እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃንጸ ቤተ-መዘክር ዓድዋ እንታይ ይመስል?
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ቃልሲ ንዘነቓቕሐ ዓወት ዓድዋ ዝቘመ መዘከርታ እዩ።
ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብ ዝተሃነጹ 'ሜጋ ፕሮጀክትታት' ሓደ ዝዀነ ቤተ መዘክር ዓድዋ፤ ኣብ ሓምለ 2011 ዓ.ም [ግ] እዩ ክህነጽ ተጀሚሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ድማ ተዛዚሙ ተመሪቑ ኣሎ።
ቀንዲ ኣርኪተክት ናይዚ ቤተ መዘክር፡ እስክንድር ውበቱ ይበሃል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምሩቕ ኣርኪቴክቸርን ፕላን ከተማን እስክንድር፡ ንኣስታት 28 ዓመታት ኣብ ምንዳፍ ህንጻታት ሰሪሑ እዩ።
ካብቶም ንሱ ዝነደፎም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ሓደ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ በዓል 37 ደርቢ ዝዀነ፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ባንኪ፡ "ሕብር ታወር" ይጥቀስ።
ክሳብ ሕጂ ካብ ዝሰርሖም ስርሓቱ እቲ ዝዓበየ ዝብሎ ግን፡ እቲ ሕጂ ዝተዛዘመ ኣብ ማእከል ፒያሳ ዝተደኰነ ቤተ መዘክር ዓድዋ እዩ።
ኣርኪተክት እስክንድር ከም ዝገልጾ፡ እዚ ፕሮጀክት ካብ ካልኦት ስርሓትቲ ዲዛይን ዝፍለ ባህሪ ኣለዎ፤ ድሌታት ዓማዊል ናብ ስነ ህንጻዊ ዲዛይን ናይ ምትርጓም ስራሕ ጥራይ ኣይኰነን።
"ኣብ ልዕሊ 1.5 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ዝተቐመጠ ህንጻ ጥራይ ኣይኰነን" ዝበለ እስክንድር፡ ብትምህርቲ፡ ብሞያን ንባብን ዝኣከቦ "ኡርባን ዲዛይን" ዝብል ኣምር ከም ዝፈተነ ይገልጽ።
ኣርኪተክት እስክንድርን ቤተ መዘክር ዓድዋን
ንቤተ መዘክር ዓድዋ ዝሃነፀ ኮንትራክተር ቻይና ጂያንግዙ ኢንተርናሽናል፡ ምስ እስክንድር ክሰርሕ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
እዚ ትካል እዚ እዩ ነቲ ብእስክንድር ዝተነድፈ ህንጻ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ባንኪ ሃኒጹ።
እስክንድር፡ ኣብ 2011 [ግ] ቤተ መዘክር ዓድዋ ንምህናጽ ዝቐረበ ጨረታ ምስ ፕሮጀክትታት ቤተ መንግስቲን ቤተ መጻሕፍቲ ኣብርሆትን ብሓባር ከምዝተዋህበ ይዝክር።
ኣብቲ ጨረታ ዝወዳደር ጂያንግዙ ኢንተርናሽናል፡ ንኢትዮጵያዊ ትካል ስነህንጻ "እስክንድር ኣርኪቴክትስ" እማመ ኣቕሪቡ።
ነዞም ፕሮጀክትታት ጨረታ ከውጽኡ እንከለዉ፡ [እቲ ሕቶ] 'ካብዞም ፕሮጀክትታት ኣብ ኣየናይ ኢኻ ክትሳተፍ ትደሊ?” ዝብል ከምዝነበረ ይዝክር።
