እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻርልስ ሳልሳይ፡ ኣንቲጓን ባርቡዳን ኣብ ጉዳይ መራሒ ሃገር ህዝበ ውሳነ ከተካይድ'ያ
ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ስዒቡ፡ ግዝኣት ኢንግሊዝ ዝነበረት ኣንቲጓን ባርቡዳን፡ ሪፐብሊክ ንምዃን ህዝበ ውሳነ ከተካይድ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጋስቶን ብራውን፡ እቲ ህዝበ ውሳነ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከም ዝካየድ ብምግላጽ፡ እዚ ክተካይድ ምውጣን “ተግባር ጽልኢ ኣይኰነን” ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገሩ ሪፐብሊክ እንተዀይና “ነጻን ሉእላዊትን” ምዃና እነረጋግጸሉ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ክኸውን እዩ ኢሉ።
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክሳብ ዝሞታ፡ መራሒት ኣንቲጓን ባርቡዳን ነይረን።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መግለጺ ዝሃበ፡ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ንጉስን መራሒ እታ ኣብ ካሪብያን እትርከብ ሃገርን ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ።
ጋስቶን ብራውን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝካየድ መረጻ እንተተዓዊቱ፡ ነቲ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ከም ዘፈጽሞ ገሊጹ።
ቅድም ኢሉ፡ ኣውስትራሊያ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ተመሳሳሊ ህዝበ ውሳነ ምክያድ ንዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ እያ።
ሞት ንግስቲ ስዒቡ ግና እቲ ጉዳይ ዳግማይ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፤ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተመረጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባኒዝ'ውን ሪፓብሊካዊ መርገጺ እዩ ዘለዎ።
እንተኾነ ግና ኣብ ቀዳማይ እብረ ዘመነ ስልጣኑ ህዝበ ውሳነ ከምዘይካየድ ንስካይ ኒውስ ተዛሪቡ።
ንጉስ ቻርልስ ንብሪጣንያ ሓዊሱ፡ መራሒ ሃገር 14 ሃገራት - ኣንቲጓን ባርባዱን፣ ኣውስትራሊያ፣ ባሃማስ፣ ቤሊዝ፣ ካናዳ፣ ግሬናዳ፣ ጀማይካ፣ ኒውዝላንድ፣ ፓፓዋ ኒው ጒኒ፣ ሴንት ኪትስን ኔቪስን፣ ሴንት ሉችያ፣ ሴንት ቪንሰንትን ዘ ግሬናዲንስን፣ ደሴታት ሰለሞንን ቱቫሉን - እዩ።
ኣብዚ እዋን ግና ብዙሓት ሃገራት ነቲ ንግስነት ዳግመ ግምት ይገብራሉ ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፓርላማ ባርባዶስ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብ መሪሕነት እታ ሃገር ድሕሪ ምእላዩ ንፈለማ እዋን ፕሬዝደንት ሸይማ።
ኣብ ጀማይካ፡ ገዛኢ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ህዝበ ውሳነ ኣካይዱ ሪፐብሊክ ምዃና ንምእዋጅ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ’ዩ።