እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሆላንድ፡ ኣብ ናዕቢ ኤርትራውያን እንታይ ኣጋጢሙ?
ቀዳም ምሸት ኣብ ከተማ ሄግ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዋዕላ ኦፔራ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ጕጅለታት ድሕሪ ዝተላዕለ ናዕቢ 13 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ እቲ ናዕቢ መኮንናት ከምዝተጐድኡ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ካብ 19 ክሳብ 36 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም።
እቲ ብቀዳም ምሸት ዝተፈጠረ ግጭት ኣብ መንጐ ደገፍቲን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነበረን ጸብጻባት ፖሊስ ይገልጽ።
እቲ ናዕቢ ዝተላዕለ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ መጥቃዕቲ ምስ በጽሖ ምዃኑ መግለጺታት ፖሊስ እታ ሃገር የመልክት።
ኣብዚ ናዕቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤትን መጥፋእቲ ሓዊን ኣእማን፡ ርችትን ካልእን ተደርብዩ።
ገሊኦም በትሪ ተሰኪሞም፡ ገሊኦም ድማ ብኣእማን ኣብ ጽርግያ ክደራብዩ ከምኡ’ውን መካይን ብሓዊ ኣቃጺሎም።
እቲ ከባቢ ናብ ዓውደ ውግእ ከምዝተቐየረ መሰካኽር ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቶም ናዕበኛታት ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝነበረ መዐደሊ ነዳዲ ንጥርሙዝ ነዳዲ ብምምላእ ሞሎቶቭ ኮክቴል ሰሪሖም ነቲ ገዶና ናብ ባርዕ ቀይሮሞ።
መስኮት ሓያሎ ገዛውቲ ተሰባቢሩ፤ ብኮንክሪት ዝተሰርሐ ዓታሩ ዕምባባታት ተሓምሺሹ ይራአ። እቲ መንገዲ ብዝተሰብረ ጠራሙዝን ኣእማንን መሊኡ ይርከብ።
ሰብመዚ እንታይ ይብሉ?
ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፡ ክልተ ኣባላቱ ኣብ ኢዶም ማህረምቲ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ካልእ ፖሊስ ድማ ኣብ ኣስናኑ መጕዳእቲ ወሪድዎ።
ኮማንደር ማሪል ቫን ቩልፐን፡ "መሳርሕትና ኣዝዩ ጽዑቕን ከቢድን ዓመጽ ኣጋጢምዎም" ኢሉ።
"መጕዳእቲ መሳርሕትናን ካልኦት መኮንናት እውን ከቢድ መጥቃዕቲ ክወርዶም ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ፤ እዚ ድማ ተቐባልነት የብሉን። ምስ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ብምዃን ኣብዞም ፍጻመታት ሰፊሕ መርመራ ነካይድ ኣለና።"
ከንቲባ እታ ከተማ ያን ቫን ዛነን ነቲ ናዕቢ፡ "ፍንፉንን ዘይቅቡልን" ክብል ገሊጽዎ።
ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ዲላን የሲልጎዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሄግ ዘጋጠመ ፍጻመታት “ፍጹም ተቐባልነት የብሉን” ኢሉ። “ስርሖም ጥራይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ኣገልግሎት ምጥቃዕ፡ ፍጹም ካብ ስርዓት ወጻኢ ስለዝዀነ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ።"
ኣብ ሆላንድ ኣስታት 25 ሽሕ ኤርትራውያን ይነብሩ ከምዘለዉ ወግዓዊ ኣሃዛት መንግስቲ ይሕብሩ።
በቲ ምልካዊ መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተገፍዑ ዝገልጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ጸኒሖም እዮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ናጽነታ ካብ ትረክብ ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ እዩ።
እታ ሃገር፡ ዋላ ከምቲ ኣብተን ምልካዊ ስርዓት ዝካየደለን ሃገራት፡ ፈጺማ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ኣይትፈልጥን።