'ንሰብኣይካ ብኸመይ ትቐትሎ’ ክትብል ዝጸሓፈትን ንሰብኣያ ዝቐተለትን ደራሲት

ብዛዕባ ቕትለት ጽሒፋ፡ ብቕትለት ተኣሲራ

ኣቐዲማ፡ "ንሰብኣይካ ብኸመይ ትቐትሎ" ዝብል ዳሕራይ ንዝፈመቶ ገበን፡ ትንቢታዊ ዝዀነ ጽሑፍ ዝጸሓፈትን ደራሲት ፍቕራዊ ልብወለዳትን ብቕትለት ሰብኣያ ንሕልፈት ተፈሪዳ።

ጓል 71 ዓመት ክራምፕተን ብሮፊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኻልኣይ ደረጃ ቅትለት፡ ገበነኛ ኰይና ተረኺባ፤ ናይ ኦሪገን ዳኛ ድማ ንሕልፈት ፈሪዳታ።

ንሳ፡ ነቲ 26 ዓመት ምስኣ ዝነበረ ካልኣይ በዓል ቤታ፡ 1.5 ሚልዮን ዶላር መድሕን ሂወት (ኢንሹራንስ) ክትረክብ ኢላ ተኲሳ ከም ዝቐተለቶ፡ ዳያኑ ሓደ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ብ2018 ኣረጋጊጾም።

ክራምፕተን ሮቢል ቅድሚ እቲ፡ "ንሰብኣይካ ብኸመይ ትቐትሎ” ዝብል ጽሑፍ ምሕታማ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝምልከት ልቢ ዘንጠልጥል ጽሑፋታ “ ዘይቃዶ በዓል ቤት” ከምኡ እውን "ግጉይ ኣፍቃሪ" ዘርእስቶም ልብወለዳት ደሪሳ እያ።

እቲ ብገበን ዝተቐትለ በዓል ቤታ ዳንኤል ብሮፊ፡ ኣብ ሓደ ትካል መግቢ ኦሪገን፡ ሕፉርን ክቡርን ከሻንን መምህርን እዩ ነይሩ።

ብሰነ 2018 ከኣ፡ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ትካል፡ ኣብ ክሽነ ክልተ ግዜ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ ተረኽበ። እታ በዓል ቤታ ዝሞታ ሰበይቱ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቕትለት “ገበነኛ” ተባሂላ ተፈሪዳ።

እቲ ገበን ቅድሚ ምፍጻሙ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ "ንሰብኣይካ ብኸመይ ትቐትሎ" ብዝብል ቴማ ብክራምተን ብሮፍይ፡ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከኣ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ።

ኣብቲ ሕጂ ካብ መርበብ እተደምሰሰ ጽሑፍ፡ "[ኣነ] ብዛዕባ ቅትለት ዝፈልጦ፡ ነፍሲ ወከፍና ብስምዒት ክንድፋእ እንከሎና ኣብ ውሽጥና ስምዒት ቅትለት ከምዘለና እዩ" ክትብል ጽሒፋ ነይራ።

"ሰባት ካብ ትቐትሎም ክሞቱልካ ክትምነ ይቐልል፡" ኢላ ቅድሚ ምጽሓፋ ከኣ፡ ንሰባት ብጠበንጃ፡ ብኻራ፡ ብስሚ/መርዚ ወይ ከኣ ብማህረምቲ ክትቀትሎም ከም እትኽእል ሓቢራ ነይራ።

ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ "እቲ ቅትለት ናጻ ከውጽኣኒ ዝኽእል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግዜ ከሕልፍ ኣይደልን እየ" ኢላ ።

እታ ዳኛ፡ እቲ ጽሑፋ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ከም ናይ ሰሚናር ጽሑፍ ስለ እተጻሕፈ፡ ኣብ መጋባእያ ከም መርትዖ ክቐርብ ኣይተቐበለቶን። ይዅን እምበር እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ'ውን ነቲ ጽሑፍ ከም መርትዖ ክቐርበሎም ኣይደለይዎን።

ንሳቶም፡ ክራምፕተን ብሮፊ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገም ወዲቘም ስለዝነበሩ፡ ዓቕላ ስለ ዝጸበባ ናይ መድሕን ክፍሊት ንኽተረክብ ንበዓል ቤታ ኽትቀትል ከም እተደረኸትን ከምዝቐተለቶን ተማጒቶም።

ድሕሪ ሞቱ ከኣ ነቲ ብመድሕን/ኢንሹራንስ እተረኽበ ርቡሕ ገንዘብ ናብ ጁባኣ ከም ዘእተወቶ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ቅትለት እተፈጸመሉ እዋን ክራምተን ብሮፊ በዓል ቤታ ናብ ስርሑ ክኸይድ እንከሎ ብመኪና እናሰዓበት ከም ዝሰለየቶ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ፖሊስ፡ ዋላ’ኳ ነቲ ናይ ቅትለት ብረት እንተ ዘይረኸብዎ፡ ሰበይቱ፡ ምስቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ብረት ሓደ ዓይነት ስርሓትን ሞዴልን ዘለዎ ብረት ከም ዝዓደገት ፈለጦም።

እታ ንመትከላ ባዕላ ዝሰዓበቶ ደራሲት፡ ካብታ ብሮፊ ዝሞተላ ንግሆ ኣትሒዛ፡ "ናይ ምዝካር ጸገም" ከም ዘለዋ ገለጸት።

ነቲ ናብቲ ኢንስቲትዩት ክትዝውር እንከላ ዘርኢ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ምስሊ ግን ክትክሕዶ ኣይከኣለትን።

እቲ 12 ሰባት ዝነበርዎ መጋባእያ፡ ነቲ ጉዳይ ብዝርዝር ድሕሪ ምስምዑ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ንበዓል ቤታ ብደይ መደይ ከም ዝቐተለት ኣብ መደምደምታ ስለዝበጽሐ ገበነኛ ኰይና ረኺብዋ።

ብሰኑይ ከኣ ማእሰርቲ 25 ዓመታት ተበይኑላ፤ ጠበቓታታ ግን ይግባይ ከም ዝብሉ ገሊጾም ኣለው ።

ቅድሚ እቲ ምሃብ ውሳነ፡ ፈተውትን ኣባላት ስድራን እቲ መዋቲ ከሻኒ መግቢ ዘረባኦም ኣስሚዖም።

ካብ ቀዳማይ ሓዳራ ዝውለድ ናትናኤል ስቲላይት ዝስሙ ወዳ ከኣ፡ "ሓሶት፡ ስርቂ፡ ምትላል፡ ምጥፍፋእ ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ነቲ ቀንዲ ኣድናቒኺ ሰብኣይኪ ክትቀትልዮ መሪጽኪ” ብምባል ነቲ “ግጉይ ሰብኣይ” ክትብል ዝጸሓፈቶ ኣርእስቲ መጽሓፋ ብምግምጣል “ ግግይቲ ሰበይቲ” ክብል ገሊጽዋ።