ጽንብል በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም - ብስእሊ

ኣብተን ጐርጐሪዮሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዝኽተላ ሃገራት፡ ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍ ዘስፈሮ፡ ዝኽሪ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ - ዓርቢ - ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ - ሰንበት - ዝተንስኣሉ መዓልቲ ትንሳኤ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ጽንብል ይዝከር ኣሎ። ብዙሓት ድማ ቀዳም ምሸት ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተረኺቦም ሽምዓ ብምብራህ፡ ጸሎትን ውዳሰን ነቲ ዕለት ይጽንብልዎ።