እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢሎን መስክ፡ ንኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት ትዊተር ኣባሪሩ
ኢሎን መስክ ንዅሎም ኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት ትዊተር ካብ ስራሕ ብምስጓግ ነቲ ብ44 ቢልዮን ዶላር ዝዓደጐ ትዊተር ንምቍጽጻርን ንምቕያርን ዘለዎ መደብ ኣርእዩ።
ካብ ዓለም ዝሃብተመ ኢሎን መስክ፡ ንትዊተር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝዕድጐ ኣብቲ ግዙፍ ማሕበራዊ ሚድያ ምስጓግ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትዊተር ዝርከብዎ ብዙሓት ለውጥታት’ዩ ገይሩ ዘሎ።
ኢሎን ብተወሳኺ ዘተኣታተዎ ነገር፡ ምጕዳል ሰራሕተኛታትን፡ ንሕሳባት ትዊተር ቅኑዕ ድዩ ስኑዕ ንምልላይ ዘኽእል ኣገባብን’ዩ።
ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ካብ ሰራሕተኛታት ትዊተር 25 ሚእታዊት ንምጕዳል ይዝተየሉ ከምዘሎ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።
ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ ምጕዳል ሰራሕተኛታትኣመልኪቱ ንትዊተር’ኳ እንተተወከሰ፡ መልሲ ክረክብ ግን ኣይክኣለን።
ሓደ ካብ መስረትቲ ትዊተር ዝዀነ ጃክ ዶርሰይ፡ ኣብዚ ኢሎን መስክ ዝዓደጐ ትዊተር ናይ 978 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ብርኪ ከምዘለዎ ክጸንሕ ምስ ኢሎን መስክ ከምዝተሰማምዐ’ውን ይግለጽ ኣሎ።
ጃክ ዶርሰይ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ካብ ኣባልነት ቦርድ ዳይረክተራት ትዊተር ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝተኣለየ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኢሎን መስክ ንትዊተር ምዕዳጕ ኣዝዩ ቅኑዕ ስጕምቲ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ትዊተር ኣብ ጐድኒ እቲ ስም ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ዝግበረሎም ሰባት፡ እቲ ሕሳብ ብሓቒ ናቶም ከምዝዀነ ዘመልክት ኰይኑ፡ ትዊተር ነቶም ብሰማያዊ ‘ቲክ’ ዘለዎም ሰባት ወርሓዊ 20 ዶላር ከኸፍሎም ከምዝኽእል’ዩ ግምታት ዘሎ።
ወናኒ ትካል መካይን ኤለክትሪክ ተስላ ዝዀነ ኢሎን መስክ፡ ንትዊተር ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ላዕለዋይ ዳይረክተር ትዊተር ምዃኑ ዝሕብር ኣብ ሕሳብ ትዊተሩ ለጢፉ ኣሎ።
ካብቶም ካብ ስራሕ ኣባልነት ቦርድ ዳይረክተራት ትዊተር ዝተሰጐጉ ትሽዓተ ኣባላት፡ ብረይት ተይሎርን ፓራግ ኣግራዋልን ይርከብዎም።