ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላት ምግፋዕ ደው ከብሉ ኣምነስቲ ጸዊዑ

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታት ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክፍትሑ ጸዊዑ።

"ብቕልጡፍ" ከምኡ’ውን "ብዘይቅድመ ኩነት" ክፍትሑ ዝጠለበ እቲ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ'ውን ክስረዝ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ሰራሕተኛታት ኢሰመጉ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ዝተለዓሉ ሰባት ሓበሬታ እናኣከቡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከም ዝተኣሰሩ እቲ ትካል ትማሊ 2 ጥሪ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣባላት ኢሰመጉ ዝኾኑ ዳንኤል ተስፋይ፣ብዙኣየሁ ወንድሙ፣በረከት ዳኒኤልን ናሁም ሑሴንን ብ 27 ታሕሳስ 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከባቢ ኣለም ባንኪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ኣምነስቲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ ታይግሪ ቻጉታህ፡ እቶም ኣርባዕተ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዚ ዝበሃል ዝፈጸምዎ ገበን ከም ዘየለን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትሑት እቶት ዘለዎም ሰባት በስገዳድ ምምዝባሎም ስዒቡ ሓበሬታ ይእክቡ ከም ዝነበሩን ገሊጻ።

"መጀመርታ ክእሰሩ’ኳ እንተዘይነበሮም፡ ብቕልጡፍን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነትን ክፍትሑ ይግባእ። ዝኾነ ሰብ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ንጥፈታት ብምስርሑ ከም ገበነኛ ክቑጸር የብሉን" ኢላ።

እታ ዳይሬክተር ብተወሳኺ፡ ሰበስልጣን ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላት ምግፋዕ ደው ኣቢሎም ኣብ ውሑስ ሃዋህው ክሰርሑ ከኽእሉ ከም ዝግባእ ገሊጻ።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ዝፈርሱ ዝነበሩ ኣባይቲ ንምጽራይ ናብ ከባቢ ኣለም ባንክ ዝኸዱ ሰለስተ ሰራሕተኛታቱን ሓደ መራሒ መኪናን ሃለዋቶም ድሕሪ ምጥፍኡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣለም ገና መደበር ፖሊስ 02 ተኣሲሮም ከም ዝትረኸቡ ሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ወሲኹ፡ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዙሕ ስግኣታትን ጸቕጥታትን ይበጽሓኒ ኣሎ ኢሉ።

ነቲ ተግባር ዘይሕጋውን ንስራሕ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ጉባኤ ንምዕንቃፍ ዝግበር ፈተነን ክብል ድማ ኮኒኑ።

መንግስቲ ካብ "ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዝተፈላለየ ጸቕጥታትን" ክቑጠብን ሰራሕተኛታቱ ብቕልጡፍ ክፈትሕን እቲ ጉባኤ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ነቲ ተግባር "ዘሕፍር" ክትብል ዝገለጸት ዳይሬክተር ታይግሪ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብመንግስቲ ዝፍጸም ዘሎ በስገዳድ ምምዝባል ንከይቃላዕ ይኽልክሉን ካልኦት ድማ ኣብ ንጥፈታት ሰብኣዊ መሰላት ንከይሳተፉ ይገብሩን ከም ዘለዉ ከሲሳ።

ኣምነስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ብዘይ ፍቓድ ፖሊስ ስርሖም ብምስራሕ ከም ዝተኸሰሱን እዚ ግና ብሕጊ ኢትዮጵያ ገበን ከም ዘይኮነ ይሕብር።

እቲ መኪንኦም ከይተረፈ ኣብ ቀይዲ ዘእተወ ፖሊስ ብወገኑ፡ እቶም ውልቀሰባት ካብቲ ዝሰርሕሉ ትካል ናይ ደገፍ ደብዳበ ከይሓዙ ምስቶም ካብ ከባቢኦም ዝተለዓሉ ግዳያት የዘራረቡ ከም ዝነበሩ ​​ይገልጽ።

ኣምነስቲ ብተወሳኺ እቶም ውልቀሰባት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መደበር ፖሊስ ኣብ ገናን ጉዳ ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣምነስቲ፡ እቶም ውልቀሰባት ብ28 ታሕሳስ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረቡ ኰይኖም፡ ፖሊስ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ንቤት-ፍርዲ ብምሕታቱ ብዋሕስ ክፍትሑ ዘቕረብዎ ሕቶ ተነጺጉ እዩ።

ፖሊስ ነቲ ፈጺሞሞ ዝተበሃሉ ገበንን ብሰንኩ ክእሰሩ ዝፈቅድ ሕጊን እኳ እንተዘይጠቐሰ፡ እቲ ቤት-ፍርዲ ግና ክሳብ ሎሚ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ እዋን ቆፀሮ ኣቐሚጡ’ሎ።

እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ኢሰመጉ ኣብቲ ክልል ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ከካይድ ፈቓድ ከም ዘይረኸበ ካብ ፖሊስ ሓበሬታ በጺሑኒ'ዩ ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጋዜጠኛታት፡ ማሕበራዊ ተጣበቕትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ብምእሳርን ብምንግልታዕን ብተደጋጋሚ ክኽሰስ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።