ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ዓባይ ነፋሪት ኣብ ሰኔጋል ተሓምሺሻ

ሓንቲ ቦይንግ 737-300 ዝዓይነታ ናይ ገያሾ ነፋሪት ኣብ ምብጋሳ ከም ዝተሓምሸሸት ጸብጻባት ሓቢሮም።

እታ ብመንገዲ ኣየር ሰኔጋል እትውነን ነፋሪት ናብ ርእሰከተማ ባማኮ (ማሊ) ንምብራር ኣብ ዝተበገሰትሉ እዋን'ያ ካብቲ መሐንበቢ (ራንወይ) ወጺኣ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ዳካር ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 11 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ። ኣርባዕተ ካብኦም ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶም'ዮም።

ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት ቀሊል መጉዳእቲ ክበጽሖ እንከሎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም 78 ኣብታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ገያሾ ግን ብድሓን ወጺኦም ኣለዉ።

ብሰንኪ'ቲ ሓደጋ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ብለይዝ ዲያኘ ንጥፈታቱ ደው ከብል ከም ዝተገደደ'ውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ።

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋ ነቶም ገያሾ ካብቲ ቦታ ሓደጋ ኣብ ምእላይ ከም ዝተዋፈሩ ሰብመዚ መዓርፎ ነፈርቲ ዘውጽእዎ መግለጺ የመልክት።

ጠንቂ ናይቲ ፍርቂ-ለይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ተጀሚሩ'ሎ።

እቲ ብሰንኪ ጉዳይ ውሕስነት ዝሰርሐን ነፈርቱ ዝንቀፍ ዘሎ ትካል ቦይንግ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ሓደጋ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ሓንቲ በቲ ትካል ዝተሰርሐት መንገዲ ኣየር ኣላስካ ዝውንና ቦይንግ 737 ማክስ፡ ተረጊጡ ዝነበረ ማዕጾኣ ተነቒሉ ድሕሪ ምውዳቑ ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣቐዲመን ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዝተሓምሸሻ 737 ማክስ ህይወት ኣማኢት ሰባት ምቕዛፈን'ውን ነቲ ትካል ኣብ ቅልውላው ኣእትዩዎ ጸኒሑ'ዩ።

ሓደ ተቖጻጻሪ ደረጃ ብቕዓት ብምዃን ምስ ሓደ መሻርኽቲ ቦይንግ ዝሰርሕ ዝነበረ ክኢላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እታ ነፋሪት ምስ ዘለዋ ከቢድ ኣበራት ኣካላታ ካብ ፋብሪካ ክትወጽእ ምጽንሓ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ዝሰርሓሉ 'ስፒሪት ኤሮሲስተምስ' ዝተባህለ ትካል ግን፡ ምስቲ ዝሃቦ ገምጋም ከም ዘይሰማማዕ'ዩ ዝገልጽ።