ሶማልያ፡ ቁጽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ቦምባ 120 በጺሑ

መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቁጽሪ ግዳያት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ብውሕዱ 120 ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓዲሾ ኣብ ጥቓ ጽዑቕ ናይ መኻይን መተሓላለፊ (‘ጃንክሽን’) ዘጋጠመ ማንታ ምፍንጃር ቦምባታት ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝሞቱ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ካብ ሞንጎ ‘ቶም ግዳያት "ደቀን ኣብ ሕቑፈን ዝሓዛ ኣዴታት" ከምዝነበራ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ነቲ ፕረዚደንት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ 300 ሰባት ዓለምለኻዊ ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረሎም ፃውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

​​እቲ ፕረዚደንት፡ በቲ ብቐዳም ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ዒላማ ብምግባር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ከሲሱ።

መንግስቲ ሶማልያ ንቤተሰብ ናይቶም ዝተቐትሉ ግዳያት ዝውዕል ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ማዕከን ከፊቱ። 

ክልተ ናይ ብሕቲ ትካላት’ውን፡ ነቲ ማዕከን ከበርክቱ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። 

ንጅሃዳውያንዝድግፍ መርበብ ሓበሬታ ሶማሊ ሜሞ፡ እቲ ጉጅለ ብድሕሪ’ቲ ፍንጀራታት ከምዘሎ ገሊጹ።

ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ጉጅለ ሽበራ ኣልሸባብ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ነዊሕ እዋን ኣብ ዝጸንሐ ግጭት ተጸሚዱ ይርከብ።

ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘቑፀረ ፕረዚደንት መሓመድ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሞቓዲሾ ዝርከብ ህቡብ ሆቴል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ኣንጻር እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ናብ "ፍጹም ኲናት" ከምዝኸፍት ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እቲ ናይ ቀዳም ፍንጀራታት ኣብ ውሽጢ ናይ ሒደት ደቓይቕ ኣፈላላይ ዝተፈጸመ ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ህንጻታትን ተሽከርከርትን ከምዘዕነወ ይግለፅ።

እቲ ቀዳማይ፡ ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ከወቅዕ ከሎ፡ ደድሕሪኡ ዝሰዓበ ካልኣይ ድማ ጉጅለታት ሕክምና ንግዳያት ክረድኡ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ከምዝተፈንጀረ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ልክዕ ኣብታ ቦታ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ዝተፃወደ ነታጒ ተፈንጂሩ ልዕሊ 500 ከምዝሞቱ ይዝከር። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ድማ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ንሱ ነይሩ።

ነቲ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ​​ብኣማኢት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ጥቓ’ቲ መጥቃዕቲ ሽበራ ዝተፈጸመሉ ቦታ ተኣኪቦም ዝጠፍኡ ኣባላት ስድራቤት ክደልዩ ተራእዮም።

ካብቶም ዝተቐትሉ ሰባት ሓደ ፍሉጥ ጋዜጠኛን ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስን ይርከብዎም።

ፕረዚደንት መሓመድ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ድሕሪ ምብጽሑ፡ "ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዳግማይ ከምዘይፍጸም ንህዝቢ ሶማልያ ንምሕባር እየ ኣብዚ ተረኺበ ዘለኹ" ኢሉ።

መጥቃዕቲ ሽበራ ኣብ ሞቓዲሹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

"እቲ ምፍንጃር ቦምባ፡ እቶም ዕጡቓት ብሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ተሳዒሮም እናሃለዉ፡ ገና ብህይወት ከምዘለዉ ንምሕባር ዝተላእከ መልእኽቲ እዩ ነይሩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ "እቲ መጥቃዕትታት እቲ ንኣልሸባብ ዝያዳ ንምድኻም ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪታት ህጹጽን ኣገዳስን ምⷓኑ ዘጉልሕ እዩ" ኢሉ።

ኣሜሪካ፣ ቱርኪ፣ ቀጠርን ጀርመንን ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ኣልሸባብ ንኣስታት 15 ዓመታት ንሶማልያ ንምቁጽጻር ኣንፃር’ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ ፌደራላዊ መንግስቲ ክቃለስ ጸኒሑ'ሎ።

እቲ ጉጅለ ንመብዛሕትኡ ክፋል ደቡባውን ማእኸላይን ሶማልያ ዝቆፃፀር ኮይኑ፣ ናብቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝመደበሩ መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ከባቢታት እውን ፅልውኡ ከስፍሕ ክኢሉ እዩ።