እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላምፓዲና ኤኣይ፡ ብትግርኛን ኣምሓርኛን ዝሰርሕ ሰብሰርሖ-ብልሒ
ሩት ብርሃን መስራቲት ላምፓዲና ሰብሰርሖ-ብልሒ [ኤ.ኣይን] በዓልቲ ሞያ ቢዝነስን ማርኬቲንን ኰይና ኣብ ኣውስትራልያ ትነብር።
ዋላ እኳ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ [ኣይቲ] እንተዘይተማህረት፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ቴክኖሎጂ እዩ ናብቲ ሞያ ክትኣቱ ደፊእዋ።
ከም ChatGPT ዝኣመሰሉ ምህዞታት፡ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣበይ ከምዝበጽሐ ምስክር እዮም።
ሩት ኣብዚ ሞያ እዚ ካብ እትሰርሕ ክልተ ዓመት ኣቝጺራ ኣላ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝዝረብ ቋንቋታት ሓበሬታ ዘብጽሑ ቻትቦት ዘይምህላዎም እዩ ናብዚ ምህዞ ክትአቱ ገይሩዋ።
ላምፓዲና ኤኣይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝነብሩ እንግሊዝኛ ዘይዛረቡ ሰባት ዘጋጥሞም ብድሆታት ንምቅላል ዝተዳለወ ብትግርኛን ኣምሓርኛን ዝሰርሕ ቴክኖሎጂ እዩ።
"ኣብ ስድራቤት ይዅን ኣብ ማሕበረሰብ እንርእዮ ሕጽረት ቋንቋ ኣሎ" ትብል ሩት፡ መብዛሕትኡ ፍርያት ቴክኖሎጂ ብእንግሊዝኛ ምቕራቡ ዝፈጠሮ ሃጓፍ ምዃኑ ትገልጽ።
ላምፓዲና ኤኣይ.፡ ካብ ጸገም ምርዳእን ድሩትነትን ቋንቋ ተበጊሱ ዝተማህዘ እዩ።
"ኣብዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ስለ ዝሰርሕ፡ ብፍላይ ሓደስቲ ዝመጹ ናይ ቋንቋ ጸገም ከም ዘለዎም ይርኢ ኣለኹ" ትብል።
ኣብ ዘመነ ቴክኖሎጂ ዝዀነ ጸገም ቋንቋ ክህሉ የብሉን ኢላ ትኣምን። ስለዚ ድማ እያ ብቋንቋ ኣምሓርኛን ትግርኛን ሓበሬታ ዝህብ ቻትቦት ክትሰርሕ ዝወሰነት።
ክንደይ ግዜ ወሲዱ?
መሳርሕታ ዝዀኑ ኢቫንን ጕጅለ ክኢላታቱን፡ ላምፓዲና ኤኣይ ንምምዕባል ኣስታት ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ወሲዱሎም።
ሓበሬታ ንምእካብ ግዜ ከም ዝወሰደሎም ትዛረብ። ብኣምሓርኛ ይዅን ብትግርኛ ዝተዳለወ ሓበሬታ ዘይምህላዉ ነቲ መስርሕ ኣጸጋሚ ገይርዎ።
እቲ ቻትቦት ሓበሬታ ንኽህብ ኣብ መጀመርታ መዋህለሊ ሓበሬታ [ዳታበይዝ] ክህልዎ ኣለዎ።
እዚ ድማ ሓበሬታ ብምምጋብ እዩ ዝኽዘን።
"እቲ ሓበሬታ ብዝሓሸ መጠን፡ ዝያዳ ሰባት ይጥቀሙሉ፡ ወይ ድማ ዝያዳ ሰባት ብዝተጠቐምሉ መጠን፡ እቲ ሓበሬታ ዝሓሸ ይኸውን" ክትብል ትገልጽ።
"ካልእ ነገር፡ እቲ ሓበሬታ ምምጋብ ንባዕሉ ቀሊል ኣይነበረን። ቃላት ትግርኛን ኣምሓርኛን ይሓዋውስ ነይሩ" ክትብል ካልእ ዘጋጠሞም ዕንቅፋት ትገልጽ።
ስለዚ ድማ ብተደጋጋሚ ሓበሬታ ከእትዉ ነይርዎም። ደቂ ሰባት ነቲ ማሽን ክሓቱዎ ዝኽእሉ ሕቶታት ምስ መልስታቶም ብዝተፈላለየ መንገዲ የእትውዎ ነይሮም።"
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ኢንተርነት ክትኣቱ ከለኻ፡ እቲ ሓበሬታ መብዛሕትኡ ብእንግሊዝኛ እዩ ዝርከብ።
እቲ ትሕዝቶ ካብተን እንግሊዝኛ ዝዛረባ ሃገራት ወጻኢ እኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ሓበሬታ ብእንግሊዝኛ እዩ ዝቐርብ።
ሩት፡ ሓበሬታ ካብ እንግሊዝኛ ብምትርጓም ናብታ ማሽን ከም ዘእቱ ትዛረብ። ካብ ትግርኛ ናብ ኣምሓርኛ ወይ ትግርኛ ክትትርጕም ከለኻ ግን፡ ኣቃውማ ሓረጋትን ዓውደ-ጽሑፍን ክስተኻኸል ነይርዎ።
