ዋንጫ ዓለም 2022፡ ኣርጀንቲና ዶ ክርኤሽያ? ሜሲ ዶ ሞድሪች ሎሚ ይደምቁ?

ክልትኦም ዕውታት ባሎንዲኦር’ዮም፡ ክልቲኦም ማልያ ቁጽሪ 10’ዮም ዝለብሱ፡ ክልቲኦም ናብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም በጺሖም ተሳዒሮም’ዮም፡ ሕጂ ሓዲኦም ናብ ፍጻመ ክሓልፉ’ዩ፡ ኣርጀንቲና ዶ ክርኤሽያ? ሜሲ ዶ ሞድሪች ሎሚ ይደምቁ ሰዓት ዓሰርተ ምሸት ዝጅምር ጸወታ ክምልሶ’ዩ።
ሜሲ ወዲ 35 ዓመት’ዩ ሊካ ሞድሪች ከኣ ወዲ 37 ዓመት፡ ንዕድሚኦም ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ናይ መወዳእትኦም ክኸውን ከምዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት’ዩ፡ እሞ ቅድሚ ጫምኦም ምስቓሎም ድኣ መን’ዩ ዛንትኡ ብቂሐ ጽልሚ ክዛዝሞ?
ካብ ኣርጀንቲናን ካብ ክርኤሽያን ዝሰዓረት፡ ካብ ሞሮኮን ፈረንሳን ምስ ዝሰዓረት’ያ ሰንበት ጸወታ ፍጻመ ክተካይድ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ ክልቲኦም መን’ዩ ጸብለል ኢሉ ዘሎ?
ክልቲኦም ሃገራውያን ጋንታታቶም ነዚ በጺሐንኦ ዘለዋ ደረጃ ንኽበጽሓ ዕዙዝ ኣበርክቶ’ዮም ገይሮም፡ ሃገራቶም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ንኽሓልፋ’ውን ክልቲኦም ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊቦም’ዮም።
ሜሲ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሆላንድ ብፍጹም ቅላዕ ኣብ ዝሰዓረትሉ ነታ ቀዳመይቲ ፍጹም ቅላዕ ሃሪሙ ኣመዝጊብዎ: ሊካ ሞድሪች ብወገኑ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ብራዚል ዓወት ኣብ ዘመዝገበትሉ ነታ ሳልሰይቲ ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊብዋ።
ሉካ ሞድሪች ብሓፈሻ ንናይ 2018 ኣብ ልዕሊ ዴንማርክን ሩስያን ዘመዝገበን ፍጹም ቅላዕ ሓዊስካ እቲ እንኮ ኣብ ሰለስተ ጸወታታት ኣውዲቅካ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ፍጹም ቅላዕ ዘመዝገበ ተጻዋታይ’ዩ።
ብሓፈሻ ሜሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣርባዕተ ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ ክልተ ንሸቶ ዝኾና ኮዓሳሱ ከሺኑ ኣቐቢሉ፡ ሉካ ሞድሪች ግን ክሳብ ሕጂ ሸቶ ኣይመዝበን ንሸቶ ትኸውን ኩዕሶ’ውን ኣየቐበለን፤ እንተኾነ ሜሲ ኣጥቃዓይ ሉካ ሞድሪች ከኣ ኣከፋፋሊ ስለዝኾነ ፍልልይ ክመጽእ ንቡር’ዩ።
ልዮኔል ሜሲ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ ጽብቕቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገብ፡ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝን ማንቸስተር ዩናይትድን ነበር ርዮ ፈርዲናንድ “ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝርኣኽዎ ውልቃዊ ብቕዓት ዝተፈለየን ዝበለጸን ኣብ ሜሲ ይርእዮ ኣለኹ፡ ከምዚ ዓይነት ብቕዓት ርእየ ኣይፈልጥን’የ” ብምባል ኣብ ልዕሊ ሜሲ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።
ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና መጻውትቲ ሜሲ ዝነበረ ፓብሎ ዛባሌታ ብወገኑ “ከምዝመስለኒ ሜሲ እዛ ዋንጫ ዓለም ናይ መወዳእትኡ ምዃና ዝተርድኣ ይመስል ርግእ ኢሉ ናይ ዘለዎ’ዩ ዝጻወት ዘሎ” ኢሉ።
ሉካ ሞድሪች ኣብቲ ኣንጻር ብራዚል ዝነበሮም ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ብዘርኣዮ ብቕዓት የዕንቲ ብዙሓት’ዩ ስሒቡ።
ተጻዋታይ ቶተንሃም ዝነበረ ሚካህ ሪቻርድስ “ናብ ደቂ ጋንትኡ ወሰንቲ ኩዓሳሱ ብምቕባል፡ ንጸወታ ኣብ ምቁጻጽርን ብዘርአዮ ብቕዓት ንብራዚል ልቦም’ዩ ኣጥፊእሎም ከም ውጽኢቱ ከኣ ሞደሪችን ክርኤሽያን ተዓዊተን” ኢሉ።
ሜሲ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 25 ቅልዓት ናብ ልዳት ክሃርም እንከሎ እተን 12 ብልክዕ ናብ ልዳት ዝኸዳ’የን በዚ ከኣ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ዝበዝሐ ቅልዓት ብምህራም ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።
ሞድሪች ናብ ደቂ ጋንታኡ 201 ኩዓሳሱ ብምቕባል ኣብ ሳልሳይ ክስራዕ እንከሎ፡ ሜሲ ብ171 ኣብ ሻሙናይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ዘመዝገብዎ ዓወታት ከ ከመይ'ዩ?
