እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ቓዛ፡ ‘በጃኹም መጺእኩም ኣድሕኑኒ’ ጓል 6 ዓመት ፍልስጤማዊት ሂንደ ራጃብ ካብ ማእከል ሓዊ
ጓል ሽዱሽተ ዓመት ሂንደ ራጃብ ንመወዳእታ ግዜ፡ ብተሌፎን ድምጻ ክስማዕ እንከሎ ዝተዳኸመ ድምጺ’ዩ ነይሩ።
ንሳ “እታ ታንኪ ኣብ ጥቓይ’ያ ዘላ፡ ናባይ ገጻ ትቐርብ ኣላ” ክትብል ትስማዕ።
ኣብ ክፍሊ ኦፕሬተራት ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ኰይና ንድምጺ እታ ህጻን ትሰምዕ ዝነበረት ራና ከተህድኣ ትፍትን ነይራ።
“እታ ታንኪ ናባይ ትቐርብ ኣላ” ትብል ሂንደ ራጃብ።
ሂንደ ራጃብ፡ “በጃኺ መጺኺ ውሰድኒ፡ ኣዝየ ፈሪሐ ኣለኹ” ትብል ብናይ ምሕጽንታ ህጻናዊ ቃና።
ራና ብዘይካ ነቲ ምስ ሂንደ ራጃብ ትገብሮ ዝነበረት ዝርርብ ምቕጻል ካልእ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣይነበራን።
ጓል ሽዱሽተ ዓመት ሂንደ ራጃብ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ማእከል ሓዊ ኣብ ውሽጢ ናይ ኣኮኣ መኪና ኰይና’ያ ናይ ርድኡኒ ምሕጽንታ ተቕርብ ነይራ። ኵሎም እቶማ ኣብታ መኪና ዝነበሩ ኣዝማዳ ከኣ ሞይቶም’ዮም።
ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማእከል ኲናት ኣብ ማእከል ሬሳታት ኣዝማዳ።
ሂንደ፡ ድምጺ ራና እቲ እንኮ ምስ ዓለም ዘራኽባ ዝነበረ መስመር’ዩ፤ ካልእ ኵሉ ጸልማት’ዩ።
ንሳ፡ ኣብታ መዓልቲ’ያ ብመኪና ኣኮኣ ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ገዛኦም ምስ ኣኮኣ ሓትኖኣን ሓሙሽተ ደቂ ሓትኖኣን ደቂ ኣኮኣን’ያ ወጺኣ። ንምዝዋር ዘይኰነ ግን ኵሎም ካብ ሞት’ዮም ዝሃድሙ ነይሮም።
ሰኑይ 29 ጥሪ፤ ሰራዊት እስራኤል ኵሎም ነበርቲ ምዕራባዊ ገማግም ካብ ገዛኦም ክወጽኡ ስለዝኣዘዝዎም’ዮም ኵሎም ካብ ገዛኦም ወጺኦም።
ወላዲት ሂንደ ራጃብ፡ ዊሳም፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ከባቢኦም ከቢድ ደብዳባት እስራኤል ከምዝነበረ ብምዝካር፡ “ፈሪሕና ኢና ኔርና፡ ንሃድም ከኣ ኔርና” ትብል፤ “ካብቲ ደብዳብ ንምሕባእ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንቀያይር ኔርና” ትብል።
ኵሎም እቶም ስድራ ኣብ ምብራቕ ቓዛ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣህሊ ከይዶም ክዕቈቡ’ዮም ተሰማሚዖም።
ዊሳምን እቲ ዓቢ ወዳን ብእግሮም ናብቲ ሆስፒታል ክኸዱ’ዮም ወሲኖም፤ ምኽንያቱ እታ ጸላም ኪያ ዝዓይነታ መኪና ንዅሎም ስለዘይትኣክል፡ ሂንደ ራጃብ ግን ምስታ ኣኮኣ ዝርከቦም ኣዝማዳ ዘለዉዋ መኪና ተሰቒላ ጕዕዞኦም ጀሚሮም።
ዊሳም፡ “ኣዝዩ ብርቱዕ ማይን ቀዝሕን’ዩ ነይሩ፡ ንሂንደ ከኣ እቲ ቁርን ማይን ከይብርትዓ ኢለ’የ ምስታ መኪና ሰዲደያ” ትብል።
እታ መኪና ካብኦም ፍልይ ምስ በለት በቲ እታ መኪና ትኸዶ ዝነበረት ኣንፈት ብርቱዕ ድምጺ መዳፍዕ ይስማዕ ነይሩ።
ኣኮ ሂንደ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣል ኣዝሁር ገጹ እናዘወረ እንከሎ ምስ ታንክ እስራኤል ፊት ንፊት ተራኺቦም።
ብቕጽበት ናብ ጥቓኦም ዝነበረ መዐደሊ ነዳዲ እልይ ኢሉ፡ ናብታ መኪና ገጹ ከኣ ሓያለ ጠያይት ክትኮስ ጀሚሩ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ዝነበሩ ኣባላት ሓንቲ ስድራ፡ ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ናይ ርድኡና መልእኽቲ ሰዲዱ። እንተዀነ እቲ ሓገዝ ዝሓትሉ ዘለዉ ቤት ጽሐፈት ካብቲ ዘለዉዎ ልዕሊ 80 ኪሎሜተር ርሒቑ’ዩ ዝርከብ።
እዞም ስድራ ርድኡና ኢሎም ክድውሉ እንከለዉ፡ ከባቢ ሰዓት ክልተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ’ዩ ነይሩ።
ኦፐሬተራር ቤት ጽሕፈት ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ነቲ ካብ ኣኮኣ ንሂንደ ራጃብ ንዝበጽሖም መልእኽቲ ርድኡና መልሲ ንምሃብ ምስ ደወሉ ጓል 15 ዓመት ላያን’ያ ንጻውዒቶም ተቐቢላቶ።
ኣብቲ ዝቕዳሕ ዝነበረ ዝርርብ ላያን ነቶም ኦፕሬተራት ኵሎም እቶም ኣብታ መኪና ዝነበሩ ኣዝማዳ ከምዝተቐተሉን ኣብ ጥቓኦም ታንኪ ከምዘላን ገሊጻትሎም “ናባና ይትኵሱ ኣለዉ” ኢላ ዝረባኣ ከይወደአት ኣውያትን ድምጺ ብረትን ካብ ቀረባ ይስማዕ፡ ተሌፎን ከኣ ትዕጾ።
ሰራሕተኛታት ቀይሕ ወርሒ ደጊሞም ናብታ ቍጽሪ ምስ ደወሉ፡ ኣብ ክንዲ ላያን ድምጻ እናኣንቀጥቀጠን እናተነኽነኸትን ሂንደ ራጃብ’ያ ተቐቢላቶም።
እቶም ሰራሕተኛታት ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኣብታ መኪና ሂንደ ራጃብ ጥራይ ብህይወት ከምዘላ ክርድኡ ኣይተጸገሙን።
“ኣብ ትሕቲ ሰድያ ናይታ መኪና ተሓብኢ፡ ዝዀነ ሰብ ከይርእየኪ” እቲ ብተሌፎን ዝወሃባ ዝነበረ ምኽሪ’ዩ።
ሰራሕተኛታት ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ንወተሃደራት እስራኤል ኣፍቂዶም ክሳብ ናብቲ ከባቢ ዝኸዱ ኦፐሬተር ራና ንሰዓታት ምስ ሂንደ ብተሌፎን ዝርርባ ቀጺላ።
ራና፡ “እናኣንቀጥቀጠት’ያ ክንሕግዛ ትሓተኒ ነይራ፡ መጀመርታ ኵሎም እቶም ኣብ መኪና ዝነበሩ ኣዝማዳ ከምዝሞቱ ነጊራትኒ፣ ድሒራ ግን ደቂሶም’ዮም ዘለዉ ኢላትኒ፡ ‘ደሓን ግደፍዮም ይደቅሱ’ ጥራይ’የ ክብላ ዝኽእል ነይረ ከምኡ ኢለያ” ትብል።
ሂንደ ራጃብ ንራና ደጋጊማ መጺኦም ክወስድዋ ትምሕጸና ከምዝነበት ንቢቢሲ ትሕብር።
“ሓንሳብ ከኣ ኣብዚ ይጽልምት ኣሎ ፈሪሐ ኢላትኒ፤ ፈሪሓ ነይራ፡ ገዛይ ካብቲ ንሳ ዘላቶ ክሳብ ክንደይ ከምዝርሕቕ ምስ ሓተተትኒ ኣብታ ዝደለየትኒ ክሕግዛ ዘይምኽኣለይ ውሽጠይ ርዅምሽ ኢሉ” ትብል ራና።
ምዝርራብ ራናን ሂንደ ራጃብን ሰለስተ ሰዓታት ምስ ኣቝጸረ፡ ንሂንደ ከተድሕን ዝተበገሰት ኣምቡላንስ ናብቲ ቦታ ክትሰግር ተፈቒድዋ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራሕተኛታት ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ንወላዲት ሂንደ ራጃብ፡ ዊሳም ረኺቦም ብተሌፎን ምስ ጓላ ከራኽብዋ ክኣሉ።
ሂንደ ድምጺ ወላዲታ ምስ ሰምዐት ኣበርተዒዓ ክትበኪ ከምዝጀመረት ራና ትዝክር።
ዊሳም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ “ምስ ረኸበትኒ በጃኺ እዛ ተሌፎን ከይትዓጽውያ ኢላ እናበኸት ለሚናትኒ’ ትብል።
ዊሳም፡ “ዝዀነ ተሃሪማ እንተዀይና ሓቲተያ፣ እዚ ግን ናብ ካልእ ብኽያት ከምርሓ’ዩ ኢለ ብምፍራሕ ቍርኣን ከንብበላ ጀሚረ፤ ብሓበር ጸሎት ጀሚርና፡ ንዝበልክዎ ንዅሉ ትደግመለይ ነይራ” ትብል።
ንሰራሕተኛታት ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ዮሱፍን ኣሕመድን ዝሓዘት ኣምቡላንስ መሬት ጸላም ምስ ተኸደነ’ያ ናብቲ ቦታ በጺሓ። ናብቲ ጥቓ ሂንደ ራጃብ ዘላቶ ቦታ ከምዝበጽሑ ካብ ክፍሊ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ቀይሕ ወርሒ ተሓቢርዎም፤ ናብቲ ቦታ ንኽበጽሑ ግን ግድን ብሰራዊት እስራኤል ክፍተሹ ነይርዎም።
ድሕሪ እዚ ክስተት እዚ ድምጺ ሂንደ ራጃብን ናይቶም ከድሕንዋ ዝኸዱ ዩሱፍን ኣሕመድን ኣይተሰመዐን፤ እታ ምስዞም ክልተ ሰራሕተኛታት ዝነበረት ተሌፎንን እታ ምስ ሂንደ ራጃብ ተራኽብ ዝነበረት ተሌፎንን ተዓጽየን።
ኣቦሓጐኣ ባሃ ሓማዳ ንቢበሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሂንደ “ምስ ወላዲታ እናተዛረበት እንከላ ማዕጸ ናይታ መኪና ከምዝተኸፈተን ሂንደ ራጃብ ነታ ኣምቡላንስ ካብ ርሑቕ ከምዝርኣየታን ንኣደኣ ነጊራታ” ይብል፤ እዚኣ ኣታ ዊሳም ንመወዳእታ ግዜ ድምጺ ጓላ ዝሰማዓትላ ህሞት’ያ።
ወላዲት ሂንደ ራጃብ ዝዀነት ዊሳም፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ውሽጠይ ይነድድ ኣሎ፤ ድምጺ ኣምቡላንስ ኣብ ዝሰማዕኩሉ ጓለይ እያ ትኸውን እናበልኩ ይጐዪ፣ ኵሉ ድምጺ ብረት፡ ኵሉ ዝዓልብ ዘሎ ሚሳይላትን ቦምባታትን ናብታ ብዘይ ረዳኢ በይና ዘላ ጓለይ ገጹዶ ይኸይድ ይህሉ ኢለ ይፈርሕ” ትብል እናበኸየት።
ስድራ ሂንደ ራጃብ ይዅኑ ሰራሕተኛታት ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም እታ ጓል 6 ዓመት ህጻን ዝነበረታ መኪና ኣበይ እያ ነይራ ክፈልጡ ኣይክኣሉን። እቲ ቦታ ሰራዊት እስራኤል ዝቈጻጸሮ ብርቱዕ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ምዃኑ ግን ኣይስሓትዎን።
ኦፐሬተር ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ዝዀነት ራና፡ “እቲ በጃኹም መጺኹም ውሰዱኒ ዝብል ዕሸላዊ ድምጻ ኣብ ለይቲ ኣብ እዝነይ ኣናኣቃጨለ ድቃስ’ዩ ዝኸልኣኒ ዘሎ” ትብል።
ሰራዊት እስራኤል፡ ብ 29 ጥሪ ኣብቲ ከባቢ ንዘካየድዎ ስርሒትን ንምጥፋእ ሂንደ ራጃብ ከምኡ'ውን ምስ ክልተ ሰራሕተኛታታ ዝጠፍአት ኣምቡላንስ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህቡና ሓቲትናዮም መልሲ ኣይረኸብናን። ን24 ሰዓታት ጸኒሕና ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ኣቕረብና የጻርይዎ ከምዘለዉ’ዮም ገሊጾምልና።
ኣደ ሂንደ ራጃብ፡ ዊሳም “እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ኣበይ’ዩ ዘሎ? ፕረዚደንታት፤ እዚ ዅሉ እናተፈጸመ ኣብ ሰድያኦም ኮፍ ኢሎም ክዕዘቡ ነብሶም ከመይ ኢሉ’ዩ ገይርሎም?” ትብል።
ሂንደ ራጃብ ድሃያ ካብ ዘይስማዕ ሰሙን ኣሕሊፋ ኣላ፣ ዊሳም ኣብ ሆስፒታል ኣህሊ ኰይና ከብዳ ሓቚፋ ተስፋ ብዘይምቝራጽ ምምጻእ ጓላ ትጽበ ኣላ።
“ኵሉ እቲ ትጻወተሉ ዝነበረት ንዋት ሒዘላ ኣለኹ፡ ኣብዚ ኰይነ ክጽበያ’የ፡ ንጓለይ ኣብ ዝዀነ ሰዓት ኣብ ዝዀነ ካልኢት ኣብዚኣ ኰይነ ክጽባያ’የ” ድሕሪ ምባል፡ “ልባ ብጓሂ ካብ ዝተኾምተረ ወላዲት እዚ ዛንታ እዚ ብፍጹም ከይርሳዕ ይምሕጸን ኣለኹ” ትብል።