ኣልሸባብ፡ ኣብ መካይን ረዲኤት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ግዝኣት ሂራን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝጸዓና መካይን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሑድ 20 ሰባት ከምዝሞቱን፡ እቲ ሓገዝ ምግቢ ከምዝዓነወን ተገሊጹ።
ኣመሓዳሪ እታ ክልል ንቢቢሲ ሶማል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ሰባት ኣብ መኪና እናሃለዉ ፈንጂ ኣእትዮም ፈንጂሮም” ኢሉ።
እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ግን ደጋፊ መንግስቲ ንዝዀነ ዕጡቕ ጕጅለ ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ ኣሎ።
ሶማልያ ኣብ ዓሰርተ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ድርቂ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ሰብሞያ ይሕብሩ።
ስግኣት ናይቲ ንማእከላይ መንግስቲ ከውድቕ ዝቃለስ ዘሎ ጉጅለ ኣልሸባብ'ውን እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ዘለዎ ኣልሸባብ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ዝቈጻጸር ኰይኑ፡ ናብ ግዝኣት እቲ ኣብ ሞቓድሾ ማእከል ዝገበረ መንግስቲ ግን ጽልዋኡ ውሑድ እዩ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ሓደ ሆቴል ሞቓድሾ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ቀቲሉ እዩ።
ኣመሓዳሪ ክልል ሂራን ዓሊ ዑስማን፡ ቍጽሪ ግዳያት ናይቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ክሕብር እንከሎ፡ ዛጊት 27 ከምዝበጽሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት እውን ኣለዉ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣንጻር ህዝቢ ይቃለስ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ዓድታት ከምዘቃጸለን ዒላታት ማይ ከምዘዕነወን ይገልጽ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብታ ሃገር ግብረ ሽበራ ንምቅላስ ኵሎም ኣማራጺታት ከምዝጥቀም ገሊጹ ኣሎ።
ኣልሸባብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ምግቢ ዝጸዓና መካይን ንመንግስቲ ደጊፎም ኣንጻሩ ናብ ዝዋግኡ ዕጡቓት ጕጅለታት ይኸዳ ምንባረን ሓቢሩ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ፡ ዛጊት ኣብ ሶማልያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዘፈናቐለ ኰይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ገና ዝኸፍአ ይመጽእ ከምዘሎ የጠንቅቕ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







