ሆላንድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ጉጅለታት ብዝተፈጠረ ናዕቢ መካይን ፖሊስ ተቓጺለን

ትማሊ ኣብ ሆላንድ ከተማ ሄግ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ተቐናቐንቲ ኤርትራውያን ጉጅለታት ናዕቢ ከምዝተላዕለ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ፡ ነቲ ናዕቢ ንምህዳ ዘንብዕ ጋዝን ከምዝተጠቐሙ ተገሊጹ። እንተኾነ፡ እቶም ናዕበኛታት መካይ ፖሊስን ኣውቶቡሳትን ከምዘቃጸሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ምስልታት፡ ገለ መካይን ኣብ ሃልሃልታ ከምዝነበራን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብቲ ጽርግያ ኰይኖም ገሊኦም ኣእማን ክድርብዩን የርእዩ።

ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ከተማ ሄግ ሮቢን ሚደል፡ "እቲ ናዕቢ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ" ኰይኑ ከምዝነበረ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ሚድል ከምዝሓበሮ፡ ሓደ ንመንግስቲ ኤርትራ እሙን ዝዀነ ጉጅለ ኣኼባ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ቦታ ብተቓወምቲ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ ገሊጹ።

ኣፈኛ ፖሊስ ክርስቲያን ቫን ብላንከን፡ ኣብቲ እዋን ዝተጎድአ ወይ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ እንተሃልዩ ሓበሬታ ክትህብ ከምዘይትኽእል ገሊጻ።

ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ዕግርግርን ምትፍናን ክፍጠር እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ኣብ መስከረም 2023 ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን ከተማ ስቱትጋርት ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ብውሕዱ 26 ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ዓሰርተታት ሰባት ቆሲሎም እዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ዝተኻየደ ዕግርግር ብዙሓት ሰባት ተጎዲኦም ነይሮም። እቲ ናዕቢ ንኣፍሪቃውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ድማ ዝጸለወ ነይሩ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ጀርመን ጊሰን ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ግጭት ድማ 22 ኣባላት ፖሊስ ከምዝቖሰሉ ይዝከር።

በቲ ምልካዊ መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ከምዝተገፍዑ ዝገልጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ጸኒሖም እዮም።

ብዙሓት ኤርትራውያን ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ካብታ ሃገር ከም ዝስደዱ ክግለጽ ጸኒሑ’እዩ።