕግን ስርዓትን ዝኽተል ኣገባብ ክህሉ እውን ኢሰመጉ ጸዊዑ።
ሓይልታት ፀጥታ ነዚ ስርሒት ኣብ ዘካይዱሉ እዋን ግቡእ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክኽተሉን ዘይተመጣጠነን ዘየድሊን ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡን እውን ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ እቲ ሓባራዊ ሓይሊ ኣብቲ ስርሒት ስልጣኖም ብዘይግቡእ መንገዲ ዝጥቀሙ ሰባት ዝቆጻጸርን ብሕጊ ተሓተትቲ ዝገብርን ስርዓት ከማዕብል ተላብዩ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ መጀመርታ'ዚ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ጸዊዑ ነይሩ።
እቲ ኮሚሽን ነቲ ናብዚ ጻውዒት’ዚ ዝመርሐ ትዕዝብቲታቱ ብፍላይ ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብዝቐረበ ጥርዓን መሰረት ብዝገበሮ ክትትል ምዃኑ ብዝርዝር ኣስፊሩ እዩ።
እቲ ማእሰርቲ፡ "ስደተኛታት ምዃንኩም ዘረጋግጽ ሰነድ የብልኩምን፡ ካብ መዓስከር ክትወጹ ፍቓድ ዘይብልኩም ክነስኹም ኣብ ከተማ ትነብሩ፣ ብዘይፍቓድ ስራሕ ኣብ ስራሕ ተዋፊርኩም” ብዝብል ምዃኑ እውን እቲ ኮሚሽን ከም ዝመርመረ ኣስፊሩ’ሎ።
እዚ ከምዚ ዝበለ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣዘውቲሩ ዝርአ ምዃኑ፡ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ኣብቲ እዋን ምክትል ኮሚሽነር ኢሰመኮ ራኬብ መሰለ፡ ኣብ መንጐ ስደተኛታትን ገበነኛታትን ዝግበር ኣተሓሕዛ፡ ንጭቡጥ ገበናዊ ስርዓተ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲባ ነይራ።
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተኣስሩ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከይህልዉ ንምርግጋጽ፡ እቲ “ኮሚሽን ሕጂውን ምጽራይ ክቕጽል” ከም ዝዀነ ወሲኻ ምግላጻ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