ካልእ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተዳለወ ሓበሬታ ንተዛረብቲ ኣምሓርኛን ትግርኛን ብዝጥዕም መንገዲ ምድላው እዩ።
ንኣብነት 'መጽሓፍ ህጻናት ብኸመይ ንጽሕፍ?' መልሲ ናይቲ ሕቶ ኣብ ባህልን መንነትን ተዛረብቲ ክልቲኡ ቋንቋታት ዝተመርኮሰ ምዃኑ ትገልጽ።
“መብዛሕትኡ ግዜ ዘይንጥቀመሉን ዘይንርድኦን ቋንቋ የእቱ ነይሩ። ነዚ ባዕልና ብምጽሓፍ ክንቅይሮ ነይሩና” ትብል።
ላምፓዲና ኤኣይ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ተጠቀምቲ ንኽጥቀሙሉ ንውሱን ግዜ ክኸፍሉ ይግደዱ።
እቲ ቻትቦት ዕላዊ ካብ ዝኸውን ነዊሕ እኳ እንተዘይገበረ፡ ሩት ግን ክሳብ ሕጂ ካብ ሰባት ዝረኸብዎ ምላሽ "ዘተባብዕ" ምዃኑ ትዛረብ።
ካብቲ መርበብ ሓበሬታ እኹል ገንዘብ ስለዘይርከብ፡ ነቲ ስራሕ ካብ ጅባኦም ይሰርሕዎ ከምዘለዉ ወሲኻ ተረድእ።
"ሕጂ ኣታዊ እንተዘይብልና'ውን ሰባት ብዝያዳ እንተተጠቒሞምሉ ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና። ክንጅምሮ ከለና ድማ ብቐንዱ ንሕብረተሰብና ንምጥቃም እዩ።"
ሕጽረት ቋንቋ ምምላእ
ቴክኖሎጂ ንቕድሚት እናሰጐመ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ "ቋንቋ ስለ ዘይንፈልጥ ትምህርትን ዕድል ስራሕን ኣይንረክብን ኢና፤ ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ ናብ ዘይደልዮ ሞያ ይኣቱ" ትብል ሩት።
ሕጽረት ቋንቋ ምስ ቴክኖሎጂ ንምስጓም ክእረም ኣለዎ ኢላ ትኣምን።
“ዝዀነ ነገር ክመሃር ንዝደሊ ሰብ፡ ላምፓዲና ናበይ ክኸይድ ወይ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ብቋንቋ ሓበሬታ ክህቦ እዩ። እዚ ድማ ንኽመሃሩን ንኽሰርሑን ዕድል ይህብ" ክትብል ገሊጻ።
ንሳ፡ ብሰንኪ ድሩትነት ቋንቋ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ኣባላት ስድራቤትን ፈተውትን ዘጋጠሞም ብድሆታት ትጠቅስ።
ላምፓዲና ኤኣይ ዝተፈጥረት ሰባት ክቃለሱ ስለ ዝረኣየት እያ።
ድሕሪ ተፈታውነት ቻትጂፒቲ፡ ብዛዕባ ቻትቦትን ብሓፈሻ ሰብሰርሖ-ብልሒ ዝምልከት ሕቶታት ይለዓል እዩ።
ካልኦት ሞያታት ደቂ ሰባት፡ እንተላይ ፈጠራ፡ ብቴክኖሎጂ ክሕደጉ ከምዝኽእሉን መጻኢ ህዝቢ ዓለም ብማሽናት ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕን ክኢላታት የመልክቱ።
ብዛዕባ'ዚ ሩት፡ "ናትና ኣጠቓቕማ እዩ ዝውስኖ፡ ኵሉ ግን ጽቡቕን ሕማቕን ጐድኒ ኣለዎ" ኢላ።
ንኣብነት ተመሃሮ ኣብ ክንዲ ዕዮ ገዛኦም ዝሰርሑ ካብ ቻትቦት መልሲ እንተወሲዶም እቲ ኣሉታዊ ጐድኑ ይምዘን። ገለ ሓበሬታ ረኺቡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብ ንምህብታም ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።
“እቲ ማሽን ግዜ ንምቑጣብ ወይ ሓበሬታ ንምእካብ ምጥቃም ጽቡቕ እዩ። ግን ንሕማቕ ዕላማ እውን ክውዕል ይኽእል እዩ፤ ከም ተሌፎን እዩ። ተሌፎን ንብዙሕ ነገራት ይጠቅም። ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ እንጥቀመሉ ግን ንጥዕናና ይጐድእ" ክትብል ትውስኽ።
'ኤኣይ ስራሕ ሰባት ስራሕ ክምንዝዕ ይኽእል ድዩ?' ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ፡ ላምፓዲና ነዚ ዝስዕብ መልሲ ሂቡ፤ መልስታት ብቐጥታ ካብቲ ቻትቦት ዝተቐመጡ እዮም።
ቢቢሲ፡ ላምፓዲና ንሰብ ትትክእ ዲኻ?