ሜሲ ኣብ 2014 ሞድሪች ከኣ ኣብ 2018 ናብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም በጺሖም ተሳዒሮም’ዮም።
ኣርጀንቲና ኣብ 2014 ዋንጫ ዓለም ብጀርመን 1 ብ 0 ክትስዓር እንከላ ክርኤሽያ ብወገና ኣብ 2018 ብፈረንሳ 4 ን 2 ተሳዒራ።
ሜሲ ኣብ 2014 ሉካ ሞድሪች ከኣ ኣብ 2018 ተዓወትቲ ባሎንዶኦር ክኾኑ ክኢሎም’ዮም።
ሜሲ በዛ ሎሚ ዘካይዳ ጸወታ ተሓጊዙ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ 25 ጸወታታት ብምስላፍ ምስ ጀርመናዊ ሉተር ማትያስ ክመዓራረ’ዩ። ይስዓር ይሰዓር ብዘየገድስ ከኣ እንተስ ንዋንጫ እንተስ ንሳልሳይ ደረጃ ጸወታ ስለዝህልዎ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝበዝሐ ጸወታታት ዝተሰለፈ ተጻዋታይ ተባሂሉ ክብረ ወሰን ክሰብር’ዩ።
ሜሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብሓፈሻ 10 ሸቶታት ኣመዝጊቡ’ሎ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክንዲ ናይ ሜሲ ሸቶታት ዘመዝገቡ ተጻወትቲ ሸውዓተ ጥራይ’ዮም፡ ጀርመናዊ ሚሮስላቭ ክሎስ ከኣ ብ16 ሸቶታት ኣብ ቅደሚት ኣሎ።
ሜሲ ኣብ 170 ንሃገሩ ወኪሉ ዘካየዶ ጸወታታት 95 ሸቶታት ከምዝግብ እንከሎ ሞድሪች ብወገኑ ንሃገሩ 160 ግዜ ብምጽዋት 23 ሸቶታት ኣቁጺሩ ኣሎ።
ሞድሪች፡ ኣብ ሓንቲ ዋንጫ ዓለም ሽዱሽተ ጸወታታት ዝተጻወተ ልዕሊ 37 ዓመት ዕድሚኡ ዝብል ክብሪ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።
ሞድሪች፡ ንክርኤሽያ ወኪሉ ኣብ 17 ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ብምጽዋት ናይ ሃገሩ ክብረ ወሰን ሒዙ ኣሎ።
ሜሲ ኮፓ ኣሜሪካ ክዕወት እንከሎ ሞድሪች ግን ንሃገሩ ኣህጉራዊ ዋንጫ ኣየዕተራን ዘሎ።
እቲ ዘገርም ሜሲ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ መጋቢት 2006 ኣንጻር ክርኤሽያ ኣብ ዝነበሮም ምሕዝነታዊ ጸወታ ተሰሊፉ ቀዳመይቲ ሸትኡ ከመዝግብ እንከሎ ሞድሪች’ውን ብተመሳሳሊ ሽዓ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲና ሸቶ ብምምዝጋብ ንሃገራዊት ጋንትኡ ፋልመይቲ ሸቶ ኣቑጺሩ።
ሎሚ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ንሜሲ መበል 1002 ዓለምለኻዊ ጸወትኡ ክኸውን እንከሎ ክሳብ ሕዚ 790 ሸቶታት ኣመዝጊቡ 339 ውዱኣት ኮዓሳሱ ከኣ ኣቐቢሉ።
ሜሲ ሸውዓት ግዜ ዝበለጸ ተጻወታይ እዛ ዓለም ክብሃል እንከሎ ሞድሪች ኣብ 2018 ነዚ ሽልማት ክሽለም በቒዑ ነይሩ።
ሞድሪች ሓሙሽተ ግዜ ቻምፕዮንስ ሊግ ክዕወት እንከሎ ሜሲ ኣርባዕተ ግዜ ተዓዊቱ።
ሜሲን ሞድሪችን ሎሚ ዝህልዎም ጸወታ ሓዊስካ ንሓድሕዶም 27 ግዜ’ዮም ተራኺቦም: ካብዚ እቲ 22 ኣብ ኣብ ኤል ክላሲኮ ዝተራኸብሉ’ዩ [ሜሲ ምስ ባርሲሎና ሞድሪች ምስ ርያል ማድሪድ]።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