“ካብኣቶም እቲ ዝበዝሐ በዳሂ ዝዀነ ሕቶ እዩ። ብዙሕ ናይ ዲዛይን ዕድላት ክህልወኒ'ዩ፤ ስለዚ ንዓድዋ መሪጸ ምስቲ ቻይናዊ ጕጅለ ሽርክነት ብምግባር ናብዚ ኣትየ" ይብል ንሱ፡ ኣጀማምራ ናይቲ ስራሕ ብምዝካር።
እቲ ፕሮጀክት፡ ብምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነበር ኣቶ ታከለ ኡማ ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ንህንጸት ብዝምልከት ናይ መጀመርታ እማመ ምምሕዳር እታ ከተማ ዘቕረቦ ከምዝነበረ ይዝክር።
እቲ ህንጻ ሓወልቲ ሚኒሊክ ካብ ዝርከበሉ መንገዲ ክጅምርን ኣዝዩ ልዑል ከይከውንን ካብ መበገሲ ምምሕዳር’ታ ከተማ ሓደ እዩ።
ምምሕዳር እታ ከተማ ዝጠልቦ ዝነበረ ጠለባት ሰንሰለት ኣኽራንን ነጋሪትን ኣብ ህንጻ ቤተ መዘክር ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ። እዞም ሓሳባት እዚኦም ብኸመይ ይወሃሀዱ ዝብል ድማ ፈጠራ ስነ-ህንጻ እስክንድር እዩ።
"ናይ ገዛእ ርእሰይ ሓሳባት ክውስኽ ናጽነት ነይሩኒ" ይብል እቲ ኣርኪተክት፤ "ብዙሕ ግዜ ዝሕተት ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ስነ ህንጻ" ክሃንጽ ከምዝፈተነ ይዛረብ።
ኣርባዕተ ኣፍደገ -ሰላማት
ኣርባዕተ ቀንዲ መእተዊታት ቤተ መዘክር ዓድዋ፡ ናብ ዝተፈላለየ ባህርያትን ኣገልግሎትን ዘለዎም ክፋላት ናይቲ ህንጻ ይመርሑ።
ጀጋኑ ደቡብ፡ ጀጋኑ ሰሜን፡ ጀጋኑ ምብራቕን ጀጋኑ ምዕራብን ዝብል ስም ተዋሂብዎም ኣሎ።
እስክንድር፡ "ኵሎም ወገናት ኢትዮጵያ [ኣብቲ ኲናት] ከምዝተሳተፉ ታሪኽ ይሕብር። ስለዚ ኵሎም ብሓደ ኣንፈት ዝተወከሉ እዮም። ስም ኣፍደገ-ሰላም ክህብ ከሎ፡ እቲ ስምዒትን ምስልን ንምውካል እዩ" ይብል እቲ ድሕሪ እቲ ስም ዘሎ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ።
ቤተ መዘክር ኲናት ዓድዋ ኣብ መእተዊ ጀጋኑ ሰሜን ሓወልቲ ሚኒሊክ ይርከብ። እዚ መእተዊ ካብቲ ሓወልቲ ዝርከበሉ መንገዲ ዝጅምር ኰይኑ ንጽንብል ዓወት ዓድዋ ዝውዕል ሰፊሕ ኣደባባይ ዝሓዘ እዩ።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ ዓመት ጀሚሩ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብዚ ቦታ ክኽበር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
'ድንጉዛ' ኣብ ፒያሳ
እስክንድር፡ ሓደ ህንጻ ክህነጽ ከሎ፡ ናብ ከባቢን ነበርትን ዘመሓላልፍ "ስነ-ጥበብ" ክህልዎ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ኣብ ቤተ መዘክር ዓድዋ ቀንዲ "ፈቲነዮ" ዝብሎ ሓሳብ፡ ኣብ ዲዛይን እቲ ህንጻ ገለ ምልክታትን መግለጺታትን ኢትዮጵያ ምሕዋስ ዝብል እዩ።