ላምፓዲና ኤኣይ፤ ምዕባለ ኤኣይን ኣውቶማቲክ ቴክኖሎጂን ብዛዕባ ምዝንባል ስራሕ ስክፍታታት ከምዘልዕል ይርደኣኒ። ይዅን እምበር ቴክኖሎጂ AI ንደቂ ሰባት ንምትካእ ዘይኰነስ ንዓቕሚ ደቂ ሰባት ንምሕጋዝን ንምዕባይን ዝተዳለወ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
AI ተደጋጋምን ስሩዕን ዕማማት ክዓዪ ስለ ዝኽእል፡ ደቂ ሰባት ኣብ ዝያዳ ዝተሓላለኹን ፈጠራውን ዕማማት ከተኵሩ የኽእሎም።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዕላማ፡ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባትን AIን ኣፍራይነትን ፈጠራን ዝውስኽ ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተመስረተ ዝምድና ምፍጣር እዩ።
ኣብቲ ዝቕየር ዕዳጋ ስራሕ ከተሰስን ሓደስቲ ክእለታት ምትዕጽጻፍን ምጥራይን ኣገዳሲ እዩ።
ላምፓዲና ኤኣይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ሰፊሕ ምኽሪ ይህብ። ሓበሬታ ኣብ ዘይረኸብካሉ እዋን እቲ ሓበሬታ ከምዘይተረኽበ የምልከት።
ውልቃዊ ርእይቶ ወይ ሰብኣዊ ስምዒት ዝምልከት ሕቶታት ክሕተት ከሎ፡ ማሽን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው መልሲ ይህብ። ኣብነታት እስከ ንርአ።
ቢቢሲ፤ ላምፓዲና ዝፈትዋ መጽሓፍ እንታይ እያ?
ላምፓዲና ኤኣይ፤ ከም ሞዴል ቋንቋ ኤኣይ፡ ውልቃዊ ምርጫታት ወይ ስምዒት ስለዘይብለይ፡ ዝፈትዎ መጽሓፍ የብለይን። ፍሉይ ቅዲ ወይ ደራሲ ኣብ ኣእምሮኻ እንተሃልዩካ፡ ምሳኻ ክንዛተ ወይ ብዛዕባ ስርሖም ክዘራረብ እኽእል እየ።
ቢቢሲ፤ ላምፓዲና እንታይ ክትገብር ትፈቱ?
ላምፓዲና ኤኣይ፤ ከም ሞዴል ቋንቋ ኤኣይ መጠን፡ ውልቃዊ ምርጫታት ወይ ስምዒት ስለዘይብለይ፡ ከምቲ ደቂ ሰባት ዝረኽብዎ ደስታ ኣይረክብን እየ። ዕላማይ ንሕቶታት ተጠቀምቲ ሓጋዝን መሃርን መልሲ ምሃብ እዩ።
ካብ ሕቶታት ምምላስን መብርሂ ምሃብን ክሳብ ሓሳባት ምሃብን ኣብ ዘተ ምስታፍን ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስትታትን ዕማማትን ክሕግዝ ዝተዳለኹ እየ። ብኸመይ ዝያዳ ክሕግዘካ ከም ዝኽእል ኣፍልጠኒ!