ኢሎን መስክ፡ ንልሉያት ['ብሉ ቲክ' ዘለዎም] ዓማዊል ትዊተር ወርሓዊ 8 ዶላር ከኽፍሎም’ዩ

ኢሎን መስክ ኣብ ጥቃ ስሞም ሰመያዊ ዝሕብሩ ምልክት [‘ብሉ ቲክ’] ዝግበረሎም ተጠቀምቲ ትዊተር ንወርሒ 8 ዶላር ክኸፍሉ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ ጎኒ ስሞም ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ዝግበረሎም ተጠቀምቲ ትዊተር፡ እቲ ገፅ ናይ ብሓቂ ናቶም ምዃኑ ካብ ትዊተር ዝውሃቦም ምስክርነት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ዝዓደጎ ኢሎን መስክ፡ እዚ ውሳነ ኣካል እቲ ንሱ ዘተኣታትዎ ዘሎ ሓድሽ ለውጢ ከምዝኾነ ብምሕባር “ኣብ ትዊተር ዝግበር ምድንጋራት በዚ ጥራይ ኢና ክንስዕሮ ንኽእል” ኢሉ።

ትዊተር ኣብ ጥቃ ስሞም ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ዝገብረሎም ሰባት፡ ኣዝዮም ፍሉጣት፡ ፖሎቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ምዃኖም ይፍለጥ። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ምልክት ብነጻ’ዩ ዝገብሮ ነይሩ።

ካብ ዓለምና ዝሃብተመ ኢሎን መስክ፡ ኣብ ጎኒ ስሞም ሰማያዊ ሕብሪ ዝግበረሎም ሰባት፡ ኣብ ተጠቃምነትን መልሲ ኣብ ምርካብን ቀዳምነት ከምዝህልዎምን፡ ካብቲ ኣብ ትዊተር ዝግብር መወዓዊዒታት ፍርቂ ጥራይ ከምዝመጽኦም ገሊጹ።

ኢሎን መስክ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣሰራርሓ ናይ ትዊተር ‘ናይ ጊላን ጎይታን’ ከምዝነበረ ብምሕባር “ሓይሊ ንህዝቢ፡ ሰመያዊ ምልክት ንምርካብ 8 ዶላር ንወርሒ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

ትዊተር በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኣገባብ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጎኒ ስሙ ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ክግበረሉ እንተኾይኑ፡ ‘ብኦንላይን’ የመልክት” ብድሕሪ እዚ ትዊተር ምጽራይ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ፍሉጥ ንዝኾነ ሰብ፡ ፖሎቲከኛ ወይ ጋዜጠኛ ምስ ዝኸውን ኣብ ጎኒ ስሙ ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ይግበረሉ ነይሩ።

እዚ ኸኣ ካልእ ሰብ በቲ ናይ ፍሉጥ ሰብ ስም ናይ ትዊተር ‘ኣካውን’ ኣውጸኡ ነቲ ውልቀ ሰብ ዝጎድእ ሓበሬታታት ከየመሓላልፍ ንምግታእ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ።

ትዊተር ነዚ ኣገባብ ኣብ 2009 እዩ ኣተኣታትይዎ።

እንተኾነ ኢሎን መስክ ሃንደበት ክፍሊት ምሕታቱ ካብ ብዙሓት ተቃውሞታት ኣስዒብሉ ኣሎ።

ጀነራል ሞተርስ ዝርከቦም ሓያለ ትካላት’ውን ምስ ትዊተር ዝነበሮም ናይ ምውዕዋዕ ውዕል ደው ኣቢሎም ኣለዉ።

ብሰኑይ፡ ኣብ ዓለምና ዓበይቲ ካብ ዝብሃሉ ናይ ምውዕዋዕ ትካላት ዝኾነ ኣይፒጂ፡ ዓማዊሉ ንዝመጽእ ሳምንታት ትካላቶም ኣብ ትዊተር ካብ ምውዕዋዕ ደው ከብሉ ማዕዳኡ ምልጋሱ ዝዝክር’ዩ።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣቢሉ፡ እቶም ኣብ ጎኒ ስሞም ብሰማያዊ ሕብሪ ‘ምልክት’ ዝግበረሎም ዓማዊል ትዊተር፡ ንወርሒ 20 ዶላር ክኸፍሉ’ዮም ዝብል ሓበሬታ ተዘርጊሑ’ኳ እንተነበረ፡ እዚ 20 ዶላር ዝብል ሓበሬታ፡ ነቲ 8 ዶላር ቅቡል ንምግባሩ ተዓሊሙ ዝተዘርግሐ ከምዝኾነ ዝገልጹ’ውን ኣይተሳኣኑን።

ፍሉጥ ደራሲ ስተፌን ኪንግ ትዊተር ንዝሰለዖ ወርሓዊ ክፍሊት ኣመልኪቱ “ትዊተር’ምበር ንዓይ ክኸፍለኒ ኣለዎ” ኢሉ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ብዙሓት ንሓሳብ ስተፌን ኪንግ ክቐባበልሉ ጀሚሮም።

ኢሎም መስክ ብወገኑ ንስቴፈን ኪንግ “በዚ ኢልካ በቲ ምኽፋል ኣይክተርፍን’ዩ” ኢሉ መልሲ ሂብዎ ኣሎ።