"ትራምፕ እንተተመሪጹ ንዩክረይን ሳንቲም ኣይክሕግዛን’ዩ” ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፡ ዶናለድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ እንተተመሪጹ ንዩክረይን ሳንቲም ክሕግዛ ከምዘይክእል ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ፍሎሪዳ ምስ ትራምፕ ምስ ተራኸበ፡ “ትራምፕ ኣብዚ ሩስያን ዩክረይን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ንዩክረይን ደጊፉ ሳንቲም ከምይሕግዝ’የ ዝፈልጥ፡ ብኸምኡ’ዩ እዚ ኲናት ክውዳእ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዋላ’ኳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይሃበ፡ ፕረዚደንት ኮይኑ እንተተመሪጹ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን “ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት” ከምዝውዳእ ከምዝገብር ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ነቲ ንነዊሕ ግዜ መሻርኽቱ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ንኽምረጽ’ዩ ዝጉስጉሰሉ ዘሎ።

እቲ ቀደማይ ሚኒስተር፡ ኤም1 ቲቪ ኣብ ዝተብሃለት መደበር ቴሌቪዥን ሃንጋሪ ብሰንበት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ርጉጽ’ዩ ዩክረይን ብገዛእ ርእሳ ደው ክትብ ኣይትኽእልን’ያ” ብምባል ክሳብ ሕጂ ኣፅኒሕዋ ዘሎ ደገፍ ናይ ከም ጆ ባይደን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ከምዝኾነ ገሊጹ።

“ኣመሪካውያን ምስ ኣውሮጳውያን ኮይኖም ገንዘብን ኣጽዋርን እንተዘይሂቦማ እቲ ኲናት ክውዳእ’ዩ፡ ኣመሪካውያን ገንዘብ ምሃብ ደው እንተኣቢሎም ከኣ ኣውሮጳውያን ንበይኖም ነቲ ኲናት ክምውልዎ ኣይክእሉን’ዮም፡ እቲ ኲናት ከኣ ክውዳእ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስዓብ፡ ትራምፕ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ብኸመይ ከምዝውዳእ “ንኡዱ ውጥን ኣለዎ እንተኾነ ሕጂ ክገልጾ ኣይደልይን’ዩ” ኢሉ።

ቢቢሲ፡ትራምፕ ኣብ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ዘለዎ ውጥን ኣመልኪቱ’ኳ እንተሓተተ መልሲ ግን ክረክብ ኣይክኣለን።

ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባንን ብዓርቢ ኣብ ዝተራኸብሉ ንሓድሕዶም ክወዳደሱ’ዮም ተሰሚዖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ናብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣይተራኸበን።

ኣብቲ ኣብ ሕዳር ናይዚ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ዶናለድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ቀንዲ ተቐናቐንቲ ኮይኖም ክወዳደደሩ ከምዝኽእሉ’ዩ ትጽቢት ዝግበር።

ኣውሮጳውያን መራሕቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ምስ ፕረዚደንት ቭላዲሚር ፑቲን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎምን፡ እቲ ኲናት ኣብ 24 ለካቲት 2022 ካብ ዝጅመር ርክቦም ዝያዳ እናተረረ ከምዝኸደን ብምጥቃስ፡ ብተደጋጋሚ ክነቅፍዎ ይስምዑ’ዮም።

ዘይከም ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፡ ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ ኣብ እተካይዶ ዘላ ኲናት "ኣይክትዕወትን’ያ" ብምባል ነታ ሃገር ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ካብ ምሃብ ዕጭ ሓንፊፉ’ዩ።

ብዙሓት መራሕቲ ኣውሮጳ፡ ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ፕረዚደንት ኮይኑ እንተተመሪጹ፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን [ኔቶ] ንዩክረይንን ትህቦ ዘላ ደገፋት ደው ከብሎ ከምዝኽእል ብተደጋጋሚ ስክፍትኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ጆ ባይደን፡ 60 ቢልዮን ዶላር ዋጋኡ ኣጽዋር ዝርከቦ ብሓፈሻ 95 ቦልዮን ዶላር ዝትመን ሓገዝ ንዩክረይን ክውሃብ’ኳ ጠለብ እንተኣቕረበ፡ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ሪፓብሊካን ብዘስምዕዎ ተቓውሞ እቲ ሓገዝ ደው ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሰራዊት ዩክረይን ሕጽረት ተተኮስቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን ድማ፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ሓያለ ቦታታት ኣብ ምቁጽጻር ይርከቡ።

ዩክረይን ዝበዝሐ ጠለብ ኣጽዋራታ ካብ ኣሜሪካን ካብ መሻርኽታ ዝኾና ምዕራባውያን ሃገራትን’ያ ትረኽቦ።