እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሄይቲ፡ ካብ ሰብ ተስፋ ስኢኖም ናብ ኣምላኽ ዘቋምቱ ዘለው ዜጋታት
ኣብ ርእሰ ከተማ ሄይቲ ዝርከብ ሓደ መሓዛይ፡ ከተማና 'ኣብ ራዕዲ'ያ' እያ ዘላ ዝብል መልእኽቲ ሰዲዱለይ።
ነበርቲ ናይቲ ሃብታማት ዝነብሩሉ ክፋል ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ዝኾነ ፔሽንቪል፡ ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጸጥታ ርዒዶም ኣለው።
ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾኑ ብጥይት ዝተሃርሙ - ግዳያት ናይቲ ዳሕረዋይ ዕግርግር ዝኾኑ - ሬሳታት ኣብ ጽርግያ ተደርቢዮም ይረኣዩ።
ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ሓደ ዳኛ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። እዚ ነቶም ንስልጣን ዝወዳደሩ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ንጹር መልእኽቲ'ዩ።
እዚ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ ኣብቲ ውሑስ ዝበሃል ክፋል ናይታ ከተማ’ዩ።
ሓላፊት ዩኒሴፍ ካትሪን ራስል፡ ኩነታት ሄይቲ "ዘስካሕክሕ'ዩ " ብምባል ነቲ ሕጊ ኣልቦነት ምስታ ድሕሪ ኣፖካሊፕቲክ ዝተሰርሐት ፊልም ማድ ማክስ ኣመሳሲላቶ።
ብርግጽ እቲ ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝተራእየ ዳሕረዋይ ዓመጽ፡ ሄይቲ ካብ ምርግጋእ ንላዕሊ ናብ ስርዓት ኣልቦነት ትሰጋገር ከምዘላ ዘርኢ'ዩ።
ብሰንኪ ምዕጻው ብዙሓት ሆስፒታላት እታ ከተማ፡ ኣስታት 3,000 ነፍሰጾራት ብዘይ ዝኾነ ክንክን ሕክምና ክወልዳ ስግኣት ገጢምወን ምህላው ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ናብ ክፍሊ መወልዳን ናይቲ ኣብ ካፕ ሃይቺን ዝርከብ ህዝባዊ ሆስፒታል በጺሕና። ናይ መጀመርታ ኣውያት ናይታ ጓል ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝነበረት ህጻን ዉድሊ'ዩ ተቐቢልና፡ እታ ህጻን መግብን ዝሓሸ ኵነታትን ደልያ'ያ ትጣራዕ ነይራ።
ከም መብዛሕትኦም ኣብኡ ዝውለዱ ህጻናት ግን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ኣብ ሄይቲ ብቐሊሉ ዝርከቡ ከምዘይኰኑ ክትርዳእ እያ።
ኣብ ጎና ኣብ ዝነበረ ካልእ ዓራት ደቂሳ ዝረኸብናያ ማርኪንሰን ጆሴፍ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ወዲ ወሊዳ ኣብ ምሕዋይ እያ ነይራ። ብሓደ ተርጓሚ ኣቢላ ድማ ዕድል እንተረኺባ ንወዳ ጠቕሊላ ካብ ሃገር ክተውጽኦ ከምእትደሊ ነጊራትኒ። "ኣነን በዓል ቤተይን ግን ንሃድመሉ ገንዘብ የብልናን" ትብል።
ዶክተር ማርዶሽ ክለርቪል ዝተባህለ ናይቲ ሆስፒታል ሓኪም ማህጸን፡ ኣብቲ ሆስፒታል ጸልማትን ባዶን ክፍልታት ኣርእዩና፡ እቶም ጕጅለታት ናብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዘእቱን ዘውጽን ጽርግያታት ምቁጽጻሮም፡ መብራህቲ ንምውላዕ እኹል ነዳዲ ንምርካብ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ሓቢሩ።
ብዓቢኡ ድማ ዘድልዮም መድሃኒታትን መሳርሒታትን ንምምጻእ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ።
ነፍሰጾራት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ኣብ ውሑስ ቦታ ካፕ-ሃይቺን ንኽወልዳ ከምዝተጓዕዛ እቲ ዶክተር ይገልጽ።
"ከምዚ ትርእይዎ ዘለኹም እኹል ዓራውትን ሰራሕተኛታትን ኣለና" ብምባል ናብታ ብድሕሪኡ ዝነበረት ጋንታ ነርስታትን ተለማመድቲ ነርስታትን ምልክት ገበረ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቶም ሕሙማት ብሰንኪ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማቶም ወይ ድማ ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ክመጽኡና ኣይክእሉን እዮም" ኢሉ።
ንገሊኦም ድማ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ኣስዒቡሎም እዩ።
ሉዊዝማኒ ናብ ሆስፒታል ክትኣቱ እንከላ ናይ ሸሞንተ ወርሕን ፈረቓን ነፍሰጾር እያ ነይራ። ኣብቲ እዋን፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ልዑል ጸቕጢ ደም ስለ ዝነበራ ነቲ ኣብ ማህጸና ዝነበረ ህጻን ከሲራቶ።
ፕሪክላምፕስያ ብግቡእ ምክትታል እንተዝግበረላ፡ ወይ እቲ ህጻን ብኣግኡ እንተዝወልድ ክድሕን ምኽኣለ ነይሩ።
እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፤ እቲ ዝተዋሃበ ናይ ሓገዝ ምላሽ ግና ኣዝዩ ዝደንጐየ እዩ።
ንህይወት ኣገደስቲ ዝኾኑ ከም - መግቢ፡ ማይን ውሑስ መጽለልን - ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ብሚልዮናት ንዝቍጸሩ ኣጸጋሚ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ፡ ፋራ ኦክሲማን ትሽዓተ ደቃን ካብቲ እቶም ጉጅለታት ዝቈጻጸርዎ ግጭት ዝበዝሖ ከባቢ ናብ ካልእ ክፋል እታ ከተማ ክሃድሙ ተገዲዶም።
ንሳን ደቃን ካብቶም ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣብታ ሃገር ካብ ቤት ንብረቶም ዝተፈናቐሉ ልዕሊ 360 ሽሕ ሰባት'ዮም።
ፋራ ኦክሲማ ጓል 39 ዓመት እያ። ኣብ ጽርግያ ካብ ዝርከብ ቡንቧ ማይ ብጀሪካን ክትመልእ ከላ፡ ንኣሽቱ ደቃ ዘድልዮም መግብን ማይን ንምቕራብ ትቃለስ ከም ዝነበረት ክንዕዘብ ክኢልና።
"እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን እየ፡ ሃገር ክትፈርስ እየ ዝዕዘብ ዘለኹ" ትብል።
ንሳ ኣስዒባ "እዚ ኩነታት ክቕይሮ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ምኽንያቱ ካብቲ ኮፍ ኢለሉ ዘለኹ ካልእ ለውጢ ካበይ ከም ዝመጽእ ክርኢ ስለዘይክእል" ክትብል ብናይ ተስፋ ምቑራጽ መንፈስ ገሊጻ።