ኩዌት ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ትርከቦም 7 ሰባት ብማሕነቕቲ ቀፂዓ

ገመድ

ኩዌት ንምሕፅንታ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዕሽሽ ብምባል ሎሚ 7 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ንሸውዓተ እሱራት ብማሕነቕቲ ቀፂዓ።

ካብዚኦም፡ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት እትርከቦም ኮይና ካልእ ጓል ኣንስተይቲ እውን ከምዘላ ተሓቢሩ።

ኩዌት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ እዋን ናይ ሞት ፍርዲ ግብራዊ ከምዝገበረት ይግለጽ።

ዓቃቢ ሕጊ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት፡ ኢትዮጵያዊትን ካልእ ዜጋ ኩዌት ዝኾነትን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም፡ ሓደ ሶርያዊን ሓደ ፓኪስታናውን ምስ ካልኦት ዜጋታት ኩዌት እዮም።

እዞም እሱራት ብቕትለትን ካልእ ገበናትን ከም ዝተኸሰሱ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኩና ምፅብፃቡ ወኪል ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) ገሊፁ።

እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈጸመ እቲ ወኪል ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብ6 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብኣማኻሪ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር መሓመድ ኣል ዱጊ ብ5 ሕዳር 2015 ወግዓዊ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሩ።

መሓመድ ኣል ዱጊ ሽዑ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቶም 7 ውልቀሰባት ብቕትለት ዝተፈርዱ ምዃኖም ብምሕባር፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግብራዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ኣማኻሪ ዓቓቢ ሕጊ፡ ከምዚ ዝበለ ናይ ሞት ፍርዲ ምእዋጅ "ከምዚ ዝበለ ገበናት ንምክልኻል ከምኡ’ውን ንዝተፈጸመ ጥፍኣት መቕፅዕቲ እዩ" ክብል ንዓንቀፃት ቁርኣን ምጥቃሱ ኣመነስቲ ኣመልኪቱ።

ኣምነስቲ፡ እዚ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ሓቲቱ ነይሩ።

“ሰበስልጣን ኩዌት ነዚ ናይ ሞት ፍርዲ ብቕልጡፍ ደው ከብልዎ ኣለዎም። ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ መሰል ምንባር ዝግህስ ሕሱም፣ ኢሰብኣውን ዘስካሕክሕን መቕጻዕቲ እዩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተፈጸመ ዓይነት ገበን ብዘየገድስ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈፃምነት ይቃወም" ክትብል ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ምክትል ዞባዊ ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣምና ጉለሊ ገሊጻ።

ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብምንቃፍ፡ "ኩዌት እትፍፅሞ ናይ ሞት ፍርዲ ምሉእ ብምሉእ ክተቋርፅ እቲ ሕብረት ይጽውዕ። እዚ መቕጻዕቲ ጭካነ ዝተመልኦን ኢሰብኣውን እዩ" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ኩዌት ዝፍጸም ናይ ሞት ፍርዲ መብዛሕትኡ ግዜ ብማሕነቕቲ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዓለምቲ/ተኮስቲ ይፍጸም።

እታ ሃገር ቅድሚ ሎሚ ኣብ 2017 ናይ ሞት ፍርዲ ቅድሚ ተፈጻሚ ምግባራ ይዝከር። ኣብቲ እዋን ሓደ ኣባል ንጉሳዊ ስድራቤት ዝርከቦም 7 እሱራት ብጃምላዊ ቅትለት ተቐፂዖም።

ኩዌት ካብ 1960ታት ጀሚራ ኣስታት 80 ሰባት ብሞት ክትቐፅዕ ከላ፡ መብዛሕቲኦም ግዳያት መቕፃዕቲ ድማ ብቕትለትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ዝኽሰሱ እዮም።