ጽንብል በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም - ብስእሊ

ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ፡

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ድሒሮም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ንክልተ ሰዓት ዝቐጸለ ጽንብል ተሳቲፎም እዮም

ኣብተን ጐርጐሪዮሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዝኽተላ ሃገራት፡ ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍ ዘስፈሮ፡ ዝኽሪ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ - ዓርቢ - ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ - ሰንበት - ዝተንስኣሉ መዓልቲ ትንሳኤ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ጽንብል ይዝከር ኣሎ። ብዙሓት ድማ ቀዳም ምሸት ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተረኺቦም ሽምዓ ብምብራህ፡ ጸሎትን ውዳሰን ነቲ ዕለት ይጽንብልዎ።

ኣብ ዝኽሪ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘይተሳተፉሉ እዋን ኣብ ዛዕባ ዳግማይ ስክፍታ ተፈጢሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝኽሪ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘይተሳተፉሉ እዋን ኣብ ዛዕባ ዳግማይ ስክፍታ ተፈጢሩ ነይሩ።
እቶም ጳጳስ ነዊሕ ስብከት ኣንቢቦም

ምንጪ ስእሊ, GIUSEPPE LAMI/EPA-EFE/REX/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, እቶም ጳጳስ ነዊሕ ስብከት ኣንቢቦም፡ ቅድሚ ሰንበት ንግሆ መልእኽቲ ፋሲካ ቅድሚ ምሕላፎም ድማ ብርክት ዝበሉ ጥምቀታት ኣካይዶም
ኣብ ፊሊፒንስ ኣመንቲ ነቲ ሃይማኖታዊ ሰልፊ ንምርኣይ ኣብ ሓደ መደያይቦ ብጻዕቂ ይረኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፊሊፒንስ ኣመንቲ ነቲ ሃይማኖታዊ ሰልፊ ንምርኣይ ኣብ ሓደ መደያይቦ ብጻዕቂ ይረኣዩ
ህጻናት ማኒላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ህጻናት ማኒላ - ርእሰ ከተማ ፊሊፒንስ - ቅድሚ'ቲ ብለይቲ ዝካየድ ጽንብል "ክዳን መልኣኽቲ" ተኸዲኖም
ኣብ ናይሮቢ ኪበራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ኣመንቲ ቤተክርስትያን ፎርት የሱስ - ሓቢሮም ሽምዓ ወሊዖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይሮቢ ኪበራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ኣመንቲ ቤተክርስትያን ፎርት የሱስ - ሓቢሮም ሽምዓ ወሊዖም
ኣብኡ ዝነበሩ ካህናት ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያን ሓዊ ብምውላዕ ነቲ ስነስርዓት መሪሖምዎ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብኡ ዝነበሩ ካህናት ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያን ሓዊ ብምውላዕ ነቲ ስነስርዓት መሪሖምዎ፤ ድሒሩ እቲ ስነስርዓት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስታን ቀጺሉ
ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ካቴድራል ቅድስቲ ስላሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰንበት ፋሲካ ኣገልግሎት፡ ዝተሳተፈት ሓንቲ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ካቴድራል ቅድስቲ ስላሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰንበት ፋሲካ ኣገልግሎት፡ ዝተሳተፈት ሓንቲ ሰበይቲ
ሓደ ካቶሊካዊ ካህን ኣብ ካቱዋፒቲያ ሲሪላንካ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰባስቲያን ንሓንቲ ኣደ ቅዱስ ቁርባን እናሃቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካቶሊካዊ ካህን ኣብ ካቱዋፒቲያ ሲሪላንካ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰባስቲያን ንሓንቲ ኣደ ቅዱስ ቁርባን እናሃቡ
ኣብ ዒራቕ ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ኣብ እዋን ጽምብል መስቀል ክስዕም ንቕድሚት ወጺኡ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዒራቕ ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ኣብ እዋን ጽምብል መስቀል ክስዕም ንቕድሚት ወጺኡ ይርአ
ንህይወት የሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኣብ ካስትል ፕራግ - ቸክ ሪፓብሊክ - ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ፋሲካ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ንህይወት የሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኣብ ካስትል ፕራግ - ቸክ ሪፓብሊክ - ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ፋሲካ