ሱዳን ናይ ምክፍፋል ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል'ዩ - መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ

እቲ ሕጂ ንሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ጁንታ "ንሰላማዊ ፍታሕ ድልው ስለዘይኮነ" እታ ሃገር ከይትምቀል ስግኣት ከምዘሎ መራሒ ሓደ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ገሊጹ።

ሳሕቲ ቃለመሕትት ዘካይድ መራሒ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLA-North) ዓብደልዓዚዝ ኣል-ሂሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኣብ ካርቱም ዘሎ መንግስቲ እንተዘይተቐይሩ፡ ጉጅልኡ ንናጽነት ዞባ ኑባ ምንቅስቓስ ክገብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ።

ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን-ሰሜን፡ ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ኑባ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ንገለ ክፋል ሰማያዊ ናይል ተቆጻጺሩ ይርከብ።

ዓብደልዓዚዝ ኣል-ሂሉ፡ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ድልየቱ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ከምዝኾነ ይዛረብ።

ንሱ፡ ጉጅልኡ "ሓድነት ዝመርጽ" ከምዝኾነ'ኳ እንተገለጸ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነታ "ምፍልላይ"ን "ወጽዓ"ን ትመርጽ ዝበላ ናይ ቀደም ሱዳን ክዕቅባ እንተደልዩ ግን "ናጽነት ክንመርጽ ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ።

ማሕበረሰባት ኑባ ንዓሰርተታት ዓመታት ተገሊሎም ጸኒሖም እዮም። ተቐቲሎም፡ ተሳቒዮም፡ ካብ መሬቶም ተባሪሮምን ብሓይሊ ናብ እስልምና ተቐይሮምን።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን፡ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ሰላማውያን ሰባት ከለዓዕሉ ስለዝጸንሑ፡ ሰራዊት ኲናት ሓድሕድ ንምክልኻል ስጉምቲ ወሲዱ ብምባል ነቲ ሽዑ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝኣለዮ ይዝክር።

እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዓለምለኻዊ ውግዘት ኣስዒቡ ነይሩ። ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኩሎም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ፖለቲካዊ መራሕቲ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጠሊቦም ነይሮም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ’ውን፡ ሱዳን ሓንቲ ካብቶም ንኣፍሪቃን ኤስያን ዝጸልዉ ዘለዉ "ለበዳ ዕልዋ መንግስቲ" ዝራኣየላ ምዃና ብምግላጽ፡ "ዓበይቲ ሓይልታት" ዓለም ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቢለን "ውጽኢታዊ ምዕጋት" ክትግብራ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ "ኲናት ሓድሕድ" ንምክልኻል ስልጣን ከምዝሓዘ እዩ ዝምጉት።

ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ተወፋይነት ከምዘለዎ'ውን ወሲኹ ምሕባሩ ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ስልጣን ብሒቱ ይርከብ።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ክፍተን ዝጸንሐ ልዝብ ዛጊት ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ክወስዳ ኣይክኣለን ዘሎ።