እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጽንብል በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም - ብስእሊ
ኣብተን ጐርጐሪዮሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዝኽተላ ሃገራት፡ ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍ ዘስፈሮ፡ ዝኽሪ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ - ዓርቢ - ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ - ሰንበት - ዝተንስኣሉ መዓልቲ ትንሳኤ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ጽንብል ይዝከር ኣሎ። ብዙሓት ድማ ቀዳም ምሸት ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተረኺቦም ሽምዓ ብምብራህ፡ ጸሎትን ውዳሰን ነቲ ዕለት ይጽንብልዎ።