እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ማእሰርቲ ንምቁጽጻር 11 ሽሕ ሰራዊት ዘዋፈረት ሃገር
ቨነዝወላ ኣብ ቁጽጽር ሓያል ገበነኛ ጉጅለ ኣትዩ ዝጸንሐ ካብ ዓበይቲ ዝዓበየ ቤት ማእሰርቲታት እታ ሃገር ሓደ ደጊማ ንምቁጽጻር 11 ሽሕ ወታሃደራት ልኢኻ።
እቲ ቶኮራን ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ፡ ንዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ‘ትረን ዲ ኣራግዋ’ ዝተባህለ ጉጅለ ወዲኒታት ጸኒሑ።
ኣብቲ ምስ ሆቴል ዝመሳሰል ከም መሐምበሲ ጋብላ፣ ለይታዊ ትልሂትን ንእሽቶ መዕቆቢ እንስሳትን ዝኣመሰሉ መገልገሊታት ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ኣባላት እቲ ዕሉል ጉጅለ ብነጻነት ይንቀሳቐስሉ ምንባሮም መራኸቢ ብዙሃን እቲ ከባቢ ገሊጸን።
ኣስታት 6 ሽሕ እሱራት ናብ ካልኦት ቤት ማእሰርቲታት ክግዕዙ ምዃኖም እውን ሰብመዚ ገሊጾም።
ብዙሓት ገበነኛታት ዘይኮኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ምስቶም ዝተፈረደሎም እሱራት ይነብሩ ነይሮም።
እቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ከምዝቕየር ሰብ መዚ ምግላጾም ስዒቡ፡ ናበይ ከምዝወስዱዎም ዘይፈለጡ ስድራቤታት ክበኽዩ ተራእዮም።
ግላድየስ ሀርናንደዝ ዝተባህለት ሓንቲ ሰበይቲ “ንሰብኣየይ ናበይ ከምዝወስድዎ ክሰምዕ እጽበ ኣለኹ. . . ኣብኡ እየ ዝነብር ነይረ፤ ግን ሰጕጎሙና” ክትብል ንኤኤፍፒ ተዛሪባ።
ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ሞተር ሳይክላት፣ ቴሌቪዥናትን ማይክሮዌቫትን ከጎዓዕዙ ከምዝተርኣዩ እውን እታ ወኪል ዜና ሓቢራ።
ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ቬነዝወላ ኣብ ኤክስ ናይ ቀደም ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ሓበሬታ፡ ፖሊስ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዳግም ብምቁጽጻር “ነቲ ማእከል ሽርሕን ገበንን ስለዝበተንኩም እንኳዕ ደስ በለኩም" ኢሉ።
መራሒ ናይቲ 'ትረን ዲ ኣራግዋ' ዝተባህለ ዕሉል ጉጅለ ሄክተር ጕረሮ ፍሎረስ፡ ብቕትለትን ምዝውዋር እጽን ተኸሲሱ 17 ዓመት ተፈሪዱዎ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ።
ኮይኑ ግና ሓይሉ ተጠቒሙ ከምድላዩ ይኣቱን ይወጽእን ምንባሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።