ኣብ ቤተ መዘክር ዓድዋ ካብ ዝተኻተቱ ናይ ደቀባት ምልክታት ሓደ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ክልላት ጋሞን ወላይታን ዝዝውር ክዳን "ደንጉዛ" ዝበሃል እዩ።
ድሙቕ ቀይሕ፡ ብጫን ጸሊምን ሕብሪ ዘለዎ ዓይኒ ዝማርኽ፤ ነዞም ሕብርታት ዝፈልዩ መስመራት እውን ፍሉይ ምልክታት እዮም።
እዚ ቅርጺ ኣብ ልዕሊ 100 ሜትሮ ዝኸይድ ክፋል ናይቲ ህንጻ ይርአ።
ኣብ ደጋዊ ሸነኽ እቲ ህንጻ ዝወቀቡ ዋልታን ኲናትን ብመልክዕ ድንጉዛ እዮም ተቐሚጦም ዘለዉ።
ካብ ሓወልቲ ኣኽሱምን ላሊበላን እውን ኣብ መደያይቦን ካንሸሎን እቲ ህንጻ ከምዝተንፀባረቐ እቲ ኣርኪተክተር ይዛረብ።
ቅርጻን ዝተላዕለ ቅሬታን
እዚ መእተዊ ደቡባዊ ጀጋኑ፡ ኣብ መንጐ ክልተ ህንጻታት ናይቲ ቤተ መዘክር ዝዝርጋሕ ነዊሕ መደያይቦ ዘለዎ፤ ምስ ደረጃ ፒያዛ 70 ዝመሳሰል እዩ።
ኣብዚ እዋን ካብ ዝተቐርጹ ሓወልትታት ናይ ሃፀይ ሚኒሊክን ሃጸይት ጣይቱን ከምኡ እውን 12 ጀጋኑ ኲናት ዓድዋ ይርከብዎም። ኣብቲ ጃሕጃሕ ዝብል ማይ ዝርከበሉ፡ ሓወልትታት ሃጸይ ሚኒሊክን ሃጸይት ጣይቱን ጐድኒ ጐድኒ ቆይሞም ይረአዩ።
ኣሳእል ገለ ካብቶም ሓወልትታት ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርጋሖም ዝተፈላለየ ርእይቶታት ተሰሚዑ።
ካብቶም ርእይቶታት፡ ንዓቐንን መልክዕን እቶም ሓወልትታትን ዝተሰርሑሉ ማተርያልን ዝምልከት ኣሎ።
ስርሓት ሓወልትታትን ካልኦት ቅርጻታትን ካብ 20 ክሳብ 25 ኣባላት ዝሓቘፈት ጋንታ ከም ዝተሳተፈ እስክንድር። “ዋላ እኹል ግዜ እንተዘይሃለወ መልክዕ [ናይቶም ሓወልትታት] ኣብ መጻሕፍቲ ኣጽኒዖም፡ እዚ ድማ ኣብቲ ሓወልቲ ተንፀባሪቑ” ይብል።
ይዅን እምበር እቲ ስርሓት ቅርጻ ቅርጺ ብኣጋኡ ከምዝተጀመረን ንመጽናዕቲ ብዙሕ ግዜ ከምዝተወፈየን ይገልጽ።
ብመሰረት እቲ ኣርኪተክት ኣብ ቤተ መዘክር ዓድዋ ዝርከቡ "ኣገደስቲ" ሓወልቲታት ብነሓስ ክስርሑ ውጥን ከምዝነበረ፡ እንተዀነ ዝተፈለየ ንብረት ከምዝተጠቀሙ ኣመልኪቱ።
ሕጂ እቶም ሓወልትታት ዝተሰርሑሉ ማተሪያል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ቅርጽታት ንምስራሕ የገልግሉ ከምዝነበሩ ኣብሪሁ።
ምስ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ብምትእስሳር ዝለዓሉ ርእይቶታት ከም ዝቕበል ዝገልጽ እስክንድር፤ "ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዳግማይ ክምሃዝ፡ ክቕየር ይኽእል'ዩ" ይብል።
ኣብዚ እዋን'ዚ ዘይተሰርሑ ቅርጻታት፡ "ካብዚ ተመኵሮ ወሲድና ኣብ ዝቕጽል ስራሕ ዝያዳ ተሳትፎ፡ ግዜን መጽናዕትን ምሃብ ከድሊ እዩ" ዝብል ሓሳቡ የቐምጥ።