እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ድልየት ሰኔጋላውያን ደገፍተይ እንተዀይኑ ካብ ሊቨርፑል ክወጽእ'የ'
ሰኔጋላዊ ተፃዋቲ ጋንታ ሊቨርፑል ሳድዮ ማኔ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ መፃረዪ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ-2023 ምስ ቤኒን ኣብ ዝነበራ ግጥም ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ምስታ እንግሊዛዊት ጋንታ ዝህልዎ መፃኢ ኣእንፊቱ።
ማኔ ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም ሰለስተ ሸቶታት ብምቑጻር፡ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ልዕሊ ቤኒን 3 ብ 1 ተዓዊታ ክትወጽእ ኣኽኢሉ።
ንሱ ንሰኔጋል ኣብ ዝተሰለፈሎም 86 ግጥማት 32 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ታሪኽ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዝበዝሐ ሸቶ ዘቑፀረ ተፃዋቲ ክኸውን በቒዑ'ሎ።
ምስ እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ዘለዎ ውዕሊ ገና ሓደ ዓመት ዝተርፎ ወዲ 30 ዓመት ኮኾብ ተፃዋቲ ሳዲዮ ማኔ፡ ናብ ጀርመናዊት ጋንታ ባየርን ሙኒክ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዝሕብሩ ሓበሬታታት ክስምዑ ቀኒዮም'ዮም።
ቅድሚ እቲ ናይ ትማሊ ኣንፃር ሃገራዊት ጋንታ ቤኒን ዘካየድዎ ግጥም ኣብ ዝሃቦ ሓፂር መግለፂ፡ ደገፍቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዘቕርቡሉ ማዕዳ ክሰምዕ ከም ዝኽእል እናዋዘየ ተዛሪቡ።
"ካብ 60 ክሳብ 70 ሚኢታዊት ሰኔጋላውያን ካብ ሊቨርፑል ክወጽእ እንድዮም ዝደልዩ? ስለዚ ነቲ ዝደልይዎ ክገብረሎም እየ" ክብል ተሰሚዑ።
ኣስዒቡ ድማ "ኣይትሻቐሉ፤ ርሑቕ ኣይኮነን። ኣይትተሃወኹ ኣብ ቀረባ ክትሪኡ ኢኹም፤ ጸገም የብሉን" ኢሉ።
ሰኔጋል ኣንፃር ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ንፍፃመ ፀዋታ ምብቅዓን ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ለካቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዘልዓለት ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ከኣ ማኔ ዓብዪ እጃም ነይርዎ።
ትማሊ ነቲ ግጥማት መፃረዪ ብዓወት ዝፈለመት 'ዘ ቴራንጋ ላየንስ' [ኣናብስ ቴራንጋ'] ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል፡ ንማዳጋስካርን ርዋንዳን ኣኸቲላ ንምድባ ክትመርሕ ጀሚራ'ላ።