ስዑዲ ዓረብ ምህርቲ ነዳዲ ክትንኪ ምዃና ብምግላጻ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ካብ እተፍርዮ መጠን ነዳዲ ኣብ መዓልቲ 1 ሚልዮን በርሚል ክትንኪ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ፡ ዋጋ ነዳዲ ከም ዝወሰኸ ተፈሊጡ።

እታ ቀንዲ ኣፍራይት ነዳዲ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚልዮን በርሚል ምህርቲ ነዳዲ ከም እትንክይ'ያ ኣፍሊጣ'ላ።

ድሕሪ ውሳነ ስዑዲ ዓረብ፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋ ኤስያ ብ2.4 ሚእታዊት ወሲኹ’ዩ፤ ነዚ ስዒቡ ዋጋ ሓደ በርሚል ናብ 77 ዶላር በሪኹ።

ካልኦት ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ዓለም እውን ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋእ ምህርተን ንምንካይ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ማሕበር ሃገራት ሰደድ ነዳዲ ወይ ኦፔክ+ እውን ካብ 2024 ጀሚሩ መዓልታዊ ቀረብ ነዳዲ ብተወሳኺ 1.4 ሚልዮን በርሚል ከምዘጉድል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኦፔክ+ 40 ሚእታዊት ጠለብ ነዳዲ ዓለም ዘቕርብ ኰይኑ፡ እዚ ውሳነ ኣብ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል።

ኦፔክ+ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መዓልታዊ ቀረብ ነዳዲ ብኽልተ ሚልዮን በርሚል ክንክይ ወሲኑ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ዓለማዊ ጠለብ 2 ሚእታዊት እዩ።

እቲ ብሰንበት ዝተኻየደን ብሩስያ ዝተመርሐን ናይ 7 ሰዓታት ኣኼባ፡ ነቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ መፍትሒ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ብመሰረት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ ኣለክሳንደር ኖቫክ፡ ኣብቲ ኣኼባ ምህርቲ ንምንካይ ዝተገበረ ውሳነ "ክሳዕ 2024 ክናዋሕ" ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ፡ እቲ ሓድሽ ውሳነ ክሳብ ዝቕጽል ፋይናንሳዊ ዓመት ከም ዝተናውሐ ገሊጹ ኣሎ።

ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ብዝርአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብድሆ ይገጥመን ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኦፔክ+ ንቁጠባ ዓለም ሸለል ብምባል ዋጋታት ነዳዲ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ይቆጻጸር ከም ዘሎ ይኸሳ።

ብተወሳኺ ኦፔክ+ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነበረ እገዳታት ሸለል ኢሉ ንሩስያ ከም ዝድግፍ ይገልጻ።

ቀንዲ ኣባል ሃገራት ናይቲ ማሕበር ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ፖሊሲ ገንዘብ ምዕራባውያን፡ ዝቕባበ ዋጋታት ክውስኽ ከም ዝገበረን ብሰንኪ’ዚ ድማ ኦፔክ+ ቀንዲ ሰደዱ ክቆጻጸር ከም ዝተገደደን ይዛረቡ።