እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስጋ ከልቢ ምሻጥ ብገበን ከቕጽዕ'ዩ
ደቡብ ኮርያ፡ ኣኽላባት ምሕራድን ስጋኦም ምሻጥን ዘይሕጋዊ ዝገብር ዕማመ ኣጽዲቓ። እቲ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ኣብታ ሃገር ንዘመናት ዝጸንሐ ስጋ ከልቢ ናይ ምብላዕ ልምዲ ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ።
ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ነቲ ሓድሽ ሕጊ ድሕሪ ምድጋፎም እዩ ድማ ኣብ 2027 ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ "ቦሺንታንግ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስጋ ከልቢ፡ ብገለ ኣረጋውያን እታ ሃገር ከም ምቍር መግቢ እዩ ዝቝጸር፤ ይዅን’ምበር እዚ ስጋ ኣብ መንጐ ተመገብቲ ተፈታውነቱ ይንኪ ስለዘሎ፡ ደጊም ብመንእሰያት እታ ሃገር ተመራጺ ኣይኰነን።
እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ስጋ ከልቢ ምምጋብ ዝኽልክል ኣይክኸውንን እዩ።
ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ዳህሳስ ጋሉፕ፡ 8 ሚእታዊት ጥራይ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ 12 ኣዋርሕ፡ ስጋ ከልቢ ከምዝፈተኑ ይገለጹ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2015 ዝነበረ 27 ሚእታዊት ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ካብቶም ዳህሳስ ዝተገብረሎም ትሕቲ 20 ሚእታዊት ድማ ንሃልኪ ስጋ ከልቢ ዝድግፉ እዮም።
ሊ ቻይ-የዮን ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት ተምሃሪት፡ እቲ እገዳ መሰል እንስሳታት ንምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ ትገልጽ።
"ሎሚ ዝበዝሑ ሰባት እንስሳ ዘቤት ኣለዎም" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። "ኣኽላባት ሕጂ ከም ስድራቤት ኰይኖም እዮም፡ ኣባል ስድራና ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን።"
እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ንግዲ ስጋ ከልቢ ዘተኰረ እዩ - ኣኽላባት ብምሕራድ ዝተፈርዱ ሰባት ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ክቕጽዑ እንከለዉ፡ ሰባት ንስጋ ዝዀኑ ኣኽላባት ብምፍራይ ወይ ስጋ ከልቢ ብምሻጥ ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ድማ እንተበዝሐ ንኽልተ ዓመት ክእሰሩ ይኽእሉ።
ኣብ ስጋ ከልቢ ዝነጥፉ ሓረስቶትን ወነንቲ ቤት መግቢታትን ቅድሚ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኣማራጺ ምንጪ ስራሕን ኣታዊን ንምርካብ ናይ ሰለስተ ዓመት ግዜ ተዋሂብዎም ኣሎ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ 2023 ኣስታት 1600 ቤት መግቢ ስጋ ኣኽላባትን 1150 ሕርሻታት ኣኽላባትን ዝነበራ ኰይነን፡ ሕጂ ኵለን ትካላት ንግደን ደረጃ ብደረጃ ዘቋርጻሉ ዕማም ንከባቢ ሰበስልጣን ከቕርባ ክግደዳ እየን።
መንግስቲ ነቶም ኣብ ስጋ ከልቢ ዝነጥፉ ንሓረስቶት፡ ሓራድትን ወነንቲ ቤት መግቢታትን ምሉእ ብምሉእ ደገፍ ክህብ ቃል ኣትዩ ኣሎ። እንተዀነ ዝርዝር ናይቲ ዘቕርቦ ካሕሳ እንታይ ከምዝዀነ ገና ዝስራሓሉ’ዩ ክኸውን።
ወዲ 86 ዓመት ኪም ሴኦን-ሆ በቲ እገዳ ሕጕስ ኣይኰነን።
"ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚርና እንበልዖ መግቢ እዩ። ስለምንታይ ባህላዊ መግብና ምብላዕ ደው ነብል?" ይብል። "ስጋ ከልቢ እንተኣጊድካ፡ ስጋ ከብቲ’ውን ክትእግድ ኣለካ።"
ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ መንግስታት ካብ 1980ታት ጀሚሩ ስጋ ከልቢ ክእግዱ ቃል ኣትዮም እኳ እንተነበሩ፡ ዝተረኣዩ ምዕባለታት ግን ኣይነበሩን።
ኣብዚ እዋን ዘመሓድር ዘሎ ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዮልን ቀዳመይቲ እመቤት ኪም ኬዮን ሂን ግን ፍሉጣት ኣፍቀርቲ እንስሳታት እዮም - ሽዱሽተ ኣኽላባት ኣለውዎም፤ ቀዳመይቲ እመቤት ኪም ድማ ኣኽላባት ናይ ምብላዕ ልምዲ ደው ክብል ጸዊዓ እያ።
ንነዊሕ እዋን ነቲ እገዳ ክደፍኡ ዝጸንሑ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት እንስሳታት፡ ንውጽኢት ናይቲ ብሰሉስ ብኣባላት ባይቶ ዝተዋህበ ድምጺ ንኢዶም ኣለዉ።
ኣብ ማሕበር ሰብኣውነት ኮርያ ፈጻሚት ዳይረክተር ዝዀነት ጁንግ ኣህ ቼ፡ ኣብ ዕድመኣ እቲ እገዳ ምርኣያ ከምዘገረማ ትገልጽ።
"እዚ ለውጢ ንዝደንጐዮም ኵሎም ሚልዮናት ኣኽላባት ክሓእዝን እንከለኹ፡ ደቡብ ኮርያ ሕጂ ነዚ ሕሱም ምዕራፍ ታሪኽና ዓጽያ ንኣኽላባት ዝምችእ መጻኢ ክትሓቁፍ ብምኽኣላ ግን ኣዝየ ሕጕስቲ እየ" ኢላ።
ሓረስቶት ስጋ ከልቢ ኣንጻር እቲ እገዳ ጐስጓስ ኣካይዶም ነይሮም። ንሳቶም፡ ኣብ መንእሰያት እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ተፈታውነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ተግባር ምስ ግዜ ብተፈጥሮኡ ክመውት ክፍቀደሉ ኣለዎ ኢሎም ይምጕቱ።
ብዙሓት ሓረስቶትን ወነንቲ ኣብያተ መግቢታትን ኣረጋውያን እዮም፤ ኣብዚ ዕድመኦም መነባብሮኦም ንምቕያር ከጸግሞም ምዃኑ ድማ ይዛረቡ።
ጁ ዮንግ-ቦንግ ዝተበሃለ ሓረስታይ ኣኽላባት፡ እቲ ኢንዱስትሪ ይዳኸም ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ድሕሪ 10 ዓመት እቲ ኢንዱስትሪ ምጠፍአ ነይሩ። ኣብ 60ታትን 70ታትን ዕድመ ዘለና ሕጂ መነባብሮና ካብ ምስኣን ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ የብልናን" ይብል። እዚ "ሰባት ዝፈትውዎ ናይ ምብላዕ ነጻነት ምግሃስ'ዩ" ክብል ይውስኽ።
ኣብ 60ታት ዕድመ እትርከብ ወናኒት ቤት መግቢ ስጋ ከልቢ ሚስስ ኪም፡ በቲ እገዳ ከምዝተበሳጨወት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ቍጽሪ እንስሳ ዘቤት ዘለዎም ሰባት እናወሰኸ ብምምጽኡ ድማ ወቒሳ።
"መንእሰያት ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣይምርዓዉን'ዮም፡ ስለዚ ንእንስሳ ዘቤት ከም ስድራቤት ይሓስብዎም። መግቢ ግን መግቢ'ዩ። ስጋ ከልቢ ተቐቢልና ኣብ ጽሬት ዘለዎ ሃዋህው ከነዕብዮምን ክንሓርዶምን ይግባእ" ትብል።
"ኣብ ከም ቻይናን ቬትናምን ዝበላ ካልኦት ሃገራት ኣኽላባት ይብልዑ እዮም፤ ስለዚ ንምንታይ ኢና ንእግዶ ዘለና?" ክትብል ትሓትት።