እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ጋቦን 2023፡ ሄኖክ ምሉብርሃን ራብዓይ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ኣብ ኣንበሳ ዓቐብ ካልኣይ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ዙር ጋቦን ለ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ፡ ተቐዳዳማይ ዳይረክት ኢነርጂ ጃሶን ተሶን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ትማሊ ራብዓይ ዝወጽአ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ምሉብርሃን ሎሚ’ውን ደጊሙ ራብዓይ ወጺኡ።
ካልኣይ መድረኽ ዙር ጋቦን ካብ ከተማ ኦየም ናብ ከተማ ሚትዚክ 111.5 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኰይኑ ኣብቲ ብቕጽበታዊ ውድድር ዝተዛዘመ መድረኽ፡ ተቐዳዳማይ ዳይረክት ኢነርጂ ፈረንሳዊ ኢሚለን ጀንየር ካልኣይ፣ ዴኒማርካዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቢንጎል ሳልሳይ ብምውጻእ ተዓወትቲ መዳልያ ኮይኖም።
ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ ዝርከብን ንብጫ ማልያ ዝወዳደር ዘሎን ሄኖክ ሙሉብርሃን ራብዓይ ክወጽእ እንከሎ ምስ ቱርካዊት ጋንታ በይኮዝ ዝወዳደር ዘሎ ናትናኤል ብርሃነ ሻምናይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።
ተሸላሚ ብጫ ማልያ ዙር ጋቦን 2014 ዝነበረ ናትናኤል ብርሃነ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ’ውን ሻድሻይ ምውጽኡ ዝዝከር’ዩ።
ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ግዜ ከይከሰሩ ምስታ ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ዝበጽሐት ጕጅለ ብምእታው ዳዊት የማነ መበል 39፡ ኤፍሬም ገብረህይወት መበል 43፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ መበል 45፡ ሜሮን ተሾመ መበል 46 ክወጽኡ እንከለዉ፡ ሚኪኤል ሃብቶም ካብ ቀዳማይ 32 ካልኢት ድሒሩ መበል 54 ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣብ ብጫ ማልያ ትማሊ ንቀዳማይ መድረኽ ዝተዓወተሉ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ዳይረክት ኢነርጂ ጀፍሪ ሱፐ ንውድድሩ ብ5 ሰዓትን 28 ደቒቕን 37 ካልኢትን ብምውዳእ ትማሊ ንዝተረከባ ብጫ ማልያ ከውሕስ እንከሎ፡ ሎሚ ንኻልኣይ መድረኽ ዝተዓወተሉ ጃሶን ተሶን ብሓንቲ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብ ብጫ ማልያ ሄኖክ ምሉብርሃን ካብ ቀዳማይ ብ11 ካልኢት ድሒሩ ኣብ መበል ሻውዓይ ደረጃ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ኸኣ ብተመሳሳሊ ግዜ መበል ሻሙናይ ተሰሪዖም ኣለዉ።
ንመንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያ በልጂማዊ ተቓዳዳማይ ጋንታ ቢንጎል ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፡ ሄኖክ ምሉብርሃንን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ንሉዊስ ብለወ ተኸቲሎም፡ ብ4 ካልኢት ድሒሮም ካልኣይን ሳልሳይን ተሪዖም ኣለዉ።
ብነጥቢ ተቐዳዳማይ ዳይረክት ኢነርጂ ኢሚለን ጀንየር ብ48 ነጥቢ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ሄኖክ ምሉብርሃን ብ46 ነጥቢ ሳልሳይ ናትናኤል ብርሃነ ኸኣ ብ34 ነጥቢ ኣብ መበል ሓሙሻይ ተሰሪዖም ይርከቡ።
ንኣንበሳ ዓቐበት ኣብ እትውሃብ ማልያ ትማሊ ተቐዳዳይ ጋንታ ቡርጎስ ስጳኛዊ ኣንቶንዮ ኣንጉሎ ከኣ ብ5 ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብተመሳሳሊ ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።
ጽባሕ ዝካየድ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ጋቦን ኣብ መጀመርታ ብርቱዕ ዓቐበት ዘለዎ ኣብ ጎላጉል ዝውዳእ ኮይኑ፡ ካብ ለባምባ ናብ መውላ ዝዝርጋሕ 113 ኪሎ ሜተር ክሽፍን’ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ
2022- ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን
2021- ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን
2020- ፈረንሳዊ ጆርዳን ለቫሱር
2019- ኢጣልያዊ ቦኒፌዞ ኒኮሎ
2018- ርዋንዳዊ ኣረሩያ ጆሴፍ
2017- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2016- ፈረንሳዊ ፐቲት ኣድርያን
2015- ቱኒዝያዊ ጊቶይ ራፌ
2014- ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ
2013- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2012- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2011- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2010- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