ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝተረስዑ ምሩኻት ኲናት

ወዲ 92 ዓመት ሊ ዳይ-ቦንግ ካብ ዓራቱ ክትስእ ባህ ኣይብሎን።

ሰለስተ ኣጻብዕቲ ጸጋማይ ኢዱ ተቖሪጸን እየን፤ ብሰንኪ ኲናት ዘይኰነስ፡ ኣብ ዕደና ከሰል ሰሜን ኮርያ ተገዲዱ ን54 ዓመታት ብምስርሑ ዝመጸ’ዩ።

ንሱ ወተሃደር ደቡብ ኮርያ ኰይኑ ኣብቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ኣረሜናዊ ኲናት ተሳቲፉ’ዩ።

ብ28 ሰነ 1953 ዕርቂ ቅድሚ ምፍጻሙ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን ድማ ኣብ ጎኒ ሰሜን ኮርያ ይዋግኡ ብዝነበሩ ወተሃደራት ቻይና ተማሪኹ።

ኲናት ኮርያ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ካብ 50 ክሳብ 80 ሽሕ ምሩኻት ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ኣብ ሰሜን ኮርያ ተሪፎም።

ሰሜን ኮርያ እሱራት ኣይመለሰትን። ሊ ዳይ-ቦንግ ሓደ ካብኣቶም እዩ፤ ንሱን ካልኦት ኣዝዮም ውሑዳትን ንምህዳም ውዲት ክኣለሙ ተገዲዶም እዮም።

ሊ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ምርኮኡ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዕደና ከሰል ክሰርሕ፡ ቀጺሉ ድማ ንሓደ ሰሙን ስነ-ሓሳብ ሰሜን ኮርያ ከጽንዕ ተገዲዱ።

ኣብ 1956 ንሱን እቶም ካልኦት እሱራትን ወተሃደራዊ መዓርጎም ተገፊፉ ክምርዓዉን ምስ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱን ተነጊርዎም።

ንሳቶምን ስድራቤቶምን ግን፡ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ናይቲ ተሪር ማሕበራዊ ስርዓተ-ዓሌት ሰሜን ኮርያ ተቐሚጦም።

ንልዕሊ 50 ዓመታት፡ መዓልቲ መዓልቲ ከሰል ምኹዓት ኣዝዩ ኣሰቃቒ'ኳ እንተነበረ፡ ሊ ግን እቲ ከጋጥም ዝኽእል መጉዳእትን ሞትን ክጻወሮ ከም ዝኸበዶ ይዛረብ።

ሓደ መዓልቲ ኢዱ ኣብ ናይ ከሰል መፍረዪ ማሽን ተቀርቂራ ሰለስተ ኣጻብዕቱ ተቖሪጸን፤ ዝተፈላለዩ ኣዕሩኽቱ ብተኸታታሊ ፍንጀራ ጋዝ ክሞቱ ስለዝረኣየ ግን እቲ መጉዳእቲ ቀሊል ኰይኑ ተሰሚዕዎ።

"ኣብ ዝኾነ ህሞት ትርጉም ዘይብሉ ሞት እናተጸበናን እናፈራሕናን ምሉእ መንእሰይ ዕድሜና ኣብቲ ዕደና ከሰል ኣሕሊፍና" ይብል።

"ዓደይ ብፍላይ ስድራይ ኣዝየ ናፊቐ። እንስሳታት ከይተረፉ፡ ሞቶም ክቃረብ ከሎ ናብ በዓቶም ይምለሱ እዮም።"

ብዙሓት ምሩኻት ኲናትን ስድራቤቶምን ንኽልቲአን ሃገራት ይወቅሱ።

ዝተፈላለዩ ፕረዚደንታት ደቡብ ኮርያ ምስ መራሕቲ ሰሜን ኮርያ ተራኺቦም እኳ እንተነበሩ፡ ምምላስ ምሩኻት ግን ኣብ ኣጀንዳኦም ድሩት እዩ ነይሩ።

ሰሜን ኮርያ 8000 እሱራት ጥራይ ድሕሪ ምፍታሓ፡ ካልኦት ምሩኻት ከም ዘለዉ ክትኣምን ኣይፈቐደትን።

ኣብ 2000 ኣብ መንጎ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኪም ዳየ-ጁንግን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኢልን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ጉዳይ እቶም ምሩኻት ኣይተለዓለን።

እዚ ህሞት እዚ ሊ ዳይ-ቦንግ ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ዝቖረጸሉ ነይሩ፤ ናብ ዓዱ ክምለስ እንተዀይኑ ድማ እቲ እንኮ መገዲ ካብ ማእሰርቲ ምምላጥ ምዃኑ ተረዲኡ።

ብዓልቲ ቤት ሊ ዳይ-ቦንግ ካብ እትመውት ነዊሕ ጸኒሓ እያ። እቲ እንኮ ወዱ ብሓደጋ ነተጉቲ ምስ ሞት፡ ሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እዩ፡ ሊ ጉዕዞኡ ጀሚሩ። እቲ ዕድሚኡ 77 ዓመት ዝበጽሐ ሊ፡ ክሳብ ክሳዱ ኣብ ማይ ውሽጢ ኣትዩ፡ ብሕድሕቡእ ሩባ ሰጊሩ ናብ ቻይና ኣትዩ።

ንሱ ሓደ ካብቶም ሃዲሞም ናብ ደቡብ ኮርያ ዝተመልሱ 80 እሱራት እዩ፤ ካብኣቶም ሕጂ ብህይወት ዘለዉ 13 ጥራይ እዮም።

እቶም ዝተረፉ ዓሰርተታት ኣሽሓት እሱራት ኣብቲ ነተጉቲ ክጠፍኡ ተገዲፎም። ብህይወት እንተሃልዮም፡ ውሑዳት ጥራይ እዮም።

ቻይ ኣህ-ኢን፡ ኣቡኣ ኣብ ዕደና ሰሜን ኮርያ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ጋዝ ክመውት ከሎ ጓል ሽዱሽተ ዓመት እያ ነይራ። ነዊሕ ከይጸንሐ ዓበይቲ ኣሓታ ኣብ ክንዲ ኣቡአን ክሰርሓ ተገዲደን።

ገና ኣብ ቤት ትምህርቲ ከላ፡ ብዘይዕረፍቲ ትህረምን ትድንደንን ነይራ። ስለምንታይ ስድራኣ ከም ዝተገለሉ ክርድኣ ኣይከኣለን። ድሒራ ኣሓታ ሕሹኽ ክብላኣ ምስ ሰምዐት፡ ኣቡኣ ወተሃደር ደቡብ ኮርያ ከም ዝነበረ ፈሊጣ።

"ንነዊሕ እዋን ጸሊአዮ ነይረ" ትብል እታ ካብ 2010 ጀሚራ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ወሰን ከተማ ሴኡል ትነብር ዘላ ቻይ።

"ኩላትና ክንሳቐ ምኽንያት ስለዝዀነ ኣዝየ እየ ወቒሰዮ።"

ኣብ 28 ዓመት ዕድሚኣ ካብቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝነበራ መሪር ህይወት ክትሃድም መሪጻ። መጀመርታ ናብ ቻይና ሰጊራ፡ ኣብኡ ድማ ን10 ዓመታት ተቐሚጣ። ኣቦኣ ጅግና ምዃኑ ዝተረድአት ኣብ ደቡብ ኮርያ ምስ በጽሐት እያ።

"ሕጂ ኣኽቢረዮ" ትብል። "ካብ ካልኦት ሰሜን ኮርያውያን ወገናት ዝተፈልየ ኰይኑ ይስምዓኒ፡ ምኽንያቱ ኣነ ጓል ሓደ ሕቡን ነባር ተጋዳላይ ኲናት ደቡብ ኮርያ እየ።"

ንሳ ባዕላ ግን ጓል ሓደ ንሃገሩ ህይወቱ ዝሃበ ገዲም ተጋዳላይ ምዃና መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ኣፍልጦ ኣይሃባን።

እቶም ናብ ዓዶም ዘይተመልሱ ምሩኻት ኲናት ከም ዝጠፍኡን ከም ዝሞቱን እዩ ዝሕሰብ፤ ከም ጀጋኑ ኲናት ድማ ኣይክበሩን።

"ደቡብ ኮርያ ሎሚ ሳላ ከም በዓል ኣቦይ ዝኣመሰሉ ሰባት እያ ዘላ፡ ስቓይና ግን ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ኣይረኸበን" ትብል፡ ንሳን ኣቡኣን ድማ ኣፍልጦ ክወሃቦም ትደሊ።

ኣስታት 280 ደቂ ምሩኻት ሃዲሞም ናብ ደቡብ ኮርያ ክበጽሑ ክኢሎም እዮም። ሓደ ካብዚኦም ሶን ሚዮንግ-ህዋ ኰይና ኣቦ መንበር ማሕበር ስድራቤት ምሩኻት ኲናት ኮርያ እያ፤ ንዓኣቶም ወኪላ ድማ ትቃለስ ኣላ።

"ደቂ እቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተኣሰሩ ምሩኻት ምስ ወለዶም ብዘለዎም ርክብ ምኽንያት ከም በደለኛ ተሳቒዮም እዮም። ኣብዚ ኣብ ደቡብ ኮርያ ድማ ኣፍልጦ ኣይተወሃበናን። ከምቲ ስድራቤት ካልኦት ዝወደቑ ገዳይም ተጋደልቲ ዝረኽብዎ ክብሪ ክወሃበና ንደሊ" ኢላ።

መንግስቲ ደቡብ ኮርያ፡ ምደባ ገዳይም ተጋደልቲ ንምቕያር መደብ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ዩ።

ድሕሪ ምእራጉ ናብ ዓዱ ዝተመልሰ ሊ ዳይ-ቦንግ፡ ስድአርኡ፣ ወለዱን ሓዉን ሞይቶም ጸኒሖምዎ።

ሊ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝሞቱ ዝነበሩ ኣዕሩኽቱ፡ ሓደ መዓልቲ ደቆም ኣብ ዓዶም ክቐብሩዎም ይልምኑ ምንባሮም ይዝክር።

እንተዀነ ግን ድሌቶም ገና ኣይተፈጸመን። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ዘይምህላዉ ድማ፡ ነዞም ስድራቤታት ናይ ገዛእ ርእሶም ሰላም ንምርካብ ክቃለሱ ኣገዲድዎም ይርከብ።

ሊ ዳይ-ቦንግን ቻይ ኣህ-ኢንን ሕጂ’ውን ክልቲአን ከም ሓንቲ ሃገር ክቖማ ድሌት ኣለዎም።

ቻይ ሬሳ ኣቡኣ ኣብ ደቡብ ኮርያ ክትቀብር ትህቅን።

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ክሳብ ሕጂ እቲ ብወግዒ ዝተገልጸ ዕላመአን ሰላምን ውሕደትን እዩ።

እቲ ዕርቂ 70 ዓመት እኳ እንተገበረ፡ እዚ ሕልሚ ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናረሓቐ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።