ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተምሃሮ መብዛሕትኦም ከም ዝተፈትሑ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ብዝተለዓለ ናዕቢ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተምሃሮ መብዛሕትኦም ከም ዝተፈትሑ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ መንግስቲ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ብዙሓት ተምሃሮ ከም ዝተኣሰሩን፡ መብዛሕትኦም "ኣድላዪ ምኽሪ ተዋሂብዎም ከም ዝተፈትሑን" ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ረቡዕ 12 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ተምሃሮ "ብስምዒት ዝተደፋፍኡን ብዘይፍላጥ ጸረ-ሰላም ሓይልታት" ከም ዝተጠቐሙሎምን ገሊጹ።

እቲ መግለጺ፡ “ዝተኣሰሩ ተምሃሮ ኣይተፈትሑን” ዝብል ሓበሬታ ዝዝርግሑ ዘለዉ "ግጭት ከም ፖለቲካዊ መኽሰብ ዝረኽበሉ መንገዲ ብምጥቃም ሓድነት ሕብረተሰብ ኣብ ዘዕኑ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ጸረ-ሰላም ሓይልታት" ምዃኖም ጠቒሱ።

እንተኾነ፡ ክንደይ ተምሃሮ ከም ዝተኣሰሩን ቁፅሪ እቶም ተፈቲሖም ዝተብሃሉ ተምሃሮ ክንደይ ከምዝኾነን ኣይተጠቕሰን።

ብዘይካ ተምሃሮ ኣባላትን መምህራንን ሰልፊ ባልደራስ ኣብ ገለ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ብዝምልከት ብዝተለዓለ ናዕቢ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር ኣብቶም "ሕቡእ ኣጀንዳ” ኣለዎም ዝበሎም ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ይውሰድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ምስ መምህራን፡ ወለድን መራሕቲ ኣብያተ ትምህርትን ብምዝታይ ክፍታሕ ከም ዝኸኣለ ኣፍሊጡ። ይኹን እምበር ነቲ ፀገም ዝተውሃበ መፍትሒ ብዝምልከት ኣብቲ መግለፂ ዝተበሃለ ነገር የለን።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ተተሓሒዙ ብተደጋጋሚ ናዕቢ ድሕሪ ምልዓሉ ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ብ3 ታሕሳስ 2015 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ሰላም ከም ዝጠፍአ፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምኡ’ውን ዕንወት ንብረትን ካልእ ጉድኣትን ከም ዘስዓበ ገሊጹ ነይሩ።

ኢሰመጉ ወሲኹ፡ "መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ እኹል ቆላሕታ ሂቡ፡ እቲ ጉዳይ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ቅድሚ ምውጽኡ ህጹጽን ነባሪን ፍታሕ ክህብ ይግባእ" ምባሉ ይዝከር።

ሓላፊ ናይቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር መሰላት ህዝቢ ንምሕላው ዝከታተል ኣካል፡ትካላት ትምህርቲ ካብ ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊ ወይ ባህላዊ ጽልዋ ነጻ ምዃነን ይገልጽ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት "ትካልና ባንዴራ ኣምሓራ፡ ብሄረሰባት ደቡብን ሲዳማን ይኹን ካልእ ክልል ኣብ ቤት ትምህርቲ ክስቀልን ክልላዊ መዝሙር ክዝመርን ዘገድድ ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መሰረት ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራ ካልእ ክልል ንምስቃል ብቑዕ ምኽንያት እንተሃልዩ’ውን ፍቓድ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ክረክብ" ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራ ኦሮምያ ምስቃልን መዝሙር ምዝማርን ብዝምልከት ተቓውሞኦም ምግላጾም ይዝከር።